ኢያሱ 12
12
ሙሴ ዝሰዓሮም ነገስታት
1እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከዓ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፥ ብምብራቕ ፀሓይ፥ ካብ ሩባ ኣርኖን ክሳዕ እምባ ኣርሞንኤም፥ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐላጕል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦
2ኣብ ሓሴቦን ነጊሱ ዝነበረ ሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን፥ እቲ ኻብታ ኣብ ገምገም ሩባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን፥ ኣብ ማእኸል ሩባ ዘላ ኸተማ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን ወሰን ዝኾነ ሩባ ያቦቅን፥ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ። 3ከምኡ ድማ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ገሊላ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ብመንገዲ ቤት ያሲሞት ክሳዕ ባሕሪ ጨው፥ #12፡3 ባሕሪ ጨው፦ ሕዚ “ምዉት ባሕሪ” ይበሃል። ኻብ ባሕሪ ጨው ብደቡብ ድማ ኽሳዕ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዝገዝእ ዝነበረ እዩ።
4ዓግ ንጉስ ባሳን፥ እቲ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ። 5ንሱ ኣብ እምባ ኣርሞንኤምን ኣብ ሳልካን ኣብ ዅሉ ባሳንን ክሳዕ ወሰን ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ገለዓድን፥ ክሳዕ ወሰን ሴዎን ንጉስ ሓሴቦን ዝገዝእ ዝነበረ እዩ። #ዘሑ. 21፡21-35፥ ዘዳ. 2፡26—3፡11።
6ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም። #ዘሑ. 32፡33፥ ዘዳ. 3፡12።
ኢያሱ ዝሰዓሮም ነገስታት
7እቶም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፥ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሴይር ዘድይብ ዑና ዝኾነ እምባ ሃላቅ ዝነበሩ፥ ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ዝሰዓርዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኢያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ብምክፍፋል ርስቲ ገይሩ ሃቦም። 8እታ ምድሪ ደጕዓን ሓውሲ ደጕዓን ቈላን ጎቦታትን ብደቡብ ድማ ምድረ በዳ ነበረት። ንሳ ኬጢያውያን፥ ኣሞራውያን፥ ከነዓናውያን፥ ፈሪዛውያን፥ ኤዋውያን፥ ኢያቡሳውያን ዝነብርዋ ነበረት።
9ንጉስ ኢያሪኮ፥ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤቴል ዘላ ጋይ፥
10ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥
11ንጉስ የርሙት፥ ንጉስ ለኪሶን፥
12ንጉስ ኣዶላም፥ ንጉስ ጌዘር፥
13ንጉስ ዳቤር፥ ንጉስ ጌድር፥
14ንጉስ ሔርማ፥ ንጉስ ዓድራ፥
15ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥
16ንጉስ መቄዳ፥ ንጉስ ቤቴል፥
17ንጉስ ታጱዋ፥ ንጉስ ኦፌር፥
18ንጉስ ኣፌቅ፥ ንጉስ ለሸሮን፥
19ንጉስ ማዶን፥ ንጉስ ሓሶር፥
20ንጉስ ሺምሮን ሚሮን፥ ንጉስ ኣዚፍ፥
21ንጉስ ታዕናክ፥ ንጉስ መጊዶ፥
22ንጉስ ቃዴስ፥ ንጉስ ዮቅንዓም ኣብ ቀርሜሎስ፥
23ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ዝነበረ፥
ንጉስ ኣህዛብ ጌልገላ፥
24ንጉስ ቲርሳ፥ እዚኣቶም ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት ነበሩ።
Currently Selected:
ኢያሱ 12: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in