ኢያሱ 11
11
ነገስታት ሰሜን ከም ዝተስዓሩ
1ኢያቢስ ንጉስ ሓፆር እስራኤላውያን ከም ዝሰዓሩ ምስ ሰምዐ፥ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፥ 2ናብቶም ብሰሜን ኣብ ደጕዓን ኣብ ጐልጐልን፥ ብደቡብ ኪኔሬት ድማ ኣብ ቈላን፥ ኣብ ምዕራብ በረኽቲ ዶርን ናብ ዝነበሩ ነገስታት ለኣኸ። 3ከምኡውን ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነዓናውያን፥ ኣብ ደጕዓ ናብ ዝነበሩ ኣሞራውያንን ኬጢያውያንን ፈሪዛውያንን ኢያቡሳውያንን ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ኣብ ምድሪ ምፅጳ ናብ ዝነበሩ ኤዋውያንን ለኣኸ። 4ንሳቶም ከዓ ምስ ኵሎም ሰራዊቶምን ምስ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን መፁ። ምብዛሖም ከዓ ኸምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃ ነበረ። 5እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ተኣኪቦም ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኣብ ማይ ማሮን መፂኦም ብሓደ ሰፈሩ።
6እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ፅባሕ ከምዛ እዋን እዚኣ፥ ኣነ ንዅሎም፥ ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፥ ንኣኣቶም ኣይትፍራሕ፤ ቋንጃ ኣፍራሶም ክትበትኽ፥ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኽተንድድ ኢኻ” በሎ።
7ኢያሱ ምስ ኵሎም ሰራዊቱ፥ ኣብ ማይ ማሮን መፂኡ፥ ብድንገት ሓደጋ ኣብፅሐሎም። 8እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም። 9ኢያሱ ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፤ ቋንጃ ኣፍራሶም በተኸ፤ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኣንደደ።
10ኢያሱ በታ ጊዜ እቲኣ ተመሊሱ ንሓፆር ሓዛ፤ ንንጉሳ ኸዓ ሰየፎ። ሓፆር ቀደም ንዅለን እዘን መንግስታት እዚኣተን ርእሲ ኸተማኣተን ዝነበረት እያ። 11ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ብስሕለት ሰይፊ ወቒዖም ፈፂሞም ኣጥፍእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን፤ ንሓፆርውን ብሓዊ ኣንደዳ።
12ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። 13ብዘይ እታ ኢያሱ ዘንደዳ ሓፆር፥ ደቂ እስራኤል ነተን ኣብ ደጕዓ ዝነበራ ኸተማታት ኣየንደድወንን። 14ደቂ እስራኤል ንዅሉ ናይዘን ከተማታት እዚኣተን ምርኮን እንስሳን ንባዕላቶም ገበርዎ፤ ንዅሉ ሰብ ግና ኽሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሰይፊ ወድእዎም፤ እስትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን። 15ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።
16ኢያሱ ኸዓ ንዅላ እታ ሃገር፥ ምድሪ ደጕዓን ኵሉ ደቡብን ኵላ ምድሪ ጎሶምን ቈላን ጐልጐልን እምባታት እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ። 17ካብቲ ናብ ሴይር ዘድይብ እምባ ሃላቅ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ እምባ ኣርሞንኤም ዘሎ በዓልጋድ ሓዘ። ንዅሎም ነገስታቶም ሒዙ ድማ ቐተሎም። 18ኢያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ እዋን ተዋግአ። 19ብዘይ እቶም ኣብ ገባዖን ዝነብሩ ኤዊያውያን ምስ እስራኤል ሰላም ዝገበረት ከተማ ኣይነበረትን። ንዅለን ተዋጊኦም እዮም ዝሓዝወን። 20ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ምእንቲ ፈፂሙ ኸጥፍኦም እምበር ምሕረት ምእንቲ ኸይረኽቡ፥ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ እግዚኣብሄር ልቦም ኣትረረ።
21በታ ጊዜ እቲኣ ኢያሱ መፂኡ ነቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ደቂ ዔናቅ፥ ካብ ኬብሮን፥ ካብ ዳቤር፥ ካብ ዓናብ፥ ካብ ዅሉ ደጕዓ ይሁዳን ካብ ኵሉ ደጕዓ እስራኤልን ኣጥፍኦም። ኢያሱ ንኣኣቶምን ንኸተማኣቶምን ፈፂሙ ኣጥፍኦም። 22ኣብ ምድሪ ደቂ እስራኤል ካብ ዔናቃውያን ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጌትን ኣብ ኣዛጦንን ግና ቑሩብ ተሪፎም ነበሩ። 23ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
Currently Selected:
ኢያሱ 11: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in