YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 16

16
ስርየት ሓጢኣት ዝርከበላ መዓልቲ
1ድሕሪ ሞት እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፥ ክልተ ደቂ ኣሮን፥ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። 2#ዕብ. 6፡19። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ ኣነ ብደመና ኣብ ልዕሊ መኽደን መስተስረዪ ክረአ እየ እሞ፥ ከይመውትስ ንሓውካ ኣሮን ኣብ ውሽጢ መጋረጃ፥ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን፥ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ፥ መኽደን መስተስረዪ፥ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ኸይኣቱ ንገሮ። 3ኣሮን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣቱ እንተሎ፥ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ዝራብዕ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ሓደ ማጕላ ሒዙ ይእቶ። #ዕብ. 9፡7።
4እቲ ናይ ሃሪ ቅዱስ ቀሚሽ ይልበስ፤ ናይ ሃሪ ስረ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ሰብነቱ ይዕጠቕ፤ ናይ ሃሪ ቕናት ድማ ይተዓጠቕ፤ ናይ ሃሪ መጠምጠምያ እውን ኣብ ርእሱ ይጠምጥም። እዙይ ቅዱስ ኣልባስ እዩ እሞ ሰብነቱ ብማይ ተሓፂቡ ይልበሶ።
5ካብ ደቂ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስውኡ ኽልተ ዲበላ፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን እውን ሓደ ማጕላ ይውሰድ። 6ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ንባዕሉን ንስድራኡን ድማ የስተስሪ። 7ነቶም ክልተ ዲበላታት ወሲዱውን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብሎም። 8ኣሮን ድማ ሓደ ዕፃ ንእግዚኣብሄር፥ ሓደ ዕፃ ኸዓ ንዝልቀቕ ክኸውን ነቶም ክልተ ዲበላታት ዕፃ የውድቐሎም። 9ነቲ ብዕፃ ንእግዚኣብሄር ዝበፅሐ ጤል የቕርቦ እሞ ኽንዲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ። 10እቲ ብዕፃ፥ ንምልቃቕ ዕፃ ዝበፅሖ ጤል ግና ንምልቃቕ ናብ ምድረ በዳ ኽስደድ፥ ንኸስተስርየሉ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ።
11ኣሮን ከዓ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ዝራብዕ የቕርቦ፤ ሓሪዱ ድማ ንባዕሉን ንቤተሰቡን የስተስሪ። 12ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ፅንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፤ ካብቲ ዝተኣረየን ዝደቐቐን ምዑዝ ዕጣን ከዓ ብኽልተ ኢዱ ሓፊኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። 13ከይመውት ድማ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ዘሎ ሓጢኣት ዝስረየሉ መኽደን ትኪ ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ፥ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ሓዊ የትክኮ። 14ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፥ ናብቲ ሓጢኣት ዘስትስረየሉ መኽደን ብወገን ምብራቑ በፃብዕቱ ይንፀግ፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓጢኣት ዝስትስረየሉ መኽደን እውን ካብቲ ደም ሸውዓተ ሻዕ በፃብዕቱ ይንፀግ።
15 # ዕብ. 9፡12። ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ዝስዋእ ዲበላ ድማ ይሕረዶ፤ ነቲ ደሙ ኸዓ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። በቲ ደሙ እውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፤ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርየት ሓጢኣት ዝርከበሉ መኽደንን ኣብ ቅድሚኡን ይንፀጎ። 16ደቂ እስራኤል ዝኾነ ሓጢኣት እንተ ገበሩ፥ ካብ ርኽሰቶምን ካብ በደሎምን ዝተልዓለ ነቲ መቕደስ የስተስርየሉ፤ ነቲ ምስኣቶም ኣብ ማእኸል ርኽሰቶም ዘሎ መራኸቢ ድንኳን ድማ ኸምኡ ይግበረሉ። 17ኣሮን ንምስትስራይ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ፥ ንባዕሉን ንስድራኡን ንብዘሎ ህዝቢ እስራኤልን ኣስተስርዩ ኻብኡ ኽሳዕ ዝወፅእ ሓደ ሰብ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይእቶ። 18ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወፂኡ ንእኡ የንፅሃዮ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ዲበላን ወሲዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበረሉ። 19ካብቲ ደም ከዓ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንፀግ፤ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንፅሃዮን ይቐድሶን።
