ዘሌዋውያን 10
10
ናዳብን ኣብዩድን ከም ዝተቐሰፉ
1ደቂ ኣሮን፥ ናዳብን ኣብዩድን፥ ፀፅንሃሆም ሓዙ፤ ፍሕሚ ድማ ገበሩሉ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ዕጣን ገበሩሉ፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርውን ንሱ ዘይኣዘዞም ካልእ ሓዊ ኣቕረቡ። 2ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ወፂኡ ድማ በልዖም፤ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከዓ ሞቱ። 3ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፦ “በቶም ዝቐርቡኒ ኽቕደስ እየ፤ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ኸዓ ክኸብር እየ” ኢሉ እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ እዙይ እዩ በሎ፤ ኣሮን ድማ ስቕ በለ።
4ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልፃፋንን፥ ደቂ ዑዝኤል፥ ሓወቦኡ ንኣሮን፥ ፀዊዑ “ንዑ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ናብ ወፃኢ ሰፈር ውሰድዎም” በሎም። 5ንሳቶም ድማ መፂኦም ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ብኽዳውንቶም ካብቲ ሰፈር ናብ ወፃኢ ፆይሮም ኣውፅእዎም። 6ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን፥ ንኣልኣዛርን ንኢታምርን “ከይትሞቱ፥ ነዝ ህዝቢ እውን እግዚኣብሄር ከይቝጥዖ፥ ብሓዘን፥ ፀጕሪ ርእስኹም ኣይትላፅዩ፤ ክዳውንትኹምውን ኣይትቕደዱ፤ በዝ እግዚኣብሄር ዘቃፀሎ ምቅፃል ኣሕዋትኩም ድማ፥ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ይብከ። 7እቲ ናይ እግዚኣብሄር መቕብኢ ዘይቲ ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፥ ከይትሞቱስ ካብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣይትውፅኡ” በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸዓ ገበሩ።
ንኻህናት ዝተውሃበ ሕግታት
8እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዙይ በሎ፦ 9“ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ክትኣትዉ እንተለኹም ምእንቲ ኸይትሞቱ ንስኻን ደቅኻን ወይንን ዘስክር መስተን ኣይትስተዩ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ንዘለኣለም ዝነብር ሕጊ እዩ። 10ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፥ ኣብ መንጎ ንፁህን ርኹስን ክትፈልዩ ኢኹም፤ 11እግዚኣብሄር ብቓል ሙሴ ዝነገሮም ኵሉ ስርዓት ንደቂ እስራኤል ክትምህሩ ኢኹም።”
12ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ ኣልኣዛርን ኢታምርን፥ “ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ነቲ ዝተረፈ መስዋእቲ እኽሊ ወሲድኩም ቅጫ ግበርዎ፤ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ። 13እዙይ ካብቲ ብሓዊ ሓሊፉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ግቡእኻን ግቡእ ደቕኻን እዩ እሞ፥ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፤ እግዚኣብሄር ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ እሞ። #ዘሌ. 6፡14-18። 14ካብቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ዝቐርብ ሓኸለን እግርን ግቡእኻን ግቡእ ደቅኻን ኮይኑ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ንስኻን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንፁህ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ። 15ምስ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከዓ ነቲ ዝቐርብ እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም መስዋእቲ ምእንቲ ኽቐርብ የምፅእዎ። እዙይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ዝነብር ግቡእ ይኹን” በሎም። #ዘሌ. 7፡30-34።
16ሙሴ ድማ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ጤል ደለዮ፤ ተቓፂሉ ምስ ረኸቦ ኸዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፥ ኣልኣዛርን ኢታምርን ተቘጢዑ፥ 17“ስለ ምንታይ ኢኹም ነቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቲ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኹምዎ? ንሱ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ፤ በደል ህዝቢ እስራኤል ፆይርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣቶም ክተስተስርዩሎም ኣምላኽ ሂቡኩም እዩ። #ዘሌ. 6፡24-26። 18ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተኹምዎን፤ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፥ ኣብ መቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ ምተገብአኩም ነይሩ” በሎም። 19ኣሮን ድማ ንሙሴ “እንሆ ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእቶምን ዝቃፀል መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፤ ንኣይ ከዓ ኸምዙይ ዝበለ በፅሐኒ፤ ሎሚ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐረበ መስዋእቲ በሊዐ እንተ ዝኸውንከ ንእግዚኣብሄር ደስዶ መበሎ ነይሩ?” ኢሉ ንሙሴ ተዛረቦ። 20ሙሴ እዙይ ሰሚዑ ባህ በሎ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 10: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: