ኢዮብ 40
40
1መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
2“ኢዮብ፥ ብሓቂ፥ ዝማጐት ሰብ፥
ምስቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄርዶ ይማጐት እዩ?
እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝማጐት ንሱ ይመልሰሉ።”
3ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
4“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤
እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ?
ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
5ሓደ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤
ሕዚ ግና ኣይምልስን እየ፤
ኣነ ኽልተ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤
ግና ኣይደግምን እየ።”
6መሊሱ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ፥
ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
7“ሕዚ እምበኣር ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤
ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
8ንርእስኻ ምእንቲ ኽተፅድቕ
ንፍርደይ ከንቱ ኽትገብሮ፥
ንኣይ ድማ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ ኣለኻ?
9ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ?
ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?
10እምበኣርከስ ክብረትን ልዕልናን ተሸለም፤
ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ።
11ዕቡይ ንዝኾነ ዅሉ ኣትኲርካ ረአዮ እሞ፥
ቍጥዓኻ ኣፍሲስካ ኣዋርዶ።
12እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤
ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።
13ንዅሎም ብሓድነት ኣብ ምድሪ ሰውሮም፤
ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን።
14ሽዑ ኣነ የማነይቲ ኢድካ፥
ክተድሕነካ ኸም እትኽእል ክምስክረልካ እየ።”
15“ነቲ ምሳኻ ዝፈጠርኩዎ፥
ብሄሞት ረአዮ፤
ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ፤
16እንሆ ድማ፥ ሓይሉ ኣብ ሕቘኡ፥
ምብርታዑ ኣብ ጅማት ከብዱ እዩ ዘሎ።
17ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይነንዎ፤
ጅማውቲ ሰለፉውን ፅኑዕ ትንጎ እዩ።
18ኣዕፅምቱ ኸም ነሃስ ሓያል እዩ፤
ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓፂን እዩ።”
19“ንሱ ኣውራ ፍጥረት እግዚኣብሄር እዩ፤
ሰራሒኡውን ሰይፉ ሃቦ።
20እቲ ዅለን እንስሳ በረኻ ዝፃወታሉ እምባ፥
ዝብላዕ ሳዕሪ የብቍለሉ።
21ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣእዋም ለጥ ይብል፤
ኣብ ውሽጢ ሰልሰላን ረግረግን ድማ ይድቅስ።
22ፅላል ዘለዎ ኦም ብፅላሉ ይስውሮ፤
ኣእዋም ሩባ ዂሓውን ይኸብዎ።
23ውሕጅ ብሓይሊ ደፊኡ እንተ መፀ እኳ ኣይድንግፅን፤
ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፉ እንተ መልአውን ኣይሰግእን።
24ኣዒንቱ እናረአያዶ ይተሓዝ እዩ?
ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰንቀል ዘእትወሉኸ መን እዩ?”
Currently Selected:
ኢዮብ 40: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 40
40
1መሊሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
2“ኢዮብ፥ ብሓቂ፥ ዝማጐት ሰብ፥
ምስቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄርዶ ይማጐት እዩ?
እቲ ምስ እግዚኣብሄር ዝማጐት ንሱ ይመልሰሉ።”
3ሽዑ ኢዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ኢሉ መለሰሉ፦
4“እንሆ ጐይታይ፥ ኣነ ኸንቱ ዝኾንኩ ሰብ እየ፤
እንታይ ኢለ ደኣ ኽምልሰልካ?
ኣፈይ ብኢደይ ሒዘ ኣለኹ።
5ሓደ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤
ሕዚ ግና ኣይምልስን እየ፤
ኣነ ኽልተ ሻዕ ተዛሪበ ነይረ፤
ግና ኣይደግምን እየ።”
6መሊሱ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ኣውሎ ንፋስ ኮይኑ፥
ንኢዮብ ከምዙይ በሎ፦
7“ሕዚ እምበኣር ከም ሰብኣይ ሕቘኻ ተዓጠቕ፤
ኣነ ኽጥይቐካ እየ፤ ንስኻውን መልሰለይ።
8ንርእስኻ ምእንቲ ኽተፅድቕ
ንፍርደይ ከንቱ ኽትገብሮ፥
ንኣይ ድማ ኽትኵንነኒዶ ትደሊ ኣለኻ?
9ከም ቅልፅም እግዚኣብሄር ዝበለ ቕልፅምዶ ኣለካ እዩ?
ከም ድምፁ ጌርካዶ ኸተንጐድጕድ ትኽእል ኢኻ?
10እምበኣርከስ ክብረትን ልዕልናን ተሸለም፤
ክብርን ግርማን ከዓ ልበስ።
11ዕቡይ ንዝኾነ ዅሉ ኣትኲርካ ረአዮ እሞ፥
ቍጥዓኻ ኣፍሲስካ ኣዋርዶ።
12እወ፥ ዕቡይ ንዝኾነ ትሕት፥ ትሕት ኣብሎ፤
ንኽፉኣት ሰባትውን ኣብ ቦታኦም እንተለዉ ርገፆም።
13ንዅሎም ብሓድነት ኣብ ምድሪ ሰውሮም፤
ኣብ ሕቡእ ስፍራውን ገፆም ሸፍን።
14ሽዑ ኣነ የማነይቲ ኢድካ፥
ክተድሕነካ ኸም እትኽእል ክምስክረልካ እየ።”
15“ነቲ ምሳኻ ዝፈጠርኩዎ፥
ብሄሞት ረአዮ፤
ንሱ ኸም ብዕራይ ሳዕሪ ይበልዕ፤
16እንሆ ድማ፥ ሓይሉ ኣብ ሕቘኡ፥
ምብርታዑ ኣብ ጅማት ከብዱ እዩ ዘሎ።
17ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይነንዎ፤
ጅማውቲ ሰለፉውን ፅኑዕ ትንጎ እዩ።
18ኣዕፅምቱ ኸም ነሃስ ሓያል እዩ፤
ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓፂን እዩ።”
19“ንሱ ኣውራ ፍጥረት እግዚኣብሄር እዩ፤
ሰራሒኡውን ሰይፉ ሃቦ።
20እቲ ዅለን እንስሳ በረኻ ዝፃወታሉ እምባ፥
ዝብላዕ ሳዕሪ የብቍለሉ።
21ኣብ ትሕቲ ፅላል ኣእዋም ለጥ ይብል፤
ኣብ ውሽጢ ሰልሰላን ረግረግን ድማ ይድቅስ።
22ፅላል ዘለዎ ኦም ብፅላሉ ይስውሮ፤
ኣእዋም ሩባ ዂሓውን ይኸብዎ።
23ውሕጅ ብሓይሊ ደፊኡ እንተ መፀ እኳ ኣይድንግፅን፤
ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፉ እንተ መልአውን ኣይሰግእን።
24ኣዒንቱ እናረአያዶ ይተሓዝ እዩ?
ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰንቀል ዘእትወሉኸ መን እዩ?”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in