ኢዮብ 31
31
1“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤
ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?
2እቲ ግደ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ
እቲ ርስቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል፥
ካብ ኣርያም እንታይ እዩ?
3ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥
ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?
4ንሱስ ንመንገደይዶ ኣይሪኣን እዩ?
ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?”
5“ኣነ ብሓሰት ዝነብር እንተ ነይረ፥
እግረይውን ንምትላል ጐይዩ እንተ ኾይኑ፥
6እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤
ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።
7ኣካይዳይ ካብ ቅኑዕ መንገዲ እንተ ዘምቢሉ፥
ዓይነይ ዝረአዮ ልበይ ተመንይዎ እንተ ኾይኑ፥
ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥
8ነቲ ዝዘርኦ ኻልእ ይብልዓዮ፤
ኵሉ ዝበቍልውን ካብ ሱሩ ይበቘስ።”
9“ልበይ ናብ ካልእ ሰበይቲ ጐምጅዩ እንተ ኾይኑ፥
ኣብ ደገ ቤት ብፃየይ ተፀናትየ እንተ ኾይነ፥
10ሰበይተይ ንኻልእ ሰብ ትጥሓን፤
ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ።
11እዝ ነውሪ እዙይ፥ ወንጀል እዩ፤
ፈረድቲ እውን ዝቐፅዑሉ በደል እዩሞ።
12እዙይ ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፥
ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።”
13“ተባዕታይ ባርያይን ኣንስተይቲ ባርያይን፥
ምሳይ ምስተማጐቱ ምጕቶም ንዒቐ እንተ ኾይነ፥
14እግዚኣብሄር ክፈርደኒ ምስ ተስአ እንታይ ክገብር እየ?
ምስ ተቘፃፀረኒኸ፥ እንታይ ክምልሰሉ እየ?
15እቲ ንኣይ ኣብ ማህፀን ዝፈጠረ፥
ንእኡስ ዝፈጠሮዶ ኣይኮነን?
እቲ ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝሰርሐናስ ሓደዶ ኣይኮነን።”
16“እቲ ምስኪን ለሚኑኒ ኸሊአዮ እንተ ኾይነ፥
ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥
17ቍራስ እንጀራይ በይነይ እንተ በሊዐ፥
እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥
18እኳ ደኣ ንደኽታም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥
ከም ኣቦ ኾይነ ኣዕበኽዎ፤
ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ።
19ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ክጠፍእ፥
ወይ ንድኻ ብዘይ ክዳን ምዃኑ ምስ ረአኽዎ፥
20ካብ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ዝተኣልመ ኽዳን ሂበ እንተ ዘየሚቘዮ፥
ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ”
21“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤
ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥
22ቅልፅመይ፥ ካብ መንኰበይ ይፈለ፤
ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር።
23ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥
ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”
24“ንወርቂ ተስፋ ገይረ፥
ንፅሩይ ወርቂውን ‘መተኣማመንየይ ኢኻ’ ኢለዮ እንተ ኾይነ፥
25ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥
26ድምቀት ብርሃን ፀሓይ ሪአ፥
ነቲ ኽቡር ኣካይዳ ወርሒውን ጠሚተ እንተ ኾይነ።
27ልበይ ብስዉር ተታሊሉ፥
ኣፈይውን ንኢደይ ስዒሙ እንተ ኾይኑ፥
28ከምዙይ ምግባር ንልዑል እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩሞ፥
እዙይ ከዓ ፈራዶ ዝቐፅዑሉ በደል ምዀነ ነይሩ።”
29“ብጕድኣት ፀላእየይ ደስ ኢሉኒ እንተ ኾይኑ፥
መከራ ምስ ወረዶውን ተሓጕሰ እንተ ኾይነ፥
30ግና ብመርገም ንነፍሱ ብምድላይ፥
መልሓሰይ ሓጢኣት ክሰርሕ ኣይፈቐድኩን።
31ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥
ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥
32ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤
መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”
33“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥
ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
34ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥
ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥
ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”
35“ኣየ! ዝሰምዐኒ እንተ ዝረክብ!
እነሆ ፅሕፈት ኢደይ፥
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ መልሲ ይመልሰለይ!
እቲ ኸሳስየይ ድማ ኽሱ ፅሒፉ እንተ ዘቕርብ!
