ኢያሱ 17
17
1ምናሴ ንዮሴፍ በዅሪ ወዱ ስለ ዝኾነ ብፅሒቱ እዙይ እዩ፦ ማኪር በዅሪ ወዱ ንምናሴ፥ ንገለዓድ ከዓ ኣቦኡ፥ ተዋጋኣይ ሰብኣይ ነበረ። ስለዙይ ንገለዓድን ንባሳንን ወረሳ። 2ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
3ግና ሰለጰኣድ፥ ወዲ ኦፌር ወዲ ገለዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፥ ኣጓላት ጥራሕ እምበር፥ ኣወዳት ኣይነበርዎን፤ ስም እተን ኣዋልዱ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ማሕላ፥ ኖዓ፥ ዔግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ። 4ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ኣሕሉቕን ቀሪበን “እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእኸል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ” በላ። ኢያሱ ኸዓ ኸምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣብ ማእኸል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን። #ዘሑ. 27፡1-7። 5-6እተን ኣጓላት ምናሴ ኣብ ማእኸል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፥ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ገለዓድን ባሳንን፥ ዓሰርተ ዕፃ በፅሖ። ምድሪ ገለዓድ ከዓ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ኾነት።
7ወሰን ምናሴ ድማ ኻብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንፅር ሴኬም ዘላ ሚክመታት ኮነ። እቲ ወሰን ከዓ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔይን ታጱዋ ዝነብሩ ይሓልፍ። 8ምድሪ ታጱዋ ንምናሴ ኾነት፤ እታ ኣብ ወሰን ምናሴ ዘላ ኸተማ ታጱዋ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኮነት። 9እቲ ወሰን ከዓ ናብ ሩባ ቓና ብደቡብ እቲ ሩባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚኣተን፥ ኣብ ማእኸል ከተማታት ምናሴኳ እንተ ሃለዋ፥ ትሕዝቶ ኤፍሬም ኮና። ወሰን ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ሩባ ኣቢሉ ናብ ማእኸል ባሕሪ ይበፅሕ። 10ደቡብ ንኤፍሬም፥ ሰሜን ድማ ንምናሴ ኾነ፤ ወሰኑ ኸዓ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር፥ ብምብራቕ ከዓ ናብ ይሳኮር ይበፅሕ።
11ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፥ ቤትሳንን ቁሸታታን፥ ይብልዓምን ቁሸታታን፥ ኣብ ዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ ታዕናክ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ቁሸታታን፥ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ኾና። 12ግና ከነዓናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ስለ ዝቘረፁ ደቂ ምናሴ ኻብዘን ከተማታት እዚኣተን ከውፅእዎም ኣይከኣሉን። 13ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ ኸዓ፥ ነቶም ከነዓናውያን ናይ ጕልበት ግብሪ ኣገበርዎም እምበር፥ ኣይሰጐጕዎምን። #መሳ. 1፡27-28።
14ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
15ኢያሱ ኸዓ “ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንኩም እሞ ዀረብታታት ኤፍሬም እንተ ደኣ ፀቢቡኩም፤ ኣብ ምድሪ ፈሪዛውያንን ራፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይቡሞ ኣብኡ ንኣኻትኩም ለቢድኩም ኣቕንዑ” በሎም።
16ደቂ ዮሴፍ ድማ “እቲ ዀረብታታት ኣይኣኽለናን እዩ፤ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ከነዓናውያን፥ እቶም ኣብ ቤትሳናን ኣብ ቁሸታታን ዝነብሩ ኾነ፤ ኣብ ለሰ ኢይዝራኤል ዝነብሩ፥ ኵላቶም ሰረገላታት ሓፂን ኣለዎም” በሉ።
17ኢያሱ ኸዓ ንቤት ዮሴፍ፥ ንኤፍሬምን ንምናሴን፥ “ንስኻትኩም ብዙሕ ህዝቢ ኢኹም፤ ዓብዪ ሓይሊውን ኣለኩም፤ ሓደ ዕፃ ጥራሕ ኣይኮነን ዝብፅሐኩም፥ 18እቲ ዀረብታታት ድማ ንኣኻትኩም ይኹን፤ ዱር እኳ እንተ ኾነ፥ ለቢድኩም ኣቕንዑ እሞ ዅሉ ናታትኩም ክኸውን እዩ። ነቶም ከነዓናውያን ከዓ፥ ሰረገላ ሓፂን እኳ እንተ ሃለዎም፥ ሓያላትውን እንተ ኾኑ፥ ክተውፅእዎም ኢኹም” በሎም።
Currently Selected:
ኢያሱ 17: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in