YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 30

30
1“ሕዚ ግና እቶም ብዕድመ ኻባይ ዝንእሱ፥
ነቦታቶም ምስቶም መጓሰይ ዝሕልዉ ኣኽላባት እኳ፥
ንምንባር ዝነዓቕኩዎም፥ የባጭዉለይ ኣለዉ።
2ምሉእ ሰብ ምዃኖም ጠፊእዎም ነበረ፤
ብርትዐ ኣእዳዎም ንኣይ እንታይ ክጠቕመኒ እዩ?
3ብስእነትን ጥሜትን ዝመንመኑ እዮም፤
ናይ ምፍራስን ምብትታንን ፀልማት ናብ ዘለዎ ምድረ በዳ ይሃድሙ።
4ኣብ ጥቓ ቘጥቋጥ ዘሎ፥
ጨው ጨው ዝብል ኣትኽልቲ ይኣርዩ፤
ሱር ታህሶስውን ምግቦም ይገብሩ።
5ካብ ሰባት ተፈልዮም ተሰጐጉ፤
ኣብ ልዕሊ ሰራቒ ዋዕ ዋዕ ከም ዝበሃል የድህዩ።
6ኣብ በዓትን ኣብ ጕድጓድ ምድርን፥
ኣብ ማእኸል ኣኻውሕን ይነብሩ።
7ኣብ ማእኸል ዱር ኮይኖም የእውዩ፤
ኣብ ትሕቲ እሾዅ ይእከቡ።
8ደቂ ነውራማትን ሰነፋትን እዮም፤
ተገሪፎም ካብ ሃገር ዝተሰጉ እዮም።”
9“ሕዚ ኣነ መድረፊኦምን፥
መመሰሊኦምን ኮንኩ።
10ንሳቶም ፈንፈኑኒ፤ ካባይ ድማ ረሓቑ፤
ምራቖምውን ኣብ ቅድመይ እንትፍ ምባል ኣይሓፍሩን።
11ንሱ መወርወሪ ቐስተይ ኣላሕሊሑ ኣዋሪዱኒ እዩሞ፥
ንሳቶምውን ኣብ ቅድመይ ልጓሞም ፈትሑ።
12ብወገን የማነይ ስድታት ደቂ ተልዓሉኒ፤
ነእጋረይ ይደፍኡወን፤
መንገዲ ጥፍኣቶምውን ኣባይ የልዕሉ ኣለዉ።
13ንመንገደይ የበላሽውዎ ኣለዉ፤
ረዳኢ ዘይብሎም ሰባት ንመከራይ የብዝሕዎ።
14ብገፊሕ ፍራስ ከም ዝመፁ ይመፁኒ፤
ብፍሩስ መካበቢያ ተንከባሊሎም ይኣትዉ።
15ድንጋፀ ኣብ ልዕለይ ተመለሰትኒ፤
ከም ንፋስ ኮይኖምውን ንኽብረይ የሳጕጉዋ፤
ድሕንነተይውን ከም ደመና ሓለፈ።”
16“ሕዚ እውን ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ መኸኸት፤
ዘመን መከራ ሓዘትኒ።
17ኣዕፅምተይ ብለይቲ ብደዌ ይንደል፥
ዝቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዓርፍን እዩ።
18ካብ ሓይሊ እቲ ብርቱዕ ሕማም ዝተልዓለ ኽዳነይ ተበላሸወኒ፤
ከም ክሳድ ቀምሽውን ሓነቐኒ።
19ንሱ ናብ ውሽጢ ጭቃ ደርበየኒ፤
ከም ሓመድን ሓሙዅሽትን መሰልኩ።”
20“ኦ ኣምላኽ፥ ናባኻ ተማህለልኩ፤
ንስኻ ግና ኣይመለስካለይን፤
ተሳእኹ፥ ኣይተመልከትካንን።
21ተመሊስካ ጨካን ኮንካኒ፤
ብብርቱዕ ኢድካ ኣጨነቕካኒ።
22ብንፋስ ኣልዓልካኒ ኣብ ልዕሊኡውን ኣቐመጥካኒ፤
ብንፋስ ኣውሎ ኣምከኽካኒ።
23ናብቲ ዅሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፥
ናብ ሞት ኣሕሊፍካ ኸም እትህበኒ እፈልጥ ኣለኹ።
24ግና ዝወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን እዩ?
ወይ ጥፍኣት ዝመፆዶ ኣየእውን እዩ?
25ኣነ ነቶም ፀገም