ዘሌዋውያን 18
18
ብሕጊ ዝተኸልከለ ግብረ ስጋ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 3ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብፂ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነዓን ድማ ኣይትግበሩ፤ ብስርዓቶም እውን ኣይትንበሩ። 4ብሕግጋተይ ንበሩ፤ ትእዛዛተይ ከዓ ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 5ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ እቲ ንኣኣተን ዝሕሉ ሰብ ብኣኣተን ብህይወት ክነብር እዩ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ነህ. 9፡29፥ ሕዝ. 18፡9፥ 20፡11-13፥ ሉቃ. 10፡28፥ ሮሜ 10፡5፥ ገላ. 3፡12።
6ሓደ ሰብ፥ ቀረባ ዘመዱ ንዝኾነት፥ ሕፍረታ ኽቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 7ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት እኖኻን ኣይትቕላዕ፤ እኖኻ እያ እሞ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። 8ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። #ዘሌ. 20፡11፥ ዘዳ. 22፡30፥ 27፡20። 9#ዘሌ. 20፡17፥ ዘዳ. 27፡22። ሕፍረት ሓፍትኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ኣቦኻ ወይ ጓል እኖኻ ኣብ ቤት እተወለደት ወይ ኣብ ወፃኢ እተወለደት ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። 10ናይ ጓል ወድኻ ወይ ናይ ጓል ጓልካ ሕፍረት ስጋ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ስጋኻ እዩሞ። 11ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ ሓፍትኻ እያ እሞ። 12ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ። 13ሕፍረት ሓፍቲ እኖኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ እኖኻ እያ። 14ሕፍረት ሰበይቲ ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ዘመድካ እያሞ። ንሳ ሓፍቲ ኣቦኻ እያ። #ዘሌ. 20፡19-20። 15ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ሰበይቲ ወድኻ እያ። #ዘሌ. 20፡12። 16ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ሓውካ እዩ። #ዘሌ. 20፡21። 17ሕፍረት እኖን ጓልን ኣይትቕላዕ፤ ሕፍረት ጓል ጓላን ሕፍረት ጓል ወዳንውን ኣይትቕላዕ፤ ንሳተን ቀረባ ኣዝማድ እየን እሞ ዝሙት እዩ። #ዘሌ. 20፡14፥ ዘዳ. 27፡23። 18ሰበይትኻ ብህይወታ እንተላ ሓፍታ ኽተቕንኣ፥ ሕፍረት ሓፍታ ኣይትቕላዕ።
19 #
ዘሌ. 20፡18። ሰበይቲ ብፅገኣ ረኺሳ እንተላ ብግብረ ስጋ ኣይትራኸባ። 20ንርእስኻ በኣኣ ኸይትረክስ፥ ሕፍረት ሰበይቲ ብፃይካ ኣይትቕላዕ። #ዘሌ. 20፡10። 21ካብ ደቅኻ ንጣዖት ሞሎኽ ክስዋእ ኣሕሊፍካ ኣይተሃብ፤ ስም ኣምላኽካውን ኣይተርክስ፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። #ዘሌ. 10፡1-5። 22ምስ ሰበይቲ ኸም እትድቅስ፥ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፤ እዙይ ርኽሰት እዩ። #ዘሌ. 20፡13። 23ከይትረክስ ምስ ዝኾነ እንስሳ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፤ እዙይ ነውሪ እዩ። #ዘፀ. 20፡15-16፥ ዘዳ. 27፡21። 24እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዝ ዅሉ ተግባራት እዙይ ረኺሶም እዮምሞ፥ በዙይ ኵሉ ኣይትርከሱ። 25እታ ምድሪ በዙይ ረኸሰት፤ ስለዙይ ኣነ ኸዓ ንሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ። እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዝነብርዋ ተፍአቶም። 26ንስኻትኩም ግና ሕግጋተይን ትእዛዛተይን ሓልዉ፤ ወዲ ዓዲ ኾነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፥ ካብ ኵሉ እዝ ርኽሰት እዙይ ሓደኳ ኣይትግበሩ። 27እዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ እቶም ቅድሜኹም ኣብኣ ዝነበሩ ህዝቢ ገይሮምዎ እዮም፤ ስለዙይ እታ ምድሪ ረኸሰት። 28ነታ ምድሪ እንተ ደኣ ኣርኪስኩምዋ፥ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ኸም ዝተፍአቶም፥ ንኣኻትኩምውን ክትተፍአኩም እያ። 29ካብዝ ዅሉ ርኽሰት እዙይ ዝገበረ ሰብ፥ ካብ ህዝቡ ይወገድ። 30ስለዙይ እቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ሰባት ዝገብርዎ ዝነበሩ ዝረኸሰ ስርዓታት ከይትገብሩ፤ ብእኡ ኸዓ ኸይትረኽሱ፤ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ሓልዉ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 18: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: