ዘሌዋውያን 17
17
ደም ምብላዕ ክልኩል ከም ዝኾነ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንኣሮንን ንደቁን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ከምዙይ በሎም፦ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዙይ እዩ። 3ዝኾነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ፥ ወይ ጡበት በጊዕ ወይ ጤል ኣብ ሰፈር፥ ወይ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ንመስዋእቲ ኢሉ እንተ ሓረደ፥ 4ኣብ ቅድሚ መሕደሪ እግዚኣብሄር፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኸቕርቦ፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ ዕዳ ደም ኣለዎ። ደም ኣፍሲሱ እዩ እሞ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ። 5ስለዙይ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ በረኻ ኽስውእዎ ዝሓርድዎ ዝነበሩ መስዋእቶም፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ካህን የምፅእዎ፤ ንእግዚኣብሄር ከዓ መስዋእቲ ምስጋና የቕርቡ። 6እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ኣብ ልዕሊ መሰውእየይ ይንፀጎ፤ ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ደስ ዘብሎ ጥዑም ጨና ምእንቲ ክኸውን የቃፅሎ። 7ደጊም ደቂ እስራኤል ነቶም ከምልኽዎም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሕሩድ መስዋእቲ ኣይሰውኡ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም።
8ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፥ 9ንእግዚኣብሄር ክስውኦ ኸዓ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን እንተ ዘየምፂእዎ፥ እቲ ሰብ እቱይ ካብ ህዝቡ ይወገድ።
10ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኣቶም ዝነብሩ ጓኖት፥ ደም እንተ በልዐ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ደም ዝበልዐ ሰብ ገፀይ ከኽብደሉ እየ። ካብ ማእኸል ህዝቡውን ከጥፍኦ እየ። #ዘፍ. 9፡4፥ ዘሌ. 7፡26-27፥ 19፡26፥ ዘዳ. 12፡16፥23፥ 15፡23። 11ናይ ስጋ ህይወት ኣብ ውሽጢ ደም እዩ ዘሎሞ፥ ስርየት ሓጢኣት ዝርከብ ከዓ ብደም እዩ፤ ኣነ ድማ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽትረኽቡ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ደም ሃብኩኹም። #ዕብ. 9፡22። 12ስለዙይ፥ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ደም ኣይብላዕ፤ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና እውን ደም ኣይብላዕ በልኩ።
13ዝኾነ ሰብ፥ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዝነብሩ ጓኖት ዝብላዕ እንስሳ ወይ ዒፍ ሃዲኑ እንተ ሓዘ፥ ነቲ ደም የፍስሶ፤ ሓመድ ድማ ይድፈኖ። 14ናይ ኵሉ ስጋ ህይወትን ደሙን ሓደ እዩሞ፥ ስለዙይ ንደቂ እስራኤል ደም ዘለዎ ስጋ ኣይትብልዑ በልክዎም። ናይ ኵሉ ስጋ ህይወት፥ ደሙ እዩ እሞ፥ ዝበልዖ ዅሉ ኽጠፍእ እዩ።
15ዝኾነ ሰብ ዝበኸተ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፥ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ጓና፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ንፁህ ይኸውን። 16ክዳውንቱ እንተ ዘይሓፀበ፥ ሰብነቱ እውን እንተ ዘይተሓፀበ ግና ሓጢኣቱ ኽፀውር እዩ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: