ኢዮብ 35
35
እግዚኣብሄር ልዕሊ ዅሉ እዩ
1ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2እዙይ ፅድቂ ኸም ዝኾነዶ ትሓስብ ኣለኻ?
ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር “ፃድቕ እየዶ” ትብል ኣለኻ?
3ንስኻ እንታይ ጥቕሚ ኣለካ?
“ሓጢኣት ሰሪሐ ኻብ ዝረኽቦ ብዝበለፀ፥
ሓጢኣት እንተ ዘይሰሪሐ እንታይ እረብሕ?” ኢልካ ጠይቕካ ኢኻሞ።
4ነዙይስ ኣነ ኽምልሰልካ፤
ኣነ ንኣኻን ምሳኻ ንዘለዉ ብፆትካን ክምልስ እየ።
5እስኪ ኣዒንትኻ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ጠምት፤
ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደመናውን ተመልከቶ።
6ሓጢኣት እንተ ገበርካ፥ እንታይ ትጐድኦ?
በደልካ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትገብሮ?
7ፃድቕ እንተ ኾንካ እንታይ ትህቦ?
ካብ ኢድካ ዝቕበሎኸ እንታይ እዩ?
8 #
ኢዮብ 22፡2-3። ሓጢኣትካ ነዝ ከማኻ ዝበለ ሰብ እዩ ዝጐድእ፤
ፅድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዝጠቕም።
9ካብ ብዝሒ ግፍዒ ዝተልዓለ ሰባት የእውዩ፤
ካብ ቅልፅም ሓያላት ዝተልዓለውን ዘናግፍ ንምርካብ ይፅውዑ።
10-11ግና ብለይቲ መዝሙር ዝህብ፥
ካብ እንስሳት ምድሪ ብዝበለፀ ዝምህረና፥
ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊፁ ጥበበኛታት ዝገብረና፥
ፈጣሪየይ እግዚኣብሄር ኣበይ እዩ ዝብል የለን።
12ኣብኡ ስለ ትዕቢት ክፉኣት ሰባት የእውዩ፤
ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።
13ብሓቂ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ነገር ኣይሰምዕን፤
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣይምልከቶን።
14ምናዳ “ኣይሪኦን” እንተ በልካ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽሰምዐካ!
ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፤
ንስኻውን ተፀበዮ።
15እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ንሰብ ዘይቐፅዖ፤
ንሓጢኣትውን ሸለል ዝብሎዶ፥ ይመስለካ ኣሎ?
16ስለዙይውን ኢዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፤
ብዘይ ፍልጠት ከዓ ዘረባ የብዝሕ።
Currently Selected:
ኢዮብ 35: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 35
35
እግዚኣብሄር ልዕሊ ዅሉ እዩ
1ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2እዙይ ፅድቂ ኸም ዝኾነዶ ትሓስብ ኣለኻ?
ወይ ከዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር “ፃድቕ እየዶ” ትብል ኣለኻ?
3ንስኻ እንታይ ጥቕሚ ኣለካ?
“ሓጢኣት ሰሪሐ ኻብ ዝረኽቦ ብዝበለፀ፥
ሓጢኣት እንተ ዘይሰሪሐ እንታይ እረብሕ?” ኢልካ ጠይቕካ ኢኻሞ።
4ነዙይስ ኣነ ኽምልሰልካ፤
ኣነ ንኣኻን ምሳኻ ንዘለዉ ብፆትካን ክምልስ እየ።
5እስኪ ኣዒንትኻ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ጠምት፤
ነቲ ኻባኻ ልዕል ዝበለ ደመናውን ተመልከቶ።
6ሓጢኣት እንተ ገበርካ፥ እንታይ ትጐድኦ?
በደልካ እንተ በዝሐኸ እንታይ ትገብሮ?
7ፃድቕ እንተ ኾንካ እንታይ ትህቦ?
ካብ ኢድካ ዝቕበሎኸ እንታይ እዩ?
8 #
ኢዮብ 22፡2-3። ሓጢኣትካ ነዝ ከማኻ ዝበለ ሰብ እዩ ዝጐድእ፤
ፅድቅኻውን ንወዲ ሰብ እዩ ዝጠቕም።
9ካብ ብዝሒ ግፍዒ ዝተልዓለ ሰባት የእውዩ፤
ካብ ቅልፅም ሓያላት ዝተልዓለውን ዘናግፍ ንምርካብ ይፅውዑ።
10-11ግና ብለይቲ መዝሙር ዝህብ፥
ካብ እንስሳት ምድሪ ብዝበለፀ ዝምህረና፥
ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊፁ ጥበበኛታት ዝገብረና፥
ፈጣሪየይ እግዚኣብሄር ኣበይ እዩ ዝብል የለን።
12ኣብኡ ስለ ትዕቢት ክፉኣት ሰባት የእውዩ፤
ንሱ ግና ኣይምልሰሎምን።
13ብሓቂ እግዚኣብሄር ንኸንቱ ነገር ኣይሰምዕን፤
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣይምልከቶን።
14ምናዳ “ኣይሪኦን” እንተ በልካ ደኣ ኸመይ ኢሉ ኽሰምዐካ!
ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፤
ንስኻውን ተፀበዮ።
15እግዚኣብሄር ተቘጢዑ ንሰብ ዘይቐፅዖ፤
ንሓጢኣትውን ሸለል ዝብሎዶ፥ ይመስለካ ኣሎ?
16ስለዙይውን ኢዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፤
ብዘይ ፍልጠት ከዓ ዘረባ የብዝሕ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in