36ኣብ ማእገረይ ምፆርክዎ፤
ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ።
37ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ መፍለጥክዎ፤
ከም ሓለቓ ኾይነ ኸዓ ምቐረብክዎ ነይረ።”
38“ግራተይ ብኣይ ኣእውያ እንተ ኾይና፥
ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥
39ንፍሪኣ ብዘይ ዋጋ በሊዐ፥
ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥
40ሽዑ ኽንዲ ስርናይ ክርዳድ፥
ክንዲ ስገም ከዓ ሰዓዕ ተብቍለለይ።”
ዘረባ ኢዮብ ኣብዙይ ተፈፀመ።
Currently Selected:
ኢዮብ 31: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 31
31
1“ምስ ዓይነይ ቃል ኪዳን ኣተኹ፤
ደጊም ናብ ቆንጆ ኸመይ ኢለ ኽርኢ?
2እቲ ግደ ኣምላኽ ኣብ ላዕሊ
እቲ ርስቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል፥
ካብ ኣርያም እንታይ እዩ?
3ጥፍኣት ንዓመፅቲ፥
ዕንወትውን ንገበርቲ ኽፉእዶ ኣይኮነን?
4ንሱስ ንመንገደይዶ ኣይሪኣን እዩ?
ንዅለን ስጕምታተይከ ኣይቘፅረንን ድዩ?”
5“ኣነ ብሓሰት ዝነብር እንተ ነይረ፥
እግረይውን ንምትላል ጐይዩ እንተ ኾይኑ፥
6እግዚኣብሄር ብቕኑዕ ሚዛን ይምዘነኒ፤
ንፁህ ምዃነይ ከዓ ኽፈልጥ እዩ።
7ኣካይዳይ ካብ ቅኑዕ መንገዲ እንተ ዘምቢሉ፥
ዓይነይ ዝረአዮ ልበይ ተመንይዎ እንተ ኾይኑ፥
ኣእዳወይውን ብሓጢኣት ረሲሐን እንተ ኾይነን፥
8ነቲ ዝዘርኦ ኻልእ ይብልዓዮ፤
ኵሉ ዝበቍልውን ካብ ሱሩ ይበቘስ።”
9“ልበይ ናብ ካልእ ሰበይቲ ጐምጅዩ እንተ ኾይኑ፥
ኣብ ደገ ቤት ብፃየይ ተፀናትየ እንተ ኾይነ፥
10ሰበይተይ ንኻልእ ሰብ ትጥሓን፤
ካልኦት ሰባትውን ምስኣ ይደቅሱ።
11እዝ ነውሪ እዙይ፥ ወንጀል እዩ፤
ፈረድቲ እውን ዝቐፅዑሉ በደል እዩሞ።
12እዙይ ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፥
ንዅሉ በቝለይውን ካብ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ።”
13“ተባዕታይ ባርያይን ኣንስተይቲ ባርያይን፥
ምሳይ ምስተማጐቱ ምጕቶም ንዒቐ እንተ ኾይነ፥
14እግዚኣብሄር ክፈርደኒ ምስ ተስአ እንታይ ክገብር እየ?
ምስ ተቘፃፀረኒኸ፥ እንታይ ክምልሰሉ እየ?
15እቲ ንኣይ ኣብ ማህፀን ዝፈጠረ፥
ንእኡስ ዝፈጠሮዶ ኣይኮነን?
እቲ ኣብ ውሽጢ ማህፀን ዝሰርሐናስ ሓደዶ ኣይኮነን።”
16“እቲ ምስኪን ለሚኑኒ ኸሊአዮ እንተ ኾይነ፥
ንዓይኒ መበለትውን ከርተት ኣቢለ እንተ ኾይነ፥
17ቍራስ እንጀራይ በይነይ እንተ በሊዐ፥
እቲ ደኽታም ድማ ኻብኡ እንተይበልዐ ተሪፉ እንተ ኾይኑ፥
18እኳ ደኣ ንደኽታም ካብ ንእስነተይ ጀሚረ፥
ከም ኣቦ ኾይነ ኣዕበኽዎ፤
ንመበለት ድማ ኻብ ማህፀን ጀሚረ መራሕኽዋ።
19ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ክጠፍእ፥
ወይ ንድኻ ብዘይ ክዳን ምዃኑ ምስ ረአኽዎ፥
20ካብ ፀጕሪ ኣባጊዐይ ዝተኣልመ ኽዳን ሂበ እንተ ዘየሚቘዮ፥
ንሱ ኸዓ ብምሉእ ልቡ እንተ ዘይመሪቑኒ”
21“ኣብ ቤት ፍርዲ ተሰማዕነት ኣለኒ ኢለ፤
ንደኽታም ገፊዐዮ እንተ ኾይነ፥
22ቅልፅመይ፥ ካብ መንኰበይ ይፈለ፤
ኢደይውን ኣብቲ ዅርናዕ ይሰበር።
23ናይ እግዚኣብሄር መዓት ኣደንጊፁኒ እዩሞ፥
ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።”
24“ንወርቂ ተስፋ ገይረ፥
ንፅሩይ ወርቂውን ‘መተኣማመንየይ ኢኻ’ ኢለዮ እንተ ኾይነ፥
25ኢደይ ሃብቲ ኣምፂኣትለይ ኢለ፥ ተመኪሐ እንተ ኾይነ፥
26ድምቀት ብርሃን ፀሓይ ሪአ፥
ነቲ ኽቡር ኣካይዳ ወርሒውን ጠሚተ እንተ ኾይነ።
27ልበይ ብስዉር ተታሊሉ፥
ኣፈይውን ንኢደይ ስዒሙ እንተ ኾይኑ፥
28ከምዙይ ምግባር ንልዑል እግዚአብሔር ምኽሓድ እዩሞ፥
እዙይ ከዓ ፈራዶ ዝቐፅዑሉ በደል ምዀነ ነይሩ።”
29“ብጕድኣት ፀላእየይ ደስ ኢሉኒ እንተ ኾይኑ፥
መከራ ምስ ወረዶውን ተሓጕሰ እንተ ኾይነ፥
30ግና ብመርገም ንነፍሱ ብምድላይ፥
መልሓሰይ ሓጢኣት ክሰርሕ ኣይፈቐድኩን።
31ኣብ ድንኳነይ ዝነብሩ ሰባት ብስጋ ኸፍቱ፥
ዘይፀገበ መን ይርከብ ኢሎም እንተ ዘይኮይኖም፥
32ገዛይ ንጋሻ ኽፉት ነበረ፤
መፃእተኛ ኣብ ደገ ኣይሓድርን ነይሩ።”
33“በደለይ ኣብ ጓጓይ ብምሕባእ፥
ሓጥያተይ ከም ሰብ ሰዊረ እንተ ኾይነ፥
34ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዝተልዓለ ፈሪሐ፥
ንዕቐት ኣዝማደይ ኣፍሪሑኒ፥
ስቕ ኢለ ናብ ደገ ዘይወፃእኹ እንተ ኾይነ፥”
35“ኣየ! ዝሰምዐኒ እንተ ዝረክብ!
እነሆ ፅሕፈት ኢደይ፥
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ መልሲ ይመልሰለይ!
እቲ ኸሳስየይ ድማ ኽሱ ፅሒፉ እንተ ዘቕርብ!
36ኣብ ማእገረይ ምፆርክዎ፤
ኣኽሊል ገይረውን ኣብ ርእሰይ ምደፋእኽዎ።
37ኵሉ እቲ ዝገበርክዎ መፍለጥክዎ፤
ከም ሓለቓ ኾይነ ኸዓ ምቐረብክዎ ነይረ።”
38“ግራተይ ብኣይ ኣእውያ እንተ ኾይና፥
ትልምታታ ድማ ብሕብረት በኽዮም እንተ ኾይኖም፥
39ንፍሪኣ ብዘይ ዋጋ በሊዐ፥
ንነፍሲ ዋናታታ ኣሕዚነ እንተ ደኣ ኾይነ፥
40ሽዑ ኽንዲ ስርናይ ክርዳድ፥
ክንዲ ስገም ከዓ ሰዓዕ ተብቍለለይ።”
ዘረባ ኢዮብ ኣብዙይ ተፈፀመ።
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in