ኢዮብ 36
36
1ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦
2ኢዮብ፥ ገና ስለ እግዚኣብሄር ዝንገር ኣለኒ እሞ፥
ቁሩብ ተፀበየኒ፤ ኣነውን ከፍልጠካ እየ።
3ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምፅኦ እየ፤
ፈጣሪየይውን ፃድቕ እዩ እብል ኣለኹ።
4ብሓቂ፥ ዘረባይ ሓሰት ኣይኮነን፤
ብፍልጠትውን ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ።
5እንሆ፥ እግዚኣብሄር ሓያል እዩ፤
ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፤
ንሱ ብብርቱዕ ምስትውዓሉ ሓያል እዩ።
6ንሱ ንህይወት ሓጥኣን ኣየድሕንን እዩ፤
ንዝተገፍዑ ግና ፍትሒ ይህብ።
7ኣዒንቱ ኻብ ፃድቃን ኣየርሕቕን፤
ንዘለኣለምውን ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋን የቐምጦም፤
ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ።
8ግና ሰባት ብሰንሰለት እንተ ተኣስሩ፥
ብገመድ ሽግርውን እንተ ተትሓዙ፥
9ንሱ ንተግባሮምን፥ ምትሕልላፎምን፥
ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎን የፍልጦም።
10ተግሳፁ ንኽሰምዑ ኣእዛኖም ይኸፍተሎም፤
ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም።
11እንተ ሰሚዖምዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፥
መዓልትታቶም ብሰናይ፥
ዓመታቶም ድማ ብደስታ ይፍፅሙ።
12እንተ ዘይሰምዑ ግና፥ ብሰይፊ ኽጠፍኡ፥
ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም።
13እቶም ግብዛት ግና ቝጥዓ የብዝሑ፤
እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
14ነፍሶም ብሸዊታ ትቕሰፍ፤
ህይወቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርኹሳት ትጠፍእ።
15ንሽጉራት ብሽግሮም ገይሩ የድሕኖም፤
በቲ ጭንቀቶምውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ መከራ ኸናግፈካ፥
ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውፅአካ፥
ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ።
17ንስኻ ግና ብፍርዲ በደልቲ ዝተመላእኻ ኢኻ፤
ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤
ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።
19ሃብትኻን ኵሉ ምብርታዕ ሓይልኻን፥
ካብ ጭንቂ ኸውፅአካዶ ይኽእል እዩ?
20ነታ ኣህዛብ ካብ ቦታኦም ዝውሰዱላ ለይቲ ኣይትመነያ።
21ካብ መከራ ነዙይ መሪፅካ ኢኻሞ፥
ናብ ሓጢኣት ከይትምለስ ተጠንቀቕ።
22እንሆ፥ እግዚኣብሄር ብሓይሉ ልዕል ዝበለ ነገር ይገብር፤
ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?
23ንኣምላኽ መንገዲ ዝሓበረሉ መን እዩ?
“ሓጢኣት ጌርካ” ዝብሎኸ መን እዩ?
24ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥
ንኽተኽብርውን ሕሰብ።
25ኵሎም ሰባት እዮም ዝጥምትዎ፤
ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣማዕድዩ ይሪኦ።
26እንሆ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤
ንሕናውን ኣይንፈልጦን፤
ቍፅሪ ዘመኑውን ኣይምርመርን።
27ንነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕቦ፤
ካብ ግመውን ዝናም የዝንም።
28ደመናት የዝንሙ፤
ኣብ ልዕሊ ሰባትውን ብብዝሒ የንጠብጥቡ።
29ንምዝርጋሕ ደመናን፥
ንነጐድጓድ መሕደሪኡን ዘስተውዕሎ መን እዩ?
