YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 33

33
1“ኦ ኢዮብ፥ ሕዚ ግና ንዘረባይ ስማዕ፤
ንዅሉ ቓለይ ከዓ ፅን ክትብሎ እልምነካ ኣለኹ።
2እንሆ ኣፈይ እኸፍት ኣለኹ።
መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ፤
3ቃለይ ቅንዕና ልበይ የውፅእ፤
ከናፍረይ ከዓ ነቲ ዝፈልጥዎ ብቕንዕና ይናገሩ ኣለዉ።
4መንፈስ እግዚኣብሄር እዩ ዝፈጠረኒ፤
እስትንፋስ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ህይወት ዝሃበኒ።”
5“እንተ ኽኢልካስ መልሰለይ፤
ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።
6እንሆ፥ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከማኻ እየ፤
ኣነውን ካብ መሬት ዝተፈጠርኩ እየ።
7ስለዙይ ግርማይ ኣየፍርሐካን፤
ኢደይውን ኣይኸብደካን እዩ።”
8“ኣብ እዝነይ ተዛሪብካ ኢኻ፤
ንድምፂ ቓልካውን ሰሚዐዮ ኣለኹ፤
ከምዙይ ድማ በልካ፦
9‘ኣነ በደል የብለይን፤ ንፁህ እየ፤
ሓጢኣትውን የብለይን።
10እንሆ፥ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፤
ከም ፀላኢኡውን ይሪአኒ ኣሎ።
11ነእጋረይ ኣብ ጕንዲ ኣሰረን፤
ንዅለን መንገድታተይውን ይቋመተን ኣሎ’ ትብል ኣለኻ።”
12“እንተ ኾነ እግዚኣብሄር ካብ ሰብ ይበልፅ እዩ እሞ፥
በዙይስ ትኽክል ኣይኮንካን ኢለ እምልሰልካ ኣለኹ።
13‘ንዅሉ ቓለይ ኣይምልሰለይን’ እናበልካ፥
ስለ ምንታይ ኢኻ ምስኡ እትከራኸር?
14ሰብ ደኣ ኣየቕልበሉን እዩ እምበር፥
እግዚኣብሄርስ ብሓደ መንገዲ ወይ ብኻልእ ይዛረብ እዩ።
15 # ኢዮብ 4፡13። ሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፥
ኣብ ዓራቱውን ምስ ደቀሰ፥
ኣምላኽ ብሕልምን ብናይ ለይቲ ራእይን ይዛረቦ።
16ንሰብ ይግስፆ፤ ንሱ ኸዓ ንእዝኒ ሰብ ይኸፍቶ፤ ብተግሳፁውን የደንግፆ።
17ንሰብ ሓጢኣት ካብ ምግባር ምእንቲ ኽመልሶ፥
ካብ ትዕቢትውን ክስውሮ፥
18ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ፥
ብሰይፊ እውን ንኸይጠፍእ ንህይወቱ ይሕሉ።
19ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቅያት፥
ኣብ ኵሉ ዓፅሙ ብቓንዛ ይቕፃዕ።
20ሽዑ ህይወቱ ንእንጀራ፥
ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፀልእ።
21ስጋኡ ዘይረአ ኽሳዕ ዝኸውን ስጋኡ ይማስን፤
ተሸፊኑ ዝነበረ ኣዕፅምቱ ይግለፅ።
22ነፍሱ ናብ መቓብር፥
ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።”
23“ካብ ኣሽሓት መላእኽቲ ሓደ ማእኸላይ እንተ ዝርከብ፥
ንሰብውን እታ ቕንዕቲ መንገዲ እንተ ዘፍልጦ፤
24ራህሪሁሉውን ‘ቤዛ ተረኺቡሉ እዩ እሞ፥
ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ፥
25ሽዑ ስጋኡ ኸም ናይ ህፃን ስጋ ይልምልም፤
ናብ መዓልቲታት ጕብዝናኡ ይምለስ።
26ናብ እግዚኣብሄር ይፅሊ፤ ንሱውን ሞገስ ይህቦ፤
ገፁውን ብሓጐስ የርእዮ፤
ንሰብውን ፅድቁ ይምልሰሉ።
27-28ሽዑ ንሱ ‘ኣነ በደልኩ፤
ነቲ ቕኑዕውን ኣቐይነንኩ፤
ኣምላኽ ግና ኸም ዝግብአኒ ኣይፈደየንን፤
ንነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ኣድሒኑዋ እዩ፤
ህይወተይውን ብርሃን ትርኢ ኣላ’
ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።”
29“እግዚኣብሄር ነዝ ዅሉ፥
ክልተ ጊዜ ሰለስተ ጊዜ ምስ ሰብ ይገብሮ።
30እዙይውን ንነፍሱ ኻብ ጕድጓድ ንኽመልስ፥
ብብርሃን ህያዋንውን ንኸብርህ እዩ።”
31“ኢዮብ፥ እምበኣር ኣስተውዒልካ ስምዐኒ፤
ስቕ በል እሞ ኣነ ኽዛረብ እየ።
32እትብሎ እንተ ሃልዩካ ግና መልሰለይ፤
ክትፀድቕ እደሊ እየሞ ተናገር።
33እንተ ዘይኮነ ነኣይ ፅን ኢልካ ስምዐኒ፤
ኣነ ድማ ጥበብ ክምህረካ እየ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 33: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in