YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 9

9
ፍርዲ እግዚኣብሄር
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2 # ኢዮብ 4፡17። ከምኡ ምዃኑስ ብርግፅ እፈልጥ እየ፤
ግና ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፥ ከመይ ኢሉ ፃድቕ ክኸውን ይኽእል?
3ሰብ ምስ እግዚኣብሄር ክማጐት እንተ ደለየ፥
ካብ ሽሕ ነገር ንሓደ እኳ ኽመልስ ኣይምኸኣለን ነይሩ።
4ንሱ ልቡ ጥበበኛ፥ ሓይሉውን ዓብዪ እዩ፤
ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ?
5ንሱ ንእምባታት እንተይፈለጡ ይነቕሎም፤
ብብርቱዕ ቝጥዓኡውን ይገለባብጦም።
6ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውፃ፤
ኣዕምዳውን የንቀጥቅጡ።
7ንሱ ንፀሓይ ይእዝዛሞ ኣይትበርቕን፤
ንኸዋኽብቲውን ይሓትሞም።
8ንሱ በይኑ ንሰማያት ዘርግሖ፤
ኣብ ልዕሊ ማዕበል ባሕሪ ኸዓ ይኸይድ።
9ድቢ ንዝበሃል ኮኸብን ኣርዮ ንዝበሃል ኮኸብን፥ ንሸውዓተ ከዋኽብትን
ብወገን ደቡብ ንዘለዉ መሕደሪታት ከዋኽብቲ ዝፈጠረ ንሱ እዩ። #ኢዮብ 38፡31፥ ኣሞፅ 5፡8።
10ንሱ ዘይምርመሩን ዓበይቲ ነገራትን ይገብር፤
ቍፅሪ ዘይብሉ ተኣምራትውን ይገብር።
11እንሆ፥ ንሱ እንተ መፀኒ፥ ኣነ ኣይሪኦን፤
መሊሱ እንትሓልፈኒውን ኣየስተብህሎን?
12እንሆ፥ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መንጠለ መን ክኽልክሎ ይኽእል?
“ንእኡኸ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ኽብሎ ዝኽእል መን እዩ?
13እግዚኣብሄር ንቝጥዓኡ ኣይመልሶን እዩ፤
ኣብ ትሕቲኡ እቶም ንረዓብ #9፡13 ናይ ክፍኣትን ናይ ዕግርግርን ተምሳል ዝኾነ ኣራዊት ባሕሪ እዩ። ዝሕግዙ ኽዋረዱ እዮም።
14እምበኣርከስ ክምልሰሉ፥
ቃለይውን ኣብ ቅድሚኡ ኽመርፅ ዝኽእል ኣነ መን እየ?
15ፃድቕ እንተ ዝኸውን፥
ንፈራድየይ ምሕረት ደኣ ምለመንክዎ እምበር፥ ኣይምመለስኩሉን።
16ፀዊዐዮ እንተ ዝምልሰለይ እኳ፥
ንድምፀይ ፅን ከም ዝበሎ ኣይምኣመንኩን።
17ንሱ ብንፋስ ኣውሎ ወቕዐኒ፤
ብዘይ ምኽንያት ድማ ንቝስለይ የብዝሖ።
18ንሱ ምረት ደኣ የፅግበኒ ኣሎ እምበር፥
ክትንፍስ ኣይሓደገንን።
19ብሓይሊ እንተ ኾይኑ፥ ንሱ ሓያል እዩ፤
ብፍርዲ እንተ ኾይኑ ኸዓ ጊዜ ዝውስን መን እዩ?
20ፃድቕ እንተ ዝኸውን እኳ ኣፈይ ይወቕሰኒ፤
ፍፁም እንተ ዝኸውንውን ዓማፂ ምገበረኒ ነይሩ።
21ኣነ ፍፁም እየ፤
ግና ብዛዕባ ነፍሰይ ግዲ የብለይን፤
ንህይወተይውን እንዕቓ ኣለኹ።
22እዝ ዅሉ ሓደ እዩ፤ ስለዙይ፦
“ንፍፁማንን ንሓጥኣንን ብሓደ የጥፍኦም እብል ኣለኹ።”
23መቕሰፍቱ ቐልጢፉ እንተ ቐተለ፥
ንሱ ብፈተና እቶም ንፁሃት የላግፅ።
24ምድሪ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ተውሂባ ኣላ፤
ገፅ እቶም ፈራዶ እውን ሸፈነ፤
ንሱ እንተ ዘይኮይኑ ደኣ መን እዩ?
25መዋእለይ፥ ካብ ጐያዪ ሰብ ይቕልጥፋ፤
ፅቡቕ ነገር እንተይረአያ ድማ ይሃድማ ኣለዋ።
26ንሳተን ከም ቅልጥፍቲ ጃልባ ሸምበቆ፥
ዝበልዖ ኽምንጥል ከም ዝውንጨፍ ንስሪ ይሓልፋ።
27ኣነ “ሓዘነይ ረሲዐ፥ ገፀይ ኣብሪሀ፥
ክሕጐስ ደኣ” እንተ በልኩ፥
28ንፁህ ከም ዘይትገብረኒ ኣነ እፈልጥ ኣለኹሞ፥
ካብ ኵሉ መከራይ እፈርሕ ኣለኹ።
29እምበኣር ከም በደለኛ ዝቝፀር እንተ ደኣ ኾይነ፥
ስለ ምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝደክም?
30ብማይ በረድ እንተ ዝሕፀብ፥
ኣእዳወይውን ኣፀቢቐ እንተ ዘፅሪ እኳ፥
31ንስኻ ኣብ ውሽጢ ዓዘቕቲ ተስጥመኒ፤
ክዳውንተይ እኳ ይፅየፈኒ።
32ንሱ ኸማይ ሰብ ስለ ዘይኮነ ኣይምልሰሉን፤
ክማጐቶውን ኣይክእልን እየ።
33ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኽልቴና ዘንብር ዳኛ፥
ኣበይሞ ኣብ መንጎና ኸም ተረኽበ።
34በትሩ ኻባይ የርሕቕ፤
ግርማኡውን ኣየፍርሐኒ፤
35ክናገርውን ኣይምፈራሕኽዎን ነይረ፤
ኣነ ግና ብባዕለይ ኸምኡ ኣይኮንኩን።

Currently Selected:

ኢዮብ 9: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in