ኢዮብ 32
32
ኤሊሁ ኣብቲ ኽትዕ ከም ዝተፀመረ
(32፡1—37፡24)
1ኢዮብ “ፃድቕ ሰብ እየ” ኢሉ ዝኣምን ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ። 2ሽዑ፥ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ካብ ወገን ራም ዝኾነ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ፤ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ኢዮብ ንባዕሉ ኣፅዲቑ ነበረሞ፥ ኣበርቲዑ ዀረየሉ። 3እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ግና ምላሽ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ ኣብ ኢዮብውን ስለ ዝፈረዱ፥ ኤሊሁ ዀረየሎም። 4ንኤሊሁ ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ ንሳቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኤሊሁ እንተይተዛረበ ፀንሐ። 5ኤሊሁ፥ ሰለስቲኦም ዝምልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ።
6ኤሊሁ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
“ኣነ ብዕድመ ንእሽተይ እየ፤
ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፤
ስለዙይ ከዓ ሓፊረ ኽሳዕ ሕዚ ስቕ በልኩ፤
ሓሳበይውን ኣይገለፅኩልኩምን።
7ኣነ፥ እተን መዓልቲታት ይዛረባ፤
ብዝሒ ዓመታት ከዓ ጥበብ የፍልጥ፥
ኢለ ሓሰብኩ።
8ግና ኣብ ውሽጢ ሰብ መንፈስ ኣሎ፤
ግና መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ምስትውዓል ዝህብ።
9ዓበይቲ ጥራሕ ኣይኮኑን ጠቢባን ዝኾኑ፥
ሽማግለታትውን ኣይኮኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ።
10ስለዙይ፥ ኣነውን ‘ፍልጠት ክገልፅስ
ስምዑኒ’ እብል ኣለኹ።”
11“እንሆ፥ ንቓልኩም ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤
ቃላት ክትሓርዩ እንተለኹምውን፥
ንቑም ነገርኩም ፅን በልኩ።
12ከምኡውን ልቢ በልኩ፤
እንሆ ኻባኻትኩም ንኢዮብ ዘረድአ፥
ወይ ንቓሉ መልሲ ዝሃበ የለን።
13ኢዮብ ግቡእ መልሲ ኽህቦ ዝኽእል፥
ንስኻትኩም ጥበብ ረኺብና ኣለና፥
እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ኣየሸንፎን፥
ከይትብሉ ተጠንቀቑ።
14ኢዮብ ምሳኻትኩም እምበር ምሳይ ኣይተዛረበን፤
ከምቲ ዘረባኹም ገይረ ኸዓ ኣይምልሰሉን እየ።”
15“ንሳቶም ደንጊፆም ዘረባ ስኢኖም ኣለዉ፤
እንታይ ከም ዝዛረቡ ኸዓ ጠፊእዎም ኣሎ።
16ንሳቶም ሓደኳ ኣይተናገሩንሞ፥
ደው ኢሎምውን ኣይመለሱንሞ፥
ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ?
17ኣነውን ብታራይ ክምልስ፥
ሓሳበይ ድማ ኽገልፅ እየ።
18ቃል መሊኡኒ ኣሎሞ፥
እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ።
19እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ፥
ብጕዕሽ ወይኒ ኽቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።
20ቁሩብ ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፥
ከናፍረይ ከፊተ፥ ክምልስ ክጅምር እየ።
21ንገፅ ሰብ ግና ኣየዳሉን እየ፤
ንሰብውን ኣየቀባጥርን እየ።
22ምቅብጣር እኳ ኣይፈቱን እየ፤
ከምኡ እንተ ዝኸውንማ፥
ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ካብ ህይወተይ ምፈለየኒ ነይሩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 32: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 32
32
ኤሊሁ ኣብቲ ኽትዕ ከም ዝተፀመረ
(32፡1—37፡24)
1ኢዮብ “ፃድቕ ሰብ እየ” ኢሉ ዝኣምን ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ። 2ሽዑ፥ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ካብ ወገን ራም ዝኾነ ኤሊሁ ብቝጥዓ ነደደ፤ ካብ እግዚኣብሄር ንላዕሊ ኢዮብ ንባዕሉ ኣፅዲቑ ነበረሞ፥ ኣበርቲዑ ዀረየሉ። 3እቶም ሰለስተ ፈተውቱ ግና ምላሽ ስለ ዝሰኣኑሉ፥ ኣብ ኢዮብውን ስለ ዝፈረዱ፥ ኤሊሁ ዀረየሎም። 4ንኤሊሁ ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ ንሳቶም ክዛረቡ እንተለዉ ኤሊሁ እንተይተዛረበ ፀንሐ። 5ኤሊሁ፥ ሰለስቲኦም ዝምልስዎ ስኢኖም ምስ ረአየ፥ ተቘጥዐ።
6ኤሊሁ ወዲ ባርክኤል ካብ ዓሌት ቡዝ ድማ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
“ኣነ ብዕድመ ንእሽተይ እየ፤
ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፤
ስለዙይ ከዓ ሓፊረ ኽሳዕ ሕዚ ስቕ በልኩ፤
ሓሳበይውን ኣይገለፅኩልኩምን።
7ኣነ፥ እተን መዓልቲታት ይዛረባ፤
ብዝሒ ዓመታት ከዓ ጥበብ የፍልጥ፥
ኢለ ሓሰብኩ።
8ግና ኣብ ውሽጢ ሰብ መንፈስ ኣሎ፤
ግና መንፈስ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እዩ ምስትውዓል ዝህብ።
9ዓበይቲ ጥራሕ ኣይኮኑን ጠቢባን ዝኾኑ፥
ሽማግለታትውን ኣይኮኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ።
10ስለዙይ፥ ኣነውን ‘ፍልጠት ክገልፅስ
ስምዑኒ’ እብል ኣለኹ።”
11“እንሆ፥ ንቓልኩም ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤
ቃላት ክትሓርዩ እንተለኹምውን፥
ንቑም ነገርኩም ፅን በልኩ።
12ከምኡውን ልቢ በልኩ፤
እንሆ ኻባኻትኩም ንኢዮብ ዘረድአ፥
ወይ ንቓሉ መልሲ ዝሃበ የለን።
13ኢዮብ ግቡእ መልሲ ኽህቦ ዝኽእል፥
ንስኻትኩም ጥበብ ረኺብና ኣለና፥
እግዚኣብሄር እምበር ሰብ ኣየሸንፎን፥
ከይትብሉ ተጠንቀቑ።
14ኢዮብ ምሳኻትኩም እምበር ምሳይ ኣይተዛረበን፤
ከምቲ ዘረባኹም ገይረ ኸዓ ኣይምልሰሉን እየ።”
15“ንሳቶም ደንጊፆም ዘረባ ስኢኖም ኣለዉ፤
እንታይ ከም ዝዛረቡ ኸዓ ጠፊእዎም ኣሎ።
16ንሳቶም ሓደኳ ኣይተናገሩንሞ፥
ደው ኢሎምውን ኣይመለሱንሞ፥
ኣነ ብትዕግስቲ ኽፅበ ድየ?
17ኣነውን ብታራይ ክምልስ፥
ሓሳበይ ድማ ኽገልፅ እየ።
18ቃል መሊኡኒ ኣሎሞ፥
እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ይደፋፍአኒ ኣሎ።
19እንሆ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ፥
ብጕዕሽ ወይኒ ኽቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።
20ቁሩብ ክዛረብ እሞ ኸተንፍስ፥
ከናፍረይ ከፊተ፥ ክምልስ ክጅምር እየ።
21ንገፅ ሰብ ግና ኣየዳሉን እየ፤
ንሰብውን ኣየቀባጥርን እየ።
22ምቅብጣር እኳ ኣይፈቱን እየ፤
ከምኡ እንተ ዝኸውንማ፥
ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ካብ ህይወተይ ምፈለየኒ ነይሩ።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in