YouVersion Logo
Search Icon

ኢያሱ 14

14
ብምዕራብ ዮርዳኖስ ዘሎ መሬት ከም ዝተመቕለ
1እቲ ኻህን ኣልኣዛርን ኢያሱ ወዲ ነዌን እቶም ኣሕሉቕ ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘካፈልዎም፥ እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነዓን ዝወረስወን፥ እዚኣተን እየን፦ 2ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም። #ዘሑ. 26፡52-56፥ 34፡13። 3ሙሴ ነቶም ክልተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፤ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኣቶም ርስቲ ኣይሃቦምን። #ዘሑ. 32፡33፥ 34፡14-15፥ ዘዳ. 3፡12-17። 4እዙይ ከዓ ደቂ ዮሴፍ፥ ነገድ ምናሴን ነገድ ኤፍሬምን ተብሂሎም ኣብ ክልተ ስለ ዝተመቕሉ እዩ። ንሌዋውያን ግና፥ ብዘይ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን መውፈሪ ዝኾና ኸባቢአን፥ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን። 5ደቂ እስራኤል፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ፤ ነታ ምድሪ እውን ተማቐልዋ።
ኬብሮን ንካሌብ ከም ዝተውሃበት
6ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጌልገላ ኣብ ቅድሚ ኢያሱ ቐረቡ። ቀኔዛዊ ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ኸዓ ንኢያሱ ኸምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር፥ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ሙሴ፥ ኣብ ቃዴስ በርኔ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። #ዘሑ. 14፡30። 7እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ነታ ምድሪ ኽስልል፥ ካብ ቃዴስ በርኔ ኽሰደኒ እንተሎ፥ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ፤ ኣነውን ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። #ዘሑ. 13፡1-30። 8እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ብፍርሒ ኸም ዝርዕድ ገበርዎ፤ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብምሉእ ልበይ ኣመንክዎ። 9ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፦ ‘ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ስለ ዝኣመንካዮ፥ እታ እግርኻ ዝረገፀታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን’ ኢሉ መሓለ። #ዘሑ. 14፡24።
10“ሕዚ ድማ እንሆ፥ እግዚኣብሄር እዝ ቓል እዙይ ንሙሴ ኻብ ዝነግሮ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሽዑ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ምድረ በዳ ኾለል ይብሉ ነበሩ። እግዚኣብሄር ከዓ ኸምቲ ዝተናገረኒ ኽሳዕ ሕዚ ኣፅኒሑኒ ኣሎ። እነሆ፥ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኮይነ ኣለኹ። 11ሎሚ ሓይለይ ከምቲ ሙሴ ኽልእኸኒ እንተሎ መዓልቲ ዝነበሮ እዩ። ንውግእ ንምውፃእ ኾነ ንምእታው ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ እዩ። 12ሕዚ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ዘተናገሮ፥ እዝ ደጕዓ እዙይ ሃበኒ። ደቂ ዔናቅ ኣብኡ ኸም ዝነብሩ፥ ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ኸም ዘለዋኦም፥ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕኻ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ደኣ ኾይኑ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸሳጕጎም እየ።”
13ኢያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ መረቖ፤ ርስቲ ኽትኮኖ ኸዓ ንኬብሮን ሃቦ። 14ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ቄኔዛዊ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብምሉእ ልቡ ስለ ዝተኸተሎ፥ ኬብሮን ክሳዕ ሎሚ ርስቱ ኾይና ኣላ። 15ቀደም ኬብሮን፥ ቂርያትኣርባቅ ትብሃል ነበረት፤ እዝ ኣርባቅ ኻብ ደቂ ሰብ ዔናቅ እቲ ዝዓበየ ሰብ ነበረ።
እታ ሃገር ድማ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።

Currently Selected:

ኢያሱ 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in