ዘሌዋውያን 11
11
ዝብልዑ እንስሳታት
(ዘዳ. 14፡3-21)
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዙይ በሎም፦ 2ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በልዎም፦ ካብ ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፥ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፦ 3ካብ እንስሳ፥ ፅፍሩ ዝተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ድማ ዝተመቐለ፥ ኵሉ ዘመዅስዕ ዘበለ ብልዑ። 4ዘመዅስዕ ኾይኑ ሸዀናኡ ዘይተሰንጠቐ፥ ሸዀናኡ ስንጡቕ ኮይኑ፥ ዘየመዅስዕ እንስሳ ግና ኣይትብልዑ፤ ግመል ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 5ጊሐውን ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 6ማንቲለ ተመዅስዕ እያ፤ ሸዀናኣ ግና ስንጡቕ ኣይኮነን እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 7ሓሰማ ሸዀናኣ ስንጡቕ እዩ፤ ግና ኣይተመዅስዕን እያ እሞ፥ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 8እዚኣተን ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፥ ስጋአን ኣይትብልዑ፤ ገምበንውን ኣይትንክኡ።
9ካብቶም ኣብ ማይ፥ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባታትን ዝነብሩ፥ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኵሎም ብልዑ። 10ግና ኻብ ኵሉ ኣብ ውሽጢ ማይ ዝወሳወስን፥ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ህይወት ዘለዎን፥ ኵሉ ኣብ ባሕርን ኣብ ሩባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን። 11ፈንፍንዎም፤ ስጋኦም ኣይትብልዑ፤ ንገምቢኦምውን ኣይትንክእዎ። 12ኵሉ ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ፥ ንኣኻትኩም ርኹስ ይኹን።
13ካብ ኣዕዋፍ ድማ ፍንፉናት ዝኾና ዘይብልዓ፥ እትፍንፍንወን እዚኣተን እየን፦ ንስሪ፥ ገድገደ፥ ወሓጥ ዓሳ፥ 14ሽላ፥ ሊሎ በብዓይነቱ፥ 15ኵሉ ዃዅ በብዓይነቱ፥ 16ሰገን፥ ጕጓ፥ ሮብራ፥ ተገዳር ሓረስታይ በብዓይነቱ። 17ንእሽተይ ጕጓ፥ ሓሓት፥ ዓባይ ጕጓ፥ 18ቀራን ጕጓ፥ ቀያሕ ሓሓት፥ ኣሞራ፥ 19ራዛ፥ ሰብ ፀራድ በብዓይነቱ፥ ተምብሃረጆ፥ ምንኪዕ።
20በራሪ ዘይኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ ኵሉ ለመም ዝብል ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። 21ግና ኻብ ዝበርር ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዅሉ ለመም ዝብል ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነጥረለን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። 22ካብኣቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፦ ፋንጣ በብዓይነቱን ኣንበጣ በብዓይነቱን ኵብኩብታ በብዓይነቱን ጎደባ በብዓይነቱን። 23ኵሉ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዝንቀሳቐስ፥ ኵሉ ኻልእ ነፋሪ ለመም ዝብል ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ።
24እዚኣቶም እዮም ዘርክሱኹም፤ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 25ነፍሲ ወከፍ ገምቢኦም ዘልዓለ ኸዓ፥ ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። 26ኵሉ እንስሳ ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈፂሙ ዘይተሰንጠቐን ዘየመዅስዕን፥ ንኣኻትኩም ዝረኸሰ ይኹን፤ ኵሉ ዝነኽኦውን ዝረኸሰ ይኸውን። 27በርባዕተ መሓውር ካብ ዝኸዱ ዅሎም እንስሳ፥ ብግናዕ ኢዶም ዝኸዱውን፥ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ኵሉ ገምቦም ዝነኽአውን ክሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 28ኵሉ ገምቦም ዘልዓለ ድማ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት እውን ዝረኸሰ ይኸውን። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም።
29ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ፤ ፍሒራ፥ ኣንጭዋ፥ ሓማት-ተመን፥ በብዓይነቱ፥ 30ጠበቕ፥ ጭንቝራዕ፥ ጐብየ፥ ምጭልቚት፥ ነፋሒቶ። 31ካብ ኵሉ ለመም ዝብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት ይኹኑ። ምስ ሞቱ፥ ዝነኽኦም ኵሉ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 32ካብዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ፥ ዝኾነ ዝስርሖ ኣቕሓ፥ ብዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ኣቕሓ ኾነ፥ ወይ ክዳን፥ ወይ ጕኖ፥ ወይ ከረጢት፥ ረኺሱ እዩ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን፤ ብድሕሪኡ ድማ ይነፅህ። 33ኣብ ዝኾነ ኣቕሓ መሬት፥ ካብዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸዓ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዅሉ ዝረኸሰ ይኹን፤ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። 34ኣብ ዝኾነ ዝብላዕ ኻብቲ ዝረኸሰ ኣቕሓ መሬት ማይ እንተ ፈሰሶ፥ እቲ ምግቢ ርኹስ እዩ። በዝ ከምዙይ ዝበለ ኣቕሓ ዝስተ ዅሉ መስተ እውን ርኹስ እዩ። 35ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ዅሉ ነገር ዝረኸሰ እዩ፤ ኣብ እቶን ወይ ኣብ ምድጃ እንተ ወዲቑ ድማ እቲ እቶን ኮነ እቲ ምድጃ ይፍረስ። 36ነቲ ገምቢ ዝነኽአ ዅሉ ይረክስ፤ ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዝዓቘሮ ሓፅቢ ግና ንፁህ እዩ። 37ካብ ገምቦም ሓደ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸዓ፥ ንሱ ንፁህ እዩ። 38ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ፈሰሶ እሞ ኻብቲ ገምቦም እንተ ወደቖ ግና ንኣኻትኩም ዝረኸሰ እዩ።
39ካብቶም ንመብልዕ ዝኾኑኹም እንስሳ እንተ በኸተ፥ እቲ ነቲ ገምቡ ዝነኽአ ኽሳዕ ምሸት ዝረኸሰ ይኸውን። 40ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸዓ ኽዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎ እውን ክዳኑ ይሕፀብ፤ ክሳዕ ምሸት ድማ ዝረኸሰ ይኸውን።
41ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ከዓ ፍንፉን እዩ፤ ስለዙይ ኣይበላዕ። 42ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታ፥ ብኸብዱ ዝኸይድ ኮነ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ፥ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዅሉ፥ ፍንፉን እዩ እሞ፥ ኣይትብልዕዎ። 43በቶም ለመም ዝብሉ ዅሎም ንሰብነትኩም ኣይተርክሱ፤ ብኣኣቶም ከይትረኽሱ ርእስኹም ኣይተርክሱ። 44ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ቅዱሳን ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝወሳወስ ኵሉ ለመም ዝብል ሰብነትኩም ኣይተርክሱ። #ዘሌ. 19፡2፥ 1 ጴጥ. 1፡16። 45ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኹኹም፥ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፥ ንስኻትኩምውን ቅዱሳን ኩኑ። 46-47ኣብ መንጎ ርኹስን ንፁህን ኣብ መንጎ ዝብላዕን ዘይብላዕን ፍጡር ፈሊኹም ምእንቲ ኽትፈልጡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዝወሳወስ ህይወት ዘለዎ ዅሉ እንስሳን፥ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ እንስሳን፥ ዘሎ ሕጊ እዙይ እዩ።
Currently Selected:
ዘሌዋውያን 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: