YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 39

39
1“ጤል በረኻ እትወልደሉ ጊዜዶ ትፈልጦ ኢኻ?
እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ጊዜኸ ትምልከቶ ዲኻ?
2ክንደይ ኣዋርሕ መላኣት ኮይነን ከም ዝፀንሓ፥
መኣዝውን ከም ዝወልዳ ትፈልጥ ዲኻ?
3ብርክኽ ኢለን ደቀን ይወልዳ፤
ካብ ፃዕረንውን ይዓርፋ።
4መሓስአን ይድልድላ፤ ኣብ በረኻ ይዓብያ፤
ይወፃ እሞ ናብኣተን ኣይምለሳን።”
5“ንኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውፅአ መን እዩ?
ነቲ ኣድጊ በረኻኸ ኻብ መእሰሪኡ ዝፈትሖ መን እዩ?
6ንፀምፀም በረኻ ስፍራኡ፥
ምድሪ ጨው ከዓ መንበሪኡ ክኸውን ዝሃብክዎ ኣነ እየ።
7ብናይ ከተማ ጫውጫውታ ይስሕቕ፤
ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።
8ንእምባታት ከም መዋፈሪ ይምልከቶ፤
ለምለም ዝኾነ ነገር ከዓ ይደሊ።”
9“ብዕራይ በረኻ ሕራይ ኢሉዶ ይግዝአካ እዩ?
ኣብ ደምቤኻኸ ይሓድረልካዶ?
10ምእንቲ ኽትልመልካዶ ንጐባይ ትፀምዶ ኢኻ?
ወይ ከዓ ኣብ ሕሩስዶ ደድሕሬኻ ይጕልጉል እዩ?
11ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝኾነዶ ትእመኖ ኢኻ?
ተግባርካኸ ንእኡ ትሓድግ ዲኻ?
12እኽልኻ ኽእክበልካ፥
ካብ ዓውዲውን ከእትወልካዶ ተኣምኖ ኢኻ?”
13“ሰገን ንኣኽናፋ ብሓጐስ ተንገብግቦ እያ፤
ክንፋን ክንቲታን ግና ኸም ራዛ ኣይነፍርን።
14እንቍላሊሓ ኣብ ምድሪ ተውድቕ፤
በቲ ሙቐት ሑፃ ድማ ተሙቖ።
15‘እግሪ ከይጭፍልቐለይ፥
ኣራዊትውን ከይረግፀለይ’ ኢላ ኣይትሓስብን።
16ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትቘፅሮ፤
ፃዕረይ ከንቱ ኸይኸውን ኢላ ድማ ኣይትግደስን።
17እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ጥበብ ስለ ዝኸልከላን
ምስትውዓልውን ስለ ዘይዓደላን እዩ።
18ንላዕሊ፥ ልዕል ልዕል ምስ በለት፥
ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቖም።”
19“ንፈረስ ሓይሊ ሂብካዮ ዲኻ?
ንኽሳዱኸ ጋማ ኣልቢስካዮ ዲኻ?
ከም ኣንበጣኸ ኣፈናጢርካዮ ዲኻ?
20ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ?
እቲ ዕቡይ ኵርፍታኡ ዘፍርሕ እዩ።
21ኣብ ጐልጐል ብሸዀናኡ እናፃሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፤
ናብ ውግእውን ክገጥም ይወፅእ።
22ኣብ ልዕሊ ፍርሓት ይስሕቕ፤ ኣይድንግፅንውን፤
ካብ ሰይፊ ድማ ድሕር ኣይብልን እዩ።
23ኣብ ዝባኑ ናይ ፍላፃ ጕልድባ፥
ብልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን ጭዋሕዋሕ ይብል።
24ብጭካነን ብቝጥዓን ንመሬት ይውሕጣ፤
መለኸት ክንፋሕ እንተሎ ኣይቐውምን።
25መለኸት እንትሰምዕ ይሕምሕም፤
ንውግእን ንወኻዕታ ሰራዊትን ካብ ርሑቕ የጫንዎ፤
ንፈኸራ ኣሕሉቑ ኻብ ርሑቕ ይሰምዖ።”
26“ሊሎ ንላዕሊ ዝመጥቕ፥
ኣኽናፉውን ንደቡብ ኣቢሉ ዝዝርግሕኸ፥ ብጥበብካ ድዩ?
27ንስሪ ንላዕሊ ዝዓርግ፥
ቤቱውን ኣብ በሪኽ ዝሰርሕኸ ብትእዛዝካ ድዩ?
28ኣብ ገደል ይነብር፤ ኣብ ገምገም ገደልን ኣብ ፀግዑን ይሓድር፤
29ኣብኣ ኾይኑ ዝንጠቕ የማዕዱ፤
ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።
30 # ማቴ. 24፡28፥ ሉቃ. 17፡37። ጫቚታቱ ደም ይሰትዩ፤
ኣብቲ ገምብታት ዘለውዎ፥ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 39: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in