ኢዮብ 8
8
ዘይጋገ ፍርዲ እግዚኣብሄር
1ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ክሳዕ መኣዝ ኢኻ እዙይ እትናገር?
ቃል ኣፍካኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ኸም ንፋስ ኣውሎ ዝኸውን?
3እግዚኣብሄርዶ ፍትሒ የቐይንን እዩ?
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥
ንፅድቂዶ ይጠውዮ እዩ?
4ደቅኻ ንእግዚኣብሄር በዲሎምዎ እንተ ነይሮም፥
ንሱውን ኣብ ኢድ በደሎም እንተ ደርበዮም፥
5ንስኻ ግና ሕዚ ናብ እግዚኣብሄር እንተ እትግስግስ፥
ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሕረትውን እንተትልምኖ፥
6ንፁህን ቅኑዕን እንተ ዄንካ፥
ብሓቂ ምእንታኻ ኽነቅሕ እዩ፤
ንናይ ፅድቅኻ መንበሪውን ከሳኽዐልካ እዩ።
7ጅማሮኻ ንእሽተይ እኳ እንተ ኾነ፥
ፍፃሜኻ እምብዛ ዝበዝሐ ክኸውን እዩ።”
8“እስኪ ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልዲ ጠይቆም፤
ነቲ ኣቦታቶም ዝፈለጥዎ ድማ ኣስተብህሎ።
9ንሕና ዝኾነ ዘይንፈልጥ ትማሊ ዝተወለድና ኢና፤
መዓልቲታትና ኣብ ምድሪ ኸም ፅላሎት እየን።
10ንሳቶም ዝምህሩኻን ዝነግሩኻን፥
ካብ ልቦናኦም ቃል ኣውፂኦምዶ ኣይኮኑን?”
11“ረግረግ ኣብ ዘይብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይዓቢ እዩ?
ማይ ኣብ ዘይብሉኸ ሰቲዶ ይልምልም?
12ንሱ ብለምለሙ እንተሎን እንተይተበቘሰን፥
ቅድሚ ዅሉ ሳዕሪ ይነቅፅ።
13እቶም ኵሎም ንእግዚኣብሄር ዝርስዕዎ ድማ፥
ፍፃሜኦም ከምኡ እዩ፤
ተስፋ እቲ ዝንጉዕውን ይጠፍእ።
14ተስፋኡ ይቋረፅ፤
እምነቱውን ከም ሰፈር ሳሬት ይኸውን።
15ንሱ ንቤቱ ይድግፎ፤ ግና ኣይቖመሉን፤
ይሕዞውን፥ ግና ኣይፀንዐሉን።
16“ንሱ ብፀሓይ ይልምልም፤
ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ይወፅእ።
17ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሰራውሩ ይሰድድ፤
ኣብ መንጎ ኣእማን ከዓ ስፍራ የዳሉ።
18ካብ ቦታኡ እንተ ጠፍአ፥
ኣይረአኹኻን ኢሉ ይኽሕዶ።
19እንሆ መንገዲ ደስታኡ ኸምኡ እዩ፤
ካልኦትውን ካብቲ መሬት ይበቝሉ።”
20“እንሆ፥ እግዚኣብሄር ንቕኑዕ ሰብ ኣይድርብዮን እዩ፤
ንኢድ ሓጢኣተኛታትውን ኣየበርትዕን እዩ።
21ገና ንኣፍካ ብስሓቕ፥
ንኸናፍርካውን ብዕልልታ ኽመልኦ እዩ።
22እቶም ዝፀልኡኻ ሕፍረት ክኽደኑ እዮም፤
ድንኳን እቶም ክፉኣት ከዓ ኽጠፍእ እዩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 8: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in