ቤዛ ሓጢኣት ዝስደድ ጤል
20ንመቕደስን ነቲ መራኸቢ ድንኳንን ንመሰውእን ኣንፂሁ ምስ ወድአ ኸዓ፥ ነቲ ብህይወቱ ዘሎ ዲበላ የቕርቦ። 21ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብህይወት ዘሎ ዲበላ የንብር እሞ፥ ንዅሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ንዅሉ በደሎምን ንዅሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፤ ኣብ ርእሲ እቲ ዲበላ ከዓ የፁሮ፤ በቲ ነዙይ ዝተመደበ ኢድ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይውሰዶ። 22እቲ ዲበላ ከዓ ንዅሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ፆይሩ ናብ ፅምዊ ቦታ ይኺድ፤ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይልቀቆ።
23ኣሮን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ይእቶ፤ ነቲ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ እንተሎ ለቢስዎ ዝነበረ ብሃሪ ዝተሰርሐ ኣልባስ እውን የውፅኣዮ፤ ኣብኡ ኸዓ ይሕደጎ። #ሕዝ. 44፡19። 24ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ኾይኑ ድማ፥ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ናይ ቅድም ክዳውንቱ ኸዓ ይከደን። ወፂኡ ድማ ነቲ ዝቃፀል መስዋእቱን ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፤ ንባዕሉን ንህዝብን ከዓ የስተስሪ። 25እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ስብሒ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ የቃፅሎ።
26ነቲ ንምልቃቕ ዝኸውን ዲበላ ዝወሰደ ሰብ ከዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ። 27#ዕብ. 13፡11። ነቶም ክንዲ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝተሰውኡ ዝራብዕን ዲበላን፥ ደሞም ንስርየት ሓጢኣት ናብ መቕደስ ዝኣተወ፥ ናብ ወፃኢ ሰፈር የውፅእዎም፤ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከዓ ብሓዊ የቃፅልዎ። 28እቲ ዘቃፀሎም ሰብ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ እውን ብማይ ይተሓፀብ፤ ድሕሪዙይ ናብ ሰፈር ይእቶ።
ምሕላው መዓልቲ ስርየት ሓጢኣት
29እዝ ዝስዕብ ሕጊ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ ይኹንኩም፦ በታ ዓስረይቲ መዓልቲ ናይታ ሻውዐይቲ ወርሒ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ ማእኸልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፥ ኵልኹም ንርእስኹም ኣጨንቕዋ፤ ሓደ እኳ ስራሕ ኣይትስርሑ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ንፁሃት ምእንቲ ኽትኮኑ፥ ናይ ሓጢኣት መስተስረዪ ኽግበረልኩም እዩሞ፥ ካብ ኵሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነፅሁ ኢኹም። 31እዛ መዓልቲ ንኣኻትኩም ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ ርእስኹም ኣዋርዱ፤ እዙይ ንሓዋሩ ዝነብር ሕጊ እዩ። 32እቲ ኽንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን ዝተቐብአን ዝተቐደሰን ሰብ፥ ስርየት ሓጢኣት ዘስተስሪ ይኹን። ብሃሪ ዝተገብረ ቅዱስ ኣልባስ ይልበስ እሞ፥ 33ነቲ ቕድስተ ቅዱሳንን፥ ነቲ መራኸቢ ድንኳንን፥ ነቲ መሰውእን የንፅሃዮ፤ ንኻህናትን ንዅሎም ህዝቢ እስራኤልን ድማ የስተስርየሎም።
34እዙይ ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ፤ ደቂ እስራኤል ካብ ኵሉ ሓጢኣቶም ዝነፅሁሉ ስርዓት፥ ኣብ ዓመት ሓደ ሻዕ ይገበር።
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። #ዘሌ. 23፡26-32፥ ዘሑ. 29፡7-11።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in