ዘሌዋውያን 14
14
ካብ ሕማም ለምፂ ምንፃህ
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦ 2#ማቴ. 8፡4፥ ማር. 1፡44፥ ሉቃ. 5፡14፥ 17፡14። ብመዓልቲ ምንፃህ እቲ ዝሓመመ ሰብ ዝፍፅሞ ሕጊ እዙይ እዩ፦ ናብ ካህን የምፅእዎ። 3እቲ ኻህን ከዓ ናብ ወፃኢ እቲ ሰፈር ከይዱ ይመርምሮ፤ እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕሙም ካብ ሕማም ለምፂ ሓውዩ እንተ ፀንሐ፥ 4ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነፅህ ሰብ፥ ብህይወተን ዘለዋ ኽልተ ንፁሃት ኣዕዋፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከምፅኡ ይኣዝዝ። 5ከምኡ ኸዓ እቲ ኻህን ካብተን ኣዕዋፍ ሓዲአን ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት ገይሮም ክሓርድዋ ይኣዝዝ። 6ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ነቲ ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ ዝተሓርደት ዒፍ የጥልቆ። 7ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ሕማም ለምፂ ዝነፅህ ሰብ ከዓ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገሉ እሞ፥ ንፁህ ምዃኑ ይንገር፤ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። 8እቲ ዝነፅሀ ሰብ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ኵሉ ፀጕሩ ድማ ይላፀ፤ ብማይ እውን ይተሓፀብ፤ ሽዑ ይነፅህ፤ ድሕሪዙይ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፤ ግና ኣብ ወፃኢ ድንኳን ሸውዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። 9ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ዅሉ ፀጕሩ ይላፀ፤ ርእሱን ጭሕሙን ከበሮ ዓይኑን ኵሉ ፀጕሩን ይላፀ፤ ክዳውንቱ ይሕፀብ፤ ሰብነቱ ድማ ብማይ ይተሓፀብ፤ ሽዑ ንፁህ ይኸውን።
10ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ጡበታት ኣባጊዕን፥ ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ በጊዕን፥ ንመስዋእቲ እኽሊ ዝኸውን ብዘይቲ ዝተለወሰ ሰለስተ ኺሎ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ። 11እቲ ዘንፅህ ካህን ድማ ነቲ ዝነፅህ ሰብን ነቲ ንመስዋእቲ ዘምፅኦን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦም። 12እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ጡበት በጊዕ ምስቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ኽንዲ በደል ይሰውኣዮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኸዓ የወፍዮ። 13እቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ነቲ ኻህን ከም ዝኾነ፥ እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ከዓ ኸምኡ እዩ እሞ፥ እቲ ጡበት በጊዕ ኣብቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእን ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውንን ዝሕረዱላ ቦታ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፤ ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ። 14እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ይውሰድ፤ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ከዓ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። 15ካብቲ ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይቲ ወሲዱ ድማ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስሶ። 16የማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘፍሰሶ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ኻብቲ ዘይቲ በፃብዕቱ ሸውዓተ ሻዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንፀግ። 17ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተለኽዮ ድማ፥ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዝነፅህ ሰብ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። 18ነቲ ኣብ ግናዕ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ኸዓ፥ ናብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ ይግበሮ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ የስተስርየሉ።
