ኢዮብ 38
38
እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከም ዝመለሰሉ
1ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ
ንኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
2ብዘይ ፍልጠት ብዝንገር ቃል
ንምኽረይ ዘፀልምቶ መን እዩ?
3ከም ሰብ ኴንካ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤
ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
4ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥
ንስኻ ኣበይ ኔርካ?
ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
5ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፥
ነቲ መጠና ዝወሰነ መን እዩ?
መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ?
6እቲ ንምድሪ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ዓምዲ ኣብ ምንታይ ተተኺሉ ኣሎ?
ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ?
7ናይ ጊሓት ከዋኽብቲ ሓቢሮም እንትዝምሩ፥
ኵሎም ደቂ እግዚኣብሄር ዕልል እንትብሉ፤
መሰረታት ኣብ ምንታይ ተተኺሎም ነበሩ?
ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ?
8ባሕሪ ኻብ ማህፀን ከም ዝወፅእ ምስ ወፀ፥
ማዕፆኡ ዝዓፀወ መን እዩ?
9ደመና ንልብሱ፥ ንፀልማት ድማ
መጠቕለሊኡ ገበርኩ።
10ወሰን ኣቖምኩሉ፤
መሸጐርን መዓፁን ከዓ ገበርኩሉ፥
11 #
ኤር. 5፡22። “ክሳዕ ኣብዙይ ብፃሕ፤
ካብዙይ ንንየው ኣይትሕለፍ፤
እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ።
12-13ንወሰናት ምድሪ ኽሕዞ እሞ፥
እቶም ዓመፀኛታት ተናዊፆም ምእንቲ ኽወፁ፥
ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፥ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፥
ወይ ንብርሃን ወጋሕታኸ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ ኢኻ?
14ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዝልወጥ፥
ከምኡውን ንሳ ትልወጥ፤
ኵሉ ነገርውን ከም ክዳን ይቕለም።
15ካብቶም ክፉኣት ብርሃኖም ተኸልኪሉ፤
እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ።
16ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በፂሕኻ ትፈልጥ?
ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
17ኣፍ ደገታት ሞት ተገሊፆምልካ ድዮም?
በርታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ ትፈልጥ?
18ስፍሓት ምድሪኸ! ትፈልጦ ዲኻ?
እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ።
19-20ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥
ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ፥
መንገዲ መንበሪ ብርሃን ኣበይ እዩ?
ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ?
21ሽዑ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻሞ፥
አረ ቝፅሪ መዓልቲታትካውን ብዙሕ እዩ እሞ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ!
22ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ?
ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?
23ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።
24ብርሃን ብኸመይ መንገዲ ይከፋፈል?
ንፋስ ምብራቕከ ኣብ ምድሪ ኸመይ ይብተን?
25ንፈሳሲ ዝናም መትረብ ዘቃንዐሉ፥
ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ?
26ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፥
ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ዝናም ዘዝንመሉ መን እዩ?
27ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኸብቍል ንምድሪ ኣፃምእን በረኻን
ዘርውዮ መን እዩ?
28ንዝናም ኣቦዶ ኣለዎ?
ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ?
29-30በረድ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዝወፅእ?
ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለደ መን እዩ?
ንማያት ከም እምኒ ዘጠንክር፥
ንመዓሙቕ ባሕሪኸ ዘርግእ መን እዩ?
31 #
ኢዮብ 9፡9፥ ኣሞፅ 5፡8። ብሓቂ ዘለላ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ክትኣስርዶ ትኽእል ኢኻ?
ወይ ነቲ ኦሪዮ ዝበሃል ኮኸብ ክትፈትሕዶ ትኽእል ኢኻ?
32ወይ ማዛሮት ንዝተብሃሉ ኸዋኽብቲ ብጊዜኦም ክተውፅኦም፥
ወይ ድብ ንዝበሃል ኮኸብ ምስ ደቁ
ክትመርሕዶ ትኽእል ኢኻ?
33ንስርዓት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ?
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝሰልጥ ክትገብርከ ትኽእል ዲኻ?
34ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኽሽፍነካ፥
ቃልካ ናብ ደመናት ክተልዕልዶ ትኽእል ኢኻ?
35እኒሀና ኢሎምኻ ንኽኸዱስ፥
ንመባርቕቲ ኽትልእኾምዶ ትኽእል ኢኻ?
36ንጥበብ ኣብ ውሽጡ ዘንበራ፥
ንልቢ ሰብ ድማ ምስትውዓል ዝሃበ መን እዩ?
37ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ?
ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?
38ዝናም ምስ ዘነመ ሓመድ ተበፅቢፁ፥
ከም ዝረግእ ዝገብር መን እዩ?
ደናኵል ብሓደ ኸም ዝጣበቑ ዝገብርከ መን እዩ?
39-40ንዋዕሮ ዝብላዕ ዘምፅአላ፥
ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፥
ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዝፀንሑ፥
ኰራዅር ኣንበሳኸ፥ ክተፅግቦም ትኽእል ዲኻ?
41ኳዃት ምግቢ ስኢኖም ክዞሩ እንተለዉ
ጨቓዊቶምውን ዝብላዕ ስኢኖም
ናብ ኣምላኽ እንተእውዩ፥
ዝምግቦም መን እዩ?
Currently Selected:
ኢዮብ 38: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 38
38
እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከም ዝመለሰሉ
1ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ
ንኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
2ብዘይ ፍልጠት ብዝንገር ቃል
ንምኽረይ ዘፀልምቶ መን እዩ?
3ከም ሰብ ኴንካ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤
ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
4ኣነ ንምድሪ ኽስርታ እንተለኹ፥
ንስኻ ኣበይ ኔርካ?
ተስተውዕል እንተ ዄንኻ እስኪ ንገረኒ።
5ትፈልጥ እንተ ዄንካኸ፥
ነቲ መጠና ዝወሰነ መን እዩ?
መለክዒ ገመድ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ?
6እቲ ንምድሪ ኣፅኒዑ ሒዙ ዘሎ ዓምዲ ኣብ ምንታይ ተተኺሉ ኣሎ?
ነቲ እምኒ መኣዝና ዘቖመኸ መን እዩ?
7ናይ ጊሓት ከዋኽብቲ ሓቢሮም እንትዝምሩ፥
ኵሎም ደቂ እግዚኣብሄር ዕልል እንትብሉ፤
መሰረታት ኣብ ምንታይ ተተኺሎም ነበሩ?
ናይ መኣዝና እምኒኸ ዘቖመ መን እዩ?
8ባሕሪ ኻብ ማህፀን ከም ዝወፅእ ምስ ወፀ፥
ማዕፆኡ ዝዓፀወ መን እዩ?
9ደመና ንልብሱ፥ ንፀልማት ድማ
መጠቕለሊኡ ገበርኩ።
10ወሰን ኣቖምኩሉ፤
መሸጐርን መዓፁን ከዓ ገበርኩሉ፥
11 #
ኤር. 5፡22። “ክሳዕ ኣብዙይ ብፃሕ፤
ካብዙይ ንንየው ኣይትሕለፍ፤
እቲ ብርቱዕ ናህሪ ማዕበላትካውን ካብዙይ ኣይሕለፍ” በልኩ።
12-13ንወሰናት ምድሪ ኽሕዞ እሞ፥
እቶም ዓመፀኛታት ተናዊፆም ምእንቲ ኽወፁ፥
ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፥ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፥
ወይ ንብርሃን ወጋሕታኸ ቦታኡ ኣፍሊጥካዮዶ ትፈልጥ ኢኻ?
14ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ከም ዝልወጥ፥
ከምኡውን ንሳ ትልወጥ፤
ኵሉ ነገርውን ከም ክዳን ይቕለም።
15ካብቶም ክፉኣት ብርሃኖም ተኸልኪሉ፤
እቲ ልዕል ዝበለ ቅልፅሞምውን ተሰይሩ።
16ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በፂሕኻ ትፈልጥ?
