YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 18

18
እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸም ዝተመቕለት
1ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ኣብ ሴሎ ተኣከቡ፤ ነቲ መራኸቢ ድንኳን ከዓ ኣብኣ ተኸልዎ። ኵሉ ምድሪ እውን ሰጥ ኢሉ ተገዝአሎም። 2እንተ ኾነ ኻብ ደቂ እስራኤል ርስቶም ዘይተቐበሉ ሸውዓተ ነገድ ተሪፎም ነበሩ።
3ኢያሱ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ በሎም፦ “ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ንምውራስ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ? 4ካብ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ሰሰለስተ ሰባት ሕረዩ፤ ኣነ ኸዓ ኽልእኾም እየ፤ ንሳቶም ድማ ኸይዶም ነታ ሃገር ይዙርዋ፤ ብመጠን ርስቶምውን ፅሒፎም ናባይ የምፅእዎ። 5ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ኸዓ ይምቀልዋ፤ ይሁዳ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍ እውን ከምኡ ኣብ ብፅሒቱ ብወገን ሰሜን ይቀመጥ። 6ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ። 7እቶም ሌዋውያን ግና፥ ርስቶም ብኽህነት ንእግዚኣብሄር ምግልጋል እዩ እሞ ኣብ ማእኸልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፍርቂ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝሃቦም ርስቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ።”
8እቶም ሰባት ድማ ተሲኦም ከዱ። ኢያሱ ኸዓ ነቶም ነታ ምድሪ ኽመቕልዋ ዝኸዱ፥ “ኺዱ ነታ ምድሪ እናዞርኩም ፀሓፍዋ፤ ናባይ ድማ ተመለሱ፤ ኣነ ኸዓ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ” ኢሉ ኣዘዞም። 9እቶም ሰባት ከዓ ኸይዶም ነታ ሃገር ዞርዋ፤ በብኸተማ ድማ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ መቒሎም፥ ኣብ መፅሓፍ ፀሓፍዋ፤ ናብ ሴሎ ናብቲ ኢያሱ ዝሰፈሮ ድማ ተመለሱ። 10ኢያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሴሎ ዕፃ ኣውደቐሎም፤ ነታ ሃገር ድማ ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍሊ ነገዶም ገይሩ መቐሎም።
ርስቲ ብንያም
11እቲ ዕፃ ንነገድ ብንያም ከከም ዓሌቶም በፅሖም። እቲ ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸዓ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ነበረ፦
12እቲ ወሰኖም ብወገን ሰሜን ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይጅምር፤ ብሰሜናዊ ፀግዒ ኢያሪኮ ደዪቡ፤ ንምዕራብ ወገን ኣቢሉ በቲ ዀረብታታት ሓሊፉ ናብ ምድረ በዳ ቤትኣዌን ይሓልፍ። 13ካብኡ ኸዓ ናብቲ ደቡባዊ ፀግዒ ሎዛ፥ ናብ ቤቴል ይሓልፍ። በቲ ናብ ደቡብ ታሕተዋይ ቤትሖሮን ዘሎ ጎቦ ኣቢሉ ድማ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ።
14እቲ ወሰን ድማ ቐፂሉ ኻብቲ ኣብ መንፅር ቤትሖሮን ብደቡብ ዘሎ ጎቦ ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያት በዓል፥ ወይ ቂርያት የዓሪም፥ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወፅእ። እዙይ ብወገን ምዕራብ ዘሎ ወሰን እዩ። 15ብወገን ደቡብ ድማ ኻብ ወሰን ቂርያት የዓሪም ንምዕራብ ኣቢሉ ይሓልፍ፤ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይድይብ። 16ቀፂሉ ኸዓ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንፅር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ እምባ ይወርድ፤ እዙይ ንለሰ ራፋይም ብሰሜኑ እዩ። ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ፀግዒ ደቡብ ኢያቡሳውያን ኣንቈልቊሉ፥ ናብ ዔንሮጌል ይወርድ። 17ቀፂሉ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ቤት ሳሚስ ይድይብ፤ ናብቲ ኣብ መንፅር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ደዪቡ ኸዓ፥ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። 18ነቲ ኣብ መንፅር ፀግዒ ሰሜን ዓረባ ዘሎ ሓሊፉ፥ ናብ ዓረባ ይወርድ። 19ቀፂሉ ኸዓ ብፀግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፤ ካብኡ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው #18፡19 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ናብ ደቡብ ፈለግ ዮርዳኖስ ይሓልፍ፤ ብወገን ደቡብ ወሰኑ እዙይ እዩ።
20ብወገን ምብራቕ ከዓ ወሰኑ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ወሰኑ ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
21ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ድማ ኸከም ዓሌቶም እዚኣተን ነበራ፦ ኢያሪኮን ቤት ሖግላን ዓመቀፂፅን፥ 22ቤት ዓረባን ዘማራይምን ቤቴልን፥ 23ዓዊምን ፋራን ኤፍራታን፥ 24ክፊርዓሞናይን ዖፍኒን ጋባን፥ ኵለን ዓሰርተ ኽልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ።
25ገባዖንን ራማን ብኤሮትን፥ 26ምፅጳን ከፊራን ኣሞቂ፥ 27ሬቄምን ይርጵኤልን ተርኣላን፥ 28ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።

Currently Selected:

ኢያሱ 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in