YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 34

34
1ኤሊሁ ብምቕፃል ከምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2ኣቱም ጠቢባን፥ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፤
ኣቱም ፈላጣትውን፥ ናባይ ኣቕልቡ።
3ከምቲ ትሕናግ ንብልዒ ዘስተማቕሮ፥
እዝኒ ድማ ንዘረባ ይፈልዮ እዩሞ።
4ቅኑዕ ዝኾነ ነገር ንምረፅ፤
ኣብ ማእኸልና ፅቡቕ ነገር ንፍለጥ።
5ኢዮብ፥ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ኸልአኒ እምበር፥
ኣነስ ፃድቕ እየ፤
6ቅኑዕ እንተለኹ ኸም ሓሳዊ ተቘፀርኩ፤
ዝኾነ እንተይበደልኩ፥ ቍስለይ ዘይሓዊ እዩ ተብሂሉ ኣሎ።
7ንላግፂ ኸም ማይ ዝሰቲ፥ ከም ኢዮብ ዝበለ ሰብ ኣበይ ይርከብ?
8-9“ሰብ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንተ ተኸተለ፥
ዝኾነ እኳ ኣይጠቕሞን እዩ” ኢሉ እዩ እሞ፥
መሓዛ ገበርቲ ኽፉእን ምስቶም ሓጥኣን ዝሓበረን ሰብ እዩ።
10ስለዙይ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፥ እስኪ ስምዑኒ፤
ክፍኣት ክገብርስ፥ ካብ እግዚኣብሄር፥
በደልውን ክሰርሕስ ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ይርሓቕ።
11 # መዝ. 62፡12። ንሰብ ከከም ግብሩ ይፈድዮ፤
ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።
12ብርግፅ እግዚኣብሄር ክፉእ ኣይገብርን፤
እቲ ዅሉ ዝኽእል ድማ ፍትሒ ኣየቐይንን እዩ።
13ንምድሪ ሓደራ ዝሃቦ መን እዩ?
ንዅሉ ዓለምከ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበረ መን እዩ?
14ንሱ ንልቡ ናብ ባዕሉ እንተ ዝምልስ፥
መንፈሱን እስትፋሱን ናብ ባዕሉ እንተ ዝእክብ፥
15ኵሉ ስጋ ዝለበሰ ሓቢሩ ምጠፍአ፤
ሰብ ከዓ ናብ መሬት ምተመለሰ ነይሩ።
16ኢዮብ፥ መስተውዐሊ እንተ ዄንካ ነዙይ ስማዕ፤
ናብ ድምፂ ቓለይውን ኣቕልብ።
17ብሓቂ ፅድቂ ዝፀልእዶ ኽገዝእ ይኽእል እዩ?
ነቲ ፃድቕን ሓያልን ዝኾነኸ ንስኻዶ በደለኛ ትገብሮ ኢኻ?
18ዝኾነ ሰብዶ “ንንጉስ በዳሊ ኢኻ”
ነሕሉቕ ከዓ “ክፉኣት ኢኹም” ይብል እዩ?
19ኵላቶም ስራሕ ኣእዳዉ እዮም እሞ፥
ገፅ ኣሕሉቕ ሪኡ ኣየዳሉን እዩ፤
ንሃብታም ካብ ድኻ ኣብሊፁ ኣይሪኦን እዩ።
20ንሳቶም ከም ቅፅበት ዓይኒ ፍርቂ ለይቲ ይሞቱ፤
እቲ ህዝቢ ተንቀጥቂጡ ይሓልፍ፤
ሓያላትውን፥ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።
21ኣዒንቱ ኣብ መንገዲ ሰብ እየንሞ፥
ንዅሉ ስጕምቶም ይሪኦ እዩ።
22እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ፥
ፀልማት ወይ ድነ ሞት የለን።
23ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንኽፍረድ
ክመፅእ ቆፀራ ኽሕዘሉ ኣየድልዮን እዩ።
24ንሓያላት ብዘይ ምርመራ ይሰባብሮም፤
ክንድኣቶም ከዓ ኻልኦት የቕውም።
25ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ፤
ንኽደቁውን ብለይቲ ይገለባብጦም።
26ሰባት እናረአዩ ኸም ክፉኣት ይወቕዖም።
27እዙይ ከዓ ንእኡ ኻብ ምኽታል ስለ ዘግለሱ፥
ንዅለን ትእዛዛቱውን ስለ ዝነዓቑ እዩ።
28ንሳቶም ብኽያት ድኻ ናብ እግዚኣብሄር ከም ዝበፅሕ ስለ ዝገበሩ፥
እግዚኣብሄር ከዓ ገዓር ውፁዓት ሰምዐ።
29-30ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥
ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥
ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥
መን እዩ ዝዅንኖ?
ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
31ኣነ ንእግዚኣብሄር እንተይበደልኩ
ቅፅዓት ተቐበልኩ፤
32ንዘይሪኦ ነገር ንስኻ መሃረኒ፤
በዲለ እንተ ኾይነውን መሊሰ ኣይብድልን ዝብሎ መን እዩ?
33ብሓቂ ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻሞ፥
ከምቲ እትደልዮ ገይሩዶ ኽፈዲ እዩ?
እትመርፅ ንስኻ ኢኻ እምበር ኣነ ኣይኮንኩን፤
ስለዙይ እትፈልጦ ተናገር።
34-35ኵሎም ዝሰምዑኒ ጥበበኛታት፥
መስተውዓልቲውን ከምዙይ ይብሉኒ፦
“ኢዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዝዛረብ፤
ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ” ኽብሉኒ እዮም።
36-37ኣብ ቅድሚ ዅልና ድማ ብኢድ የጣቕዕ ኣሎ፤
ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርውን ቃል የብዝሕ ኣሎሞ፥
ንሱ ኸምቶም ክፉኣት ሰባት እዩ ዝምልስ እሞ፥
ኢዮብ ኣበይሞ ኽሳዕ መወዳእታ እንተ ዝፍተን!

Currently Selected:

ኢዮብ 34: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in