ኣብ ውሽጢ መሰረት ቃላይከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ?
17ኣፍ ደገታት ሞት ተገሊፆምልካ ድዮም?
በርታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ ትፈልጥ?
18ስፍሓት ምድሪኸ! ትፈልጦ ዲኻ?
እዝ ዅሉ ትፈልጥ እንተ ዄንካ ተዛረብ።
19-20ናብ ወሰኑ ንኽተብፅሖ፥
ናብ ቤቱ እትወስድ መንገድታትውን ክትፈልጥስ፥
መንገዲ መንበሪ ብርሃን ኣበይ እዩ?
ቦታ ፀልማትከ ኣበይ ኣሎ?
21ሽዑ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻሞ፥
አረ ቝፅሪ መዓልቲታትካውን ብዙሕ እዩ እሞ፥ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ!
22ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ?
ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?
23ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።
24ብርሃን ብኸመይ መንገዲ ይከፋፈል?
ንፋስ ምብራቕከ ኣብ ምድሪ ኸመይ ይብተን?
25ንፈሳሲ ዝናም መትረብ ዘቃንዐሉ፥
ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ዝገበረሉ መን እዩ?
26ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፥
ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ዝናም ዘዝንመሉ መን እዩ?
27ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኸብቍል ንምድሪ ኣፃምእን በረኻን
ዘርውዮ መን እዩ?
28ንዝናም ኣቦዶ ኣለዎ?
ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለደኸ መን እዩ?
29-30በረድ ኻብ ከርሲ መን እዩ ዝወፅእ?
ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለደ መን እዩ?
ንማያት ከም እምኒ ዘጠንክር፥
ንመዓሙቕ ባሕሪኸ ዘርግእ መን እዩ?
31 #
ኢዮብ 9፡9፥ ኣሞፅ 5፡8። ብሓቂ ዘለላ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ክትኣስርዶ ትኽእል ኢኻ?
ወይ ነቲ ኦሪዮ ዝበሃል ኮኸብ ክትፈትሕዶ ትኽእል ኢኻ?
32ወይ ማዛሮት ንዝተብሃሉ ኸዋኽብቲ ብጊዜኦም ክተውፅኦም፥
ወይ ድብ ንዝበሃል ኮኸብ ምስ ደቁ
ክትመርሕዶ ትኽእል ኢኻ?
33ንስርዓት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ?
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝሰልጥ ክትገብርከ ትኽእል ዲኻ?
34ብዝሒ ማያት ምእንቲ ኽሽፍነካ፥
ቃልካ ናብ ደመናት ክተልዕልዶ ትኽእል ኢኻ?
35እኒሀና ኢሎምኻ ንኽኸዱስ፥
ንመባርቕቲ ኽትልእኾምዶ ትኽእል ኢኻ?
36ንጥበብ ኣብ ውሽጡ ዘንበራ፥
ንልቢ ሰብ ድማ ምስትውዓል ዝሃበ መን እዩ?
37ንደመናታት ሰማይ ብጥበቡ ኽቘፅሮም ዝኽእል መን እዩ?
ነሕርብቲ ሰማይከ ኸም ዘፍስሱ ዝገብሮም መን እዩ?
38ዝናም ምስ ዘነመ ሓመድ ተበፅቢፁ፥
ከም ዝረግእ ዝገብር መን እዩ?
ደናኵል ብሓደ ኸም ዝጣበቑ ዝገብርከ መን እዩ?
39-40ንዋዕሮ ዝብላዕ ዘምፅአላ፥
ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፥
ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዝፀንሑ፥
ኰራዅር ኣንበሳኸ፥ ክተፅግቦም ትኽእል ዲኻ?
41ኳዃት ምግቢ ስኢኖም ክዞሩ እንተለዉ
ጨቓዊቶምውን ዝብላዕ ስኢኖም
ናብ ኣምላኽ እንተእውዩ፥
ዝምግቦም መን እዩ?
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in