30ኣብ ዙርያኡ ብርሃኑ ይዝርግሕ፤
ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ።
31በዝ ኸምዙይ ኣብ ኣህዛብ ይፈርድ፤
ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህቦም።
32ነእዳዉ ብብርሃን ይስውረን፤
ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኽድይብ ድማ ይእዝዞ።
33ድምፂ ነጐድጓድ ምእንታኡ ይናገር፤
በዙይ ድማ እንስሳት መሸምቦባ ኸም ዝቐረበ ይፈልጡ።
Currently Selected:
ኢዮብ 36: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 36
36
1ኤሊሁ መሊሱ ኸምዙይ በለ፦
2ኢዮብ፥ ገና ስለ እግዚኣብሄር ዝንገር ኣለኒ እሞ፥
ቁሩብ ተፀበየኒ፤ ኣነውን ከፍልጠካ እየ።
3ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምፅኦ እየ፤
ፈጣሪየይውን ፃድቕ እዩ እብል ኣለኹ።
4ብሓቂ፥ ዘረባይ ሓሰት ኣይኮነን፤
ብፍልጠትውን ፍፁም ዝኾነ ምሳኻ ኣሎ።
5እንሆ፥ እግዚኣብሄር ሓያል እዩ፤
ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን እዩ፤
ንሱ ብብርቱዕ ምስትውዓሉ ሓያል እዩ።
6ንሱ ንህይወት ሓጥኣን ኣየድሕንን እዩ፤
ንዝተገፍዑ ግና ፍትሒ ይህብ።
7ኣዒንቱ ኻብ ፃድቃን ኣየርሕቕን፤
ንዘለኣለምውን ምስ ነገስታት ኣብ ዙፋን የቐምጦም፤
ንሳቶምውን ልዕል ልዕል ይብሉ።
8ግና ሰባት ብሰንሰለት እንተ ተኣስሩ፥
ብገመድ ሽግርውን እንተ ተትሓዙ፥
9ንሱ ንተግባሮምን፥ ምትሕልላፎምን፥
ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎን የፍልጦም።
10ተግሳፁ ንኽሰምዑ ኣእዛኖም ይኸፍተሎም፤
ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም።
11እንተ ሰሚዖምዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፥
መዓልትታቶም ብሰናይ፥
ዓመታቶም ድማ ብደስታ ይፍፅሙ።
12እንተ ዘይሰምዑ ግና፥ ብሰይፊ ኽጠፍኡ፥
ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም።
13እቶም ግብዛት ግና ቝጥዓ የብዝሑ፤
እንተ ኣሰሮም እኳ ኣየእውዩን።
14ነፍሶም ብሸዊታ ትቕሰፍ፤
ህይወቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርኹሳት ትጠፍእ።
15ንሽጉራት ብሽግሮም ገይሩ የድሕኖም፤
በቲ ጭንቀቶምውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።
16ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ መከራ ኸናግፈካ፥
ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውፅአካ፥
ስቡሕ ማእዲውን ከቕርበልካ እዩ።
17ንስኻ ግና ብፍርዲ በደልቲ ዝተመላእኻ ኢኻ፤
ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።
18ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤
ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።
19ሃብትኻን ኵሉ ምብርታዕ ሓይልኻን፥
ካብ ጭንቂ ኸውፅአካዶ ይኽእል እዩ?
20ነታ ኣህዛብ ካብ ቦታኦም ዝውሰዱላ ለይቲ ኣይትመነያ።
21ካብ መከራ ነዙይ መሪፅካ ኢኻሞ፥
ናብ ሓጢኣት ከይትምለስ ተጠንቀቕ።
22እንሆ፥ እግዚኣብሄር ብሓይሉ ልዕል ዝበለ ነገር ይገብር፤
ከምኡ ገይሩ ዝምህርከ መን ኣሎ?
23ንኣምላኽ መንገዲ ዝሓበረሉ መን እዩ?
“ሓጢኣት ጌርካ” ዝብሎኸ መን እዩ?
24ነቲ ሰባት ዝወደስዎ ስራሑ፥
ንኽተኽብርውን ሕሰብ።
25ኵሎም ሰባት እዮም ዝጥምትዎ፤
ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣማዕድዩ ይሪኦ።
26እንሆ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፤
ንሕናውን ኣይንፈልጦን፤
ቍፅሪ ዘመኑውን ኣይምርመርን።
27ንነጠብጣብ ማይ ናብ ላዕሊ ይስሕቦ፤
ካብ ግመውን ዝናም የዝንም።
28ደመናት የዝንሙ፤
ኣብ ልዕሊ ሰባትውን ብብዝሒ የንጠብጥቡ።
29ንምዝርጋሕ ደመናን፥
ንነጐድጓድ መሕደሪኡን ዘስተውዕሎ መን እዩ?
30ኣብ ዙርያኡ ብርሃኑ ይዝርግሕ፤
ንመዓሙቝ ባሕሪ እውን ይሽፍኖ።
31በዝ ኸምዙይ ኣብ ኣህዛብ ይፈርድ፤
ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህቦም።
32ነእዳዉ ብብርሃን ይስውረን፤
ኣብ ልዕሊ ፀላእቱ ኽድይብ ድማ ይእዝዞ።
33ድምፂ ነጐድጓድ ምእንታኡ ይናገር፤
በዙይ ድማ እንስሳት መሸምቦባ ኸም ዝቐረበ ይፈልጡ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in