ኢዮብ 41
41
1 #
መዝ. 74፡14፥ 104፡26፥ ኢሳ. 27፡1። “ነቲ ሓርገፅ ዝበሃል ኣራዊት ባሕሪ
ብመቝለብ ክተውፅኦ፥
ንመልሓሱ ኸዓ ብገመድ ክትኣስሮዶ ትኽእል ኢኻ?
2ወይ ናብ ኣፍንጫኡ ሰንቀ ኽተእትወሉ፥
ንምንጋጋኡ ድማ ብመቝለብ ክተንኵሎዶ ትኽእል ኢኻ?
3ወይ ብሓቂ ኻባኻዶ ኣብዚሑ ይልምን እዩ?
ብጥዑም ቃል ይዛረበካ ድዩ?
4ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፥
ምሳኻዶ ኺዳን ዝኣቱ ይመስለካ?
5ከምቲ ምስ ዒፍ እትፃወት፥ ምስኡ ትፃወት ዲኻ?
ወይ ነግራድካ መፃወቲ ኽትኣስሮ እትኽእልዶ ይመስለካ?
6ኣስገርቲዶ ብእኡ ይከራኸሩ እዮም?
ወይ ከዓ ነጋዶ የካፍልዎ ድዮም?
7ንቘርበቱ ብኲናት፥
ንባዕሉ ድማ ብመቓጥን ዓሳዶ ኽትመልኦ ትኽእል ኢኻ?
8ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር፤
ነቲ ሰልፊ ድማ ዘክር፤
መሊስካውን ኣይትድገም።
9እንሆ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፤
ኵሉ ዝረአዮ ኣብ ቅድሚኡ ይዋረድ።
10ንእኡ ኽቕስቅሶ ዝደፍር የለን፤
ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?
11እቲ ኣቐዲሙ ዝሃበኒ እሞ ኣነ ዝመልሰሉ መን እዩ?
ኵሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ናተይ እዩ።”
12“ስለ ኣካላቱን ስለ ብርቱዕ ሓይሉን፥
ስለ ፅባቐ ሰብነቱን ስቕ ኣይብልን።
13ነቲ ላዕለዋይ ክዳኑ ኽቕንጥጦ ዝኽእል መን እዩ?
ኣብ መንጎ ኽልቲአን ምንጋጋኡ ኽኣቱ ዝኽእልከ መን እዩ?
14ንመዓፁ ገፁ ክኸፍት ዝኽእል መን እዩ?
ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ግርማ ኣሎ።
15እቶም ጠንካራታት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፤
ከም ብፀቢብ ማሕተም ዝተጋጠሙ እዮም።
16ንስንሳቱ ተላጊቡ እዩ፤
ንፋስ እኳ ብመንጎኡ ክኣቱ ኣይኽእልን እዩ።
17እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፤
ንስንሳቶም ከዓ ዝተተሓሓዙ እዮም፤
ክፈልዮም ዝኽእልውን የለን።
18ክህንጥስ እንተሎ ብርሃን የንፀባርቕ፤
ኣዒንቱውን ከም ወጋሕታ እየን።
19ካብ ኣፉ ፋና ሓዊ ይወፅእ፤
ካብኡ ድማ ትንታግ ሓዊ ይነጥር።
20ከም ዝፈልሕ ቍራዕን ከም ዝቃፀል ሸምበቆን፥
ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወፅእ።
21እስትንፋሱ ንሕመት የጕህሮ፤
ካብ ኣፉውን ሃልሃልታ ይወፅእ።
22ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሓድር፤
ኣብ ቅድሚኡ ድማ ግርማ ይሰራሰር።
23ስጋኡ ተደራሪቡ ዝገጠመ ስለ ዝኾነ፥
ሰብነቱ ፅኑዕ ዘይነቓነቕ እዩ።
24ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፤
ከም እምኒ መጥሓን ከዓ ፅኑዕ እዩ።
25ንሱ ምስ ተልዓለ ጀጋኑ ይሽበሩ፤
ካብ ፍርሒ ዝተልዓለውን ይዓብዱ።
26ሰይፊ ወይ ኲናት ወይ ፍላፃ
ወይ መውግኢ እንተ ረኸብዎ ኣየሸንፍዎን።
27ንሱ ንሓፂን ከም ሓሰር፤
ንነሃስውን ከም ዝቘንቈነ ዕንፀይቲ ይቘፅሮ።
28ፍላፃ ኣየህድሞን፤
እምኒ ወንጭፍውን ከም ሓሰር ኾይኑ ይስምዖ።
29ንጐመድ ከም ብርዒ ይቘፅሮ፤
ኲናት እንተ ወርወሩሉ ድማ ይስሕቖም።
30ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፤
ኣብ ጭቃ ኸዓ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሓድግ።
31ንሱ ንቓላይ ከም ድስቲ የፍልሖ፤
ንባሕሪ ድማ ኸም ቍራዕ ሽቱ ይገብሮ።
32ደድሕሪኡ ንመንገዲ የብርሆ፤
እቲ ቓላይ ድማ ሲበት ይመስል።
33ከምኡ ኾይኑ ብዘይ ፍርሓት ዝተፈጠረ፥
ኣብ ምድሪ የለን።
34ልዕል ንዝበለ ዅሉ ንዒቑ ይጥምቶ፤
ኣብ ልዕሊ ዅሎም ትዕቢተኛታትውን ንጉስ እዩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 41: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in