YouVersion Logo
Search Icon

ዘሌዋውያን 15

15
ካብ ሰብነት ፈሲሱ ንሰብ ዘርክሶ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ሓደ ሰብ ካብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር እንተ ፈሰሶ ረኺሱ እዩ። 3እቲ ፈሳሲ ነገር ይፍሰስ ኣይፍሰስ ኣብ ሰብነቱ ኽሳዕ ዘሎ እቲ ሰብ እቱይ ረኺሱ እዩ። 4እቲ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብ ዝደቀሰሉ ዅሉ መደቀሲ ረኺሱ እዩ፤ ኵሉ ዝተቐመጠሉውን ርኹስ እዩ። 5ኵሉ ንመደቀሲኡ ዝነኽአ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ እዩ። 6ንሱ ኾፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብል ሰብ እውን፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 7ነቲ ፈሳሲ ነገር ዝፈሰሶ ሰብ ዝነኽአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን።
8እቲ ፈሳሲ ዝፈሰሶ ሰብ፥ ንሓደ ንፁህ ሰብ እንትፍ እንተበለሉ ኸዓ፥ እቲ እንትፍ ዝተብሃለሉ ሰብ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 9ንሱ ዝተቐመጦ ዝኾነ ኾረቻ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን። 10ኣብ ትሕቲ ኮፍ ዝበለሉ ንዝነበረ ዅሉ ነገር ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን፤ ነዙይ ዘልዓለ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ድማ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 11እቲ ሰብኣይ ኢዱ እንተይተሓፅበ ዝነኽኦ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 12ንሱ ዝነኽኦ ሻኽላ ይሰበር፤ ኵሉ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኸዓ ብማይ ይተሓፀብ።
13እቲ ዝፈስሶ ዝነበረ ምስ ሓደጎ ድማ እቲ ሰብኣይ ሸውዓተ መዓልቲ ይፀበ፤ ክዳውንቱ ኸዓ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓፀብ፤ ንፁህውን ይኸውን። 14ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ይውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይምፃእ፤ ነቲ ኻህን ከዓ ይሃቦ። 15እቲ ኻህን ድማ፥ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ስለ እቲ ዝፈሰሶ ነገር ከዓ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ።
16ሰብኣይ፥ ዘርኢ እንተ ፈሰሶ ዅሉ ሰብነቱ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 17እቲ ዘርኢ ዝነኽኦ ኽዳውንትን ማእስን ኵሉ ብማይ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሰ ይኸውን። 18ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፥ ዘርኢ ኸዓ እንተ ፈሰሶ፥ ክልቲኦም ብማይ ይተሓፀቡ፤ ክሳዕ ምሸት ከዓ ዝረኸሱ ይኾኑ።
19ሰበይቲ ድማ፥ ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ፥ ደም ካብ ሰብነታ እንተ ፈሰሰ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ርኽስቲ እያ፤ ዝነኽኣ ዅሉ ኸዓ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 20ኣብ እዋን ወርሓዊ ፅገኣ ዝደቀሰትሉ ዅሉ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኮፍ ዝበለቶውን ዝረኸሰ ይኸውን። 21ኵሉ መደቀሲኣ ዝነክአ ድማ ኽዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 22ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዅሉ ዝነኽአ ሰብ ድማ፥ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። 23ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ዝነበረት ኣቕሓ ዝነክአ ሰብ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 24ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ደም ፅገኣ እንተ ነኽኦ፥ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ኵሉ ንሱ ዝድቅሰሉ ኸዓ ዝረኸሰ ይኸውን።
25ሰበይቲ፥ በቲ ጊዜ ፅገኣ ዘይኮነ፥ ነዊሕ መዓልቲ ደም እንተ ፈሰሳ፥ ወይ ሕልፊ ኻብቲ ጊዜ ፅገኣ እንተ ፈሰሳ፥ ምፍሳስ ወርሓዊ ፅገኣ ኽሳዕ ዘሎ፥ ከምቲ ብመዓልቲታት ፅገኣ ትኹን፤ ርኽስቲ እያ። 26እቲ ምፍሳስ ደማ ኽሳዕ ዘሎ፥ ኵሉ መዓልቲታት ዝኾነ እትድቅሰሉ ዅሉ መደቀሲ ኸዓ ኸምቲ ብእዋን ፅገኣ እትድቅሰሉ መደቀሲ ዝረኸሰ ይኸውን። ኮፍ እትብሎ ዅሉውን ከምቲ ርኽሰት ፅገኣ ዝረኸሰ ይኸውን። 27ኵሉ ነዙይ ዝነኽኦ ኸዓ ርኹስ እዩ፤ ክዳውንቱ ድማ ይሕፀብ፤ ብማይ ከዓ ይተሓፀብ፤ ክሳዕ ምሸትውን ዝረኸሰ ይኸውን። 28ካብ ምፍሳስ ደማ እንተ ፀርያ ግና ንሸውዓተ መዓልቲ ትፅናሕ፤ ድሕሪኡ ንፅህቲ ትኸውን። 29ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸዓ ኽልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ትውሰድ፤ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ተምፅኣዮ። 30እቲ ኻህን ድማ ነታ ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ርኽሰታ ምእንቲ ኽትነፅህ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየላ።
31ነታ ኣብ ማእኸሎም ዘላ ማሕደረይ ብምርካሶም ብርኽሰቶም ከይሞቱስ፥ ንደቂ እስራኤል ካብ ዘርክሶም ነገር ከምዙይ ጌርኩም ፍለይዎም። 32-33ብዛዕባ እቲ ኻብ ሰብነቱ ፈሳሲ ነገር ዘለዎ ሰብን፥ ናይቲ ዘርኡ ዝፈሰሶ እሞ፥ ብእኡ ዝረኸሰን፥ ብዛዕባ እታ ወርሓዊ ፅገ ዝኾነት ሰበይትን፥ ብዛዕባ ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ደቂሱ ዘርኢ እንተ ፈሰሶን፥ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይን ዝተሰርዐ ሕጊ እዙይ እዩ።

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in