19ሽዑ እቲ ኻህን ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የቕርብ እሞ፥ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዝነፅህ የስተስርየሉ። ብድሕሪኡ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ ይሕረድ። 20እቲ ኻህን ዝቃፀል መስዋእትን ናይ እኽሊ ቝርባንን ብሓደ ገይሩ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርቦ። ነቲ ዝነፅህ ሰብ የስተስርየሉ፤ ንሱውን ንፁህ ይኸውን።
21እቲ ዝነፅህ ሰብ ድኻ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ኢዱውን ገንዘብ እንተ ዘይብሉ ስርየት ሓጢኣት ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዘ ዝውፍዮ፥ ክንዲ በደል ዝስዋእ ሓደ ጡበት በጊዕ የምፅእ። ንቝርባን እኽሊ ዝኸውን ከዓ ሓደ ኺሎ ብዘይቲ ዝተለወሰ ልሑም ሕሩጭን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን የምፅእ። 22ከምኡውን ሓንቲ ምእንቲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ኸዓ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን፥ ክልተ ባሪቶ ወይ ክልተ ርግቢ ኸም ዓቕሙ የምፅእ። 23በታ ምንፃሁ ዝፍፀመላ ሻምነይቲ መዓልቲ ነዝ ነገር እዙይ ናብ ካህን፥ ናብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምፅኣዮ። 24እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕን ሓደ ሲሶ ሊትሮ ዘይትን ይውሰድ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የወፍዮ። 25ነቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ከዓ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ኻብ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ወሲዱ፥ ነቲ ዝነፅህ ሰብ የማነይቲ መስቘር እዝኑን ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። 26እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ፀጋመይቲ ኢዱ የፍስስ። 27እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ኣብ ፀጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣፃብዕቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሸውዓተ ሻዕ ይንፀግ። 28ኣብ ልዕሊ ደም እቲ ኽንዲ በደል ዝስዋእ ጡበት በጊዕ ዝተቐብአ ቦታ፥ እቲ ኻህን ነቲ ዝነፅህ ሰብ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓባይቶ የማነይቲ እግሩን ይቕብኣዮ። 29እቲ ኻህን ነቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸስተስርየሉ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነፅህ ሰብ የፍስሶ። 30ከም ዓቕሙ ኸዓ ሓንቲ ኻብ ባሪቶ፥ ወይ ሓንቲ ኻብ ርግቢ ይሰውእ። 31ምስቲ መስዋእቲ እኽሊ፥ ከም ዓቕሙ፥ ሓንቲ ኽንዲ ሓጢኣት እትስዋእ፥ ሓንቲ ድማ ንዝቃፀል መስዋእቲ እትኸውን ይሰውእ። እቲ ኻህን ከዓ ነቲ ዝነፅህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የስተስርየሉ። 32ብዛዕባ እቲ ሕማም ለምፂ ዘለዎ እሞ ንምንፃሁ ዘድሊ ስሩዕ መስዋእቲ ኸቕርብ ዓቕሚ ንዘይብሉ ሰብ፥ ሕጉ እዙይ እዩ።
ኣብ ቤት ዝረአ ሕጊ ሕማም ለምፂ
