YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 42

42
ኢዮብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መልሲ
1ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ኵሉ ምግባር ከም እትኽእልን፥
ነቲ ዝመደብካዮውን ኻብ ምግባር፥
ዝኽልክለካ ኸም ዘየለን ፈለጥኩ።
3 # ኢዮብ 38፡2። ‘ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዘፀልምቶ መን እዩ?’
ብርግፅ ኣነ ዘየስተውዓልክዎን፥ ዘይፈለጥክዎን ብዛዕባ እቲ
ንኣይ እምብዛ ዘገርም ነገርን ተናጊረ ኣለኹ።
4 # ኢዮብ 38፡3። ‘ክዛረበካስ ስምዐኒ፤
ኣነ ኽጥይቐካ፥ በይዛኻ ንስኻውን መልሰለይ።’
5ምስማዕስ ብሰማዒት እዝኒ ሰሚዐ ነይረ፤
ሕዚ ግና ዓይነይ ሪኣትካ።
6ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤
ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”
መደምደምታ
7እግዚኣብሄር ንኢዮብ እዙይ ምስ ተዛረቦ፥ ንኤልፋዝ በዓል ቴማን ከምዙይ በሎ፦
“ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ቍጥዓይ ነዲዱ እዩ። 8ሕዚ ኸዓ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ሒዝኩም ናብ ኢዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ኽንዲ ርእስኹም ዝቃፀል መስዋእቲ ኣቕርቡ። ኢዮብ ባርያይውን ክፅልየልኩም እዩ፤ ንእኡ ኽቕበሎ እየ። ከምቲ ኢዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፥ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ።”
9ሽዑ ኤልፋዝ በዓል ቴማን፥ በልዳዶስ በዓል ሹሓ፥ ሶፋር በዓል ናዕማ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ተቐበሎ።
10 # ኢዮብ 1፡1-3። ኢዮብውን ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ፀለየ፥ እግዚኣብሄር ንምርኮ ኢዮብ መለሰሉ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ እቲ ቐደም ዝነበሮ ሃብቲ ኽልተ ዕፅፊ ገይሩ ሃቦ። 11ኵሎም ኣሕዋቱን ኵላተን ኣሓቱን ኵሎም እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ፈተውቱን ድማ፥ ናብኡ መፂኦም፥ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጀራ በልዑ። ስለ እቲ ዅሉ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ መከራታት ድማ ሓዘኑሉ፤ ኣፀናንዕዎውን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ቕርሺ ብሩርን ቀለበት ወርቅን ሃብዎ።
12እግዚኣብሄር ድማ ንኢዮብ ካብቲ ቐዳማይ ሃብቱ ነቲ ዳሕረዋይ ኣብሊፁ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተ ኣርባዕተ ሽሕ ኣባጊዕ፥ ሽዱሽተ ሽሕ ኣግማል፥ ሽሕ ፅምዲ ብዕራይ፥ ሽሕ ኣንስትዮ ኣእዱግ ነበርዎ። 13ከምኡውን ሸውዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣጓላትን ተወለዱሉ። 14ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፥ ነታ ኻልአይቲ ቃስያ፥ ነታ ሳልሰይቲ ኣማልቶያስ ቂራስ ኢሉ ሰመየን። #42፡14 ይሚማ፦ “ርግቢ”፥ ቃስያ፦ “ዝንጅብል”፥ ኣማልቶያስ ቂራስ፦ “መትሓዝ ኵሕሊ” ማለት እዩ። 15ኣብ ኵላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣጓላት ኢዮብ ዝበላ ምልኩዓት ኣይነበራን። ኣቦአን ድማ ምስቶም ኣሕዋተን ርስቲ ሃበን።
16ድሕሪዙይ ኢዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ነበረ፤ ደቁን ደቂ ደቁንውን ክሳዕ ኣርባዕተ ትውልዲ ረአየ። 17ድሕሪዙይ ኢዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ፀጊቡ ሞተ።

Currently Selected:

ኢዮብ 42: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in