ኢያሱ 15
15
ርስቲ ነገድ ይሁዳ
1ንነገድ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዕፃ ዝበፅሖም ርስቲ ኸምዙይ እዩ፦ ብወገን ደቡብ ክሳዕ ወሰን ኤዶምያስ፥ ክሳዕ ጫፍ ምድረ በዳ ሲን ዝበፅሕ ነበረ።
2ወሰኖም ብወገን ደቡብ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ባሕሪ ጨው #15፡2 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ይጅምር። 3ንዓቐብ መተሓላለፊ ኣቅራቢም ናብ ደቡቡ ወፂኡ፥ ንሲን ሓሊፉ፥ ንቃዴስ በርኔ ብደቡባ ደዪቡ፥ ንሔፅሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ፤ ናብ ቃርቃ ኸዓ ይዘውር። 4ንዓፅሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ ፈለግ ግብፂውን ይወፅእ። ናይ ወሰን መውፅኢ ኸዓ ኣብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ #15፡4 ዓብዪ ባሕሪ፦ ሕዚ “ባሕሪ ሜዲትራንያን” ይበሃል። ነበረ። ብወገን ደቡብ ዘሎ ወሰኖም እዙይ እዩ።
5ብወገን ምብራቕ ዘሎ ወሰን ድማ ኻብ ባሕሪ ጨው ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ ነበረ። ብወገን ሰሜን ዘሎ ወሰን ድማ፥ ካብ ወሽመጥ ባሕሪ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ፈለግ ዮርዳኖስ እዩ። 6እቲ ወሰን ከዓ ንቤት ሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤት ዓረባ ይሓልፍ፥ እቲ ወሰን ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ። 7እቲ ወሰን ከዓ ኻብ ለሰ ዓኾር ናብ ዳቤር ይድይብ፤ ከምኡ ኸዓ ናብ ሰሜን፥ ንጌልገላ ኣቢሉ ይጥምት፤ ንሱ ኸዓ ኣብ መንፅር እቲ ኣብ ወገን ደቡቡ ነቲ ሩባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፤ እቲ ወሰን ድማ ንማይ ዔይን ሳሚስ ይሓልፍ፤ ናብ ዔንሮጌል ይወፅእ። 8በቲ ለሰ ወዲ ሄኖም ገይሩ፥ ናብ ፀግዒ ደቡብ ናብታ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ኸተማ ኢየሩሳሌም ይድይብ። ናብ ወገን ምዕራብ፥ ናብ ሰሜናይ ወሰን ለሰ ራፋይም፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሄኖም ዘሎ እምባ ይድይብ። 9ካብ ርእሲ እቲ እምባ ኸዓ እቲ ወሰን ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶ ይበፅሕ፤ ናብ ከተማታት እምባ ዔፍሮንውን ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ በዓላ፥ ወይ ቂርያት የዓሪም ይበፅሕ። 10ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ወሰን ንእምባ ሴይር ይዘውር፤ ናብ ሰሜናይ ፀግዒ እምባ የዓሪም ከዓ ይሓልፍ፤ ንሱ ክሳሎን እዩ፤ ንቤትሳሜስ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ። 11እቲ ወሰን ከዓ ብሰሜን ፀግዒ ኣስቀሎና ይወፅእ። እቲ ወሰንውን ናብ ሽክሮን ኣቢሉ ይዘውር፤ ብእምባ በዓላ ድማ ይሓልፍ፤ ናብ የብንኤል ይወፅእ፤ እቲ ወሰን ከዓ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ይወፅእ። 12ብወገን ምዕራብ ድማ ምስ ዓብዪ ባሕሪ ይዋሰን። ወሰን ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዙይ እዩ።
13ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ ንእትብሃል ከተማ፥ ግደ ሃቦ፤ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ። 14ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ፥ ንሴሲንን ንኣኪመንን ንተላሚንን፥ ካብ ኬብሮን ኣውፅኦም። #መሳ. 1፡20። 15ካብ ኬብሮን ናብቶም ኣብ ዳቤር ዝነብሩ ደየበ። ዳቤር ቀደም ቅርያትሴፌር ትብሃል ነበረት። 16ካሌብ ድማ “ነቲ ንቅርያትሴፌር ተዋጊኡ ዝሕዛ፥ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኮኖ ኽህቦ እየ” በለ። 17ሽዑ ጎቶንያል፥ ወዲ ቄኔዝ ሓው ካሌብ፥ ሓዛ እሞ ንጓሉ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኮኖ ሃቦ። 18ናብ ጎቶንያል ምስ መፀት፥ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፤ #15፡18 ብዕብራይስጢ “ክልምን መኸረቶ” ይብል። ካብ ኣድጋ ኸዓ ወረደት። ካሌብ ድማ “እንታይ ኴንኪ?” በላ። 19“በረከት ሃበኒ፤ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከዓ ሃበኒ” በለቶ። ንሱ ድማ ላዕለዋይ ዓይኒ ማያትን ታሕተዋይ ዓይኒ ማያትን ሃባ።
20ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም ዝተቐበልዎ ርስቲ እዙይ እዩ፦ 21እተን ብወገን ደቡብ ናብ ወሰን ኤዶምያስ ኣቢለን ኣብ ወሰን ዘለዋ ኸተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ እዚኣተን ነበራ፦ ቀብስኤልን ዔደርን ያጉርን፥ 22ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፥ 23ቃዴስን ሓፆርን ዪትናን፥ 24ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፥ 25ሓፆር ሓዳታን ቄርዮት ሔፅሮንን፥ ወይ ሓፆር፥ 26ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፥ 27ሓፃር ጋዳን ሔሽሞንን ቤትጰለጥን፥ 28ሓፃር፥ ሹዓልን ቤርሳቤህን ቢዝዮትያን፥ 29በዓላን ዒዪምን ዓፀምን፥ 30ኤል ቶላድን ኪሲልን ሔርማን፥ 31ፂቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፥ 32ልባዎትን ሺልሂምን ዓይንን ሪሞንን። ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታትውን ይውስኽ።
33ኣብ ቈላ ዘለዋ ኸተማታት ድማ እዚኣተን እየን፦ ኤሽታኦልን ፆርዓን ኣሽናን፥ 34ዛኖዋን ዓይንገኒምን ታጱዋን ዓይናምን፥ 35የርሙትን ዓዶላምን ሶኰትን ዓዜቃን፥ 36ሸዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን እየን። ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
37ፅናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፥ 38ዲልዓንን ምፅጳን ዩቅትኤልን፥ 39ለኪሶንን ቦፅቃትን ኣዶላምን፥ 40ከቦንን ለሕማስን ኪትሊሽን፥ 41ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።
42ልብናን ዔቴርን ዓሻንን፥ 43ይፍታሕን ኣሽናን ንፂብን፥ 44ቅዒላን ኣክዚብን ማሪሳን። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቝሸታትውን ይውስኽ።
45ኣስቀሎና ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ቍሸታትን፥ 46ካብ ኣስቀሎና ጀሚሩ ኽሳዕ ዓብዪ ባሕሪ፥ ኣብ ኣዛጦን ዘለዋ ዅለን ምስ ቍሸታተን፥ 47ኣዛጦንን ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን፥ ጋዛ ምስ ዝተዓረዱን ዘይተዓረዱን ከተማታታን ቍሸታታን ክሳዕ ፈለግ ግብፅን ክሳዕ ወሰን ዓብዪ ባሕሪን።
48ኣብ ደጕዓ ድማ፦ ሳምር የቲርን፥ 49ሶኮ ደና ዳቤር እትበሃል ቂርያትሰና፥ ዓናብ፥ 50ኤሽትሞዓ ዓኒም፥ 51ጎሶም ሖሎን ጊሎ። ኵለን ዓሰርተ ሓደ ኸተማታትን ቍሸታትን። 52ኣራብ ዱማ ኤሼዓን፥ 53ያኒምን ቤትታጱዋ ኣፌቃ፥ 54ሑምጣ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን፥ ፂዖር። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታትን ቍሸታትን።
55ማዖን ቀርሜሎስ ዚፍ ዩጣ ኢይዝራኤል፥ 56ዮቅድዓም ዛኖዋሕ፥ 57ቃይን ጊብዓ ተምና። ኵለን ዓሰርተ ኸተማታትን ቍሸታተንን
58ሓልሑል ቤትፁር ግዶር፥ 59ማዓራት ቤትዓኖት ኤልትቆን። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቍሸታት ኣለዋ።
60ቂርያትይዓሪም፥ ወይ ቂርያትበኣል ረባት። ክልተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ኣለዋ። 61ኣብ በረኻ ቤትዓረባ ሚዲን ስካካ፥ 62ኒብሻን ከተማ ጨው ዓይንጋዲ። ኵለን ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ድማ ቝሸታት ኣለዋ።
63ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ኢያቡሳውያን ግና፥ ደቂ ይሁዳ ኸውፅእዎም ኣይከኣሉን። ስለዙይ ኢያቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ ኢየሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ። #መሳ. 1፡21፥ 2 ሳሙ. 5፡6፥ 1 ዜና. 11፡4።
Currently Selected:
ኢያሱ 15: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in