33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 34ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ከነዓን ምስ ኣተኹም እሞ ኣብታ ዝወረስኩምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ገዛ ሕማም ለምፂ እንተ ሰደድኩ፥ 35ሽዑ እቲ በዓል ገዛ ናብቲ ኻህን መፂኡ “ኣብ ገዛይ ከም ሕማም ለምፂ ዝመስል ሪአ” ኢሉ ይንገሮ። 36እቲ ኻህን ድማ ነቲ ምልክት ሕማም ክርኢ ምስ መፀ፥ ገና ናብታ ገዛ እንተይኣተወ፥ ኣብ ገዛ ዘሎ ዅሉ ኣቑሑ ምእንቲ ኸይረክስ፥ ነታ ገዛ ጥራሓ ኽገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዙይ ነታ ገዛ ኽምርምራ ይእቶ። 37ነቲ ምልክት ሕማም ድማ ይመርምሮ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ምልክት ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ቝፅል ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጕድጕድ ኢሉን፥ ካብቲ መንደቕ ዓሚቑን እንተ ተርኣየ፥ 38ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ገዛ ናብ ኣፍ ደገ ይውፃእ፤ ነታ ገዛ ኸዓ ንሸውዓተ መዓልቲ ይዕፀዋ። 39በታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ድማ ይመርምራ፤ እንሆ ኸዓ እቲ ሕማም ኣብ መንደቕ እታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ 40እቲ ኻህን ምልክት ሕማም ለምፂ ዘለዎም ኣእማን ኣውፂኦም ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ኽድርብይዎም ይኣዝዝ። 41እታ ገዛ ድማ ውሽጣ ብምልእታ ትተሓኸኽ፤ እቲ ሕካኽ መሬት ከዓ ናብ ወፃኢ ኸተማ፥ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጐሓፍ። 42ክንዲ እቲ ዘውፅእዎ ኣእማን ድማ ኻልእ ኣእማን ወሲዶም ይተክእዎ። ካልእ መሬት ወሲዶም ከዓ ነታ ገዛ ይለቕልቕዋ።
43ነቲ ኣእማን ምስ ኣውፅእዎ፥ እታ ገዛ ድማ ምስ ተሓኸኸትን ምስ ተለቕለቐትን፥ እቲ ምልክት ሕማም መሊሱ እንተ ተርእዩ፥ 44እቲ ኻህን ኣትዩ ይመርምራ። እንሆ ኸዓ፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ሰፊሑ እንተ ተርኣየ፥ ኣብታ ገዛ ዝባላዕ ለምፂ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ርኽስቲ እያ። 45ነታ ገዛ ድማ እምናን ዕንፀይታን፥ ኵሉ ሓመዳን ኣፍሪሶም፥ ናብ ወፃኢ ኸተማ ናብ ዝረኸሰ ቦታ ይጕሓፍዎ። 46በተን እታ ገዛ እትዕፀወለን ኵለን መዓልቲታት ዝኣተዋ ሰብ ድማ፥ ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 47ኣብታ ገዛ ዝደቀሰ ወይ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳውንቱ ይሕፀብ።
48እቲ ኻህን ክምርምር እንተ ኣተወ፥ እንሆ ኸዓ፥ እታ ገዛ ምስ ተለቕለቐት፥ እቲ ሕማም ኣብታ ገዛ ኸም ብሓድሽ እንተ ዘይተርእዩ፥ እቲ ሕማም ሓውዩ እዩ እሞ፥ እታ ገዛ ንፅህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። 49እታ ገዛ እትነፅሀሉ ድማ ኽልተ ዒፍን ዕንፀይቲ ፅሕድን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፤ 50ነታ ሓንቲ ዒፍ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ፈልፋሊ ዝተቐድሐ ማይ ኣብ ዘለዎ ኣቕሓ መሬት፥ ገይሩ ይሕረዳ። 51ነቲ ዕንፀይቲ ፅሕድን ስምዕዛን ውፁእ ቀይሕ ፈትልን፥ ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ወሲዱ፥ ኣብ ደም እታ ዝተሓርደት ዒፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ገዛ ሸውዓተ ሻዕ ይንፀገላ። 52ነታ ገዛ እውን ብደም እታ ዒፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ብህይወታ ዘላ ዒፍን ብዕንፀይቲ ፅሕድን ብስምዕዛን ብውፁእ ቀይሕ ፈትልን ገይሩ የንፅሃያ። 53ነታ ብህይወታ ዘላ ዒፍ ድማ ናብ ወፃኢ ኸተማ ንበረኻ ኽትከይድ ይስደዳ። ነታ ገዛ የስተስርየላ፤ ንሳ ኸዓ ንፅህቲ ትኸውን።
54ንዅሉ ዓይነት ሕማም ለምፅን ንዕንፍሩርን፥ 55ኣብ ክዳን ኮነ ኣብ ገዛ ንዝወፅእ ሕማም ለምፅን፥ 56ንሕበጥን ንሽሕርን ንፃዕዳ ብሩህ ብሮት፥ ዝምልከት ሕጊ እዙይ እዩ። 57ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነፅሀላ መዓልትን ዘፍልጥ ሕጊ ሕማም ለምፂ እዙይ እዩ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 14: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: