ዘሌዋውያን 9
9
ካህናት ኣገልግሎቶም ከም ዝጀመሩ
1ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ብሻምነይቲ መዓልቲ ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ፀውዖም። 2ንኣሮን ከዓ ኸምዙይ በሎ፦ “ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ጣዕዋን፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን፥ ጐደሎ ዘይብሉ ሓደ ማጕላን ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም። 3ንደቂ እስራኤል ከዓ፥ ሎሚ እግዚኣብሄር ክግለፀልኩም እዩሞ፦ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ ሓደ ጤል፥ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኾኑ ድማ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም ሓደ ጣዕዋን ሓደ ጡበት በጊዕን፥ 4ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን፥ ዘይቲ ዝፈሰሶ መስዋእቲ እኽልን ወሲድኩም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ በሎም።”
5እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ ናብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ኣምፅኡ። ኵሎም ህዝቢ እስራኤል ድማ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በሉ። 6ሙሴ ኸዓ “ክብሪ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽግለፀልኩም፥ እቲ እግዚኣብሄር ክትገብርዎ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዙይ እዩ” በሎም።
7 #
ዕብ. 7፡27። ሙሴ ድማ ንኣሮን “ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ኽንዲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትኻን ዝቃፀል መስዋእትኻን ሰውእ፤ ንርእስኻን ነቲ ህዝብንውን ስርየት ኣስተስሪ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፥ ናይ ህዝቢ ቝርባን ኣቕርብ። ሓጢኣቶምውን ኣስተስርየሎም” በሎ። 8ሽዑ ኣሮን ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ነቲ ምእንቲ ሓጢኣቱ ዝስዋእ ጣዕዋ ሓረዶ። 9ደቁ ድማ ነቲ ደም ኣቕረቡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣፃብዕቱ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ። ነቲ ዝተረፈ ደም ከዓ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኣፍሰሶ። 10ናይቲ ምእንቲ ሓጢኣት ዝስዋእ እንስሳ ስብሕን ኵላሊትን ቃንጡጥ ከብድን ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 11ስጋኡን ቈርበቱን ከዓ ኣብ ወፃኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። 12ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ድማ ሓረደ። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ነፀጎ። 13ነቲ ንዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን በብኽፍሉ ቘራሪፆም ምስ ርእሱ ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 14ንውሽጣዊ ኣካላት ከብድን ነእጋርን ሓፂቡ ድማ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ።
15ሽዑ ኣሮን ነቲ ህዝቢ መስዋእቲ ኣቕረበ። ነቲ ጤል ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ሓረዶ። ከምቲ ቐዳማይ ከዓ ምእንቲ ሓጢኣት ሰውኦ። 16ነቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ ኸምቲ ዝተሓገገ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ። 17ክንዲ እቲ ጊሓት ዝቐርብ ዝቃፀል መስዋእቲ ድማ፥ መስዋእቲ እኽሊ ኣቕረበ፤ ካብኡ ምሉእ ሕፍኒ ወሲዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 18ነቲ ዝራብዕን ነቲ ማጕላን ድማ ምእንቲ ህዝቢ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓረዶም። ደቁ ኸዓ ነቲ ደም ኣምፅኡሉ፤ ንሱ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ዙርያኡ ነፀጎ። #ዘሌ. 3፡1-11። 19ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ማጕላ ሕልሕልን ንናይ ውሽጢ ኣካላት ከብዲ ዝጕልብብ ቃንጡጥን ኵላሊትን፥ ስብሒ ኸብድን ወሲዶም፥ 20ኣብ ልዕሊ ሓኸለታት ገበርዎ፤ ኣሮን ከዓ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣቃፀሎ። 21ኣሮን ድማ ነተን ሓኸለታትን የማነይቲ እግርን፥ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ናብ እግዚኣብሄር እናወዝወዝካ ኸም ዝቐርብ መስዋእቲ ገይሩ ወዝወዞ።
22ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቶም ህዝቢ ዘርጊሑ ባረኾም። ምእንቲ ሓጢኣት ዝቐርብ መስዋእትን ዝቃፀል መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውአ ድማ ወረደ። #ዘሑ. 6፡2-26። 23ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን ኣተዉ። ወፂኦም ከዓ ነቶም ህዝቢ ባረኽዎም። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ ተገለፀሎም። 24ሓዊ ኸዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ዝቃፀል መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን በልዖ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ፥ ዕልል በሉ፤ ብግንባሮም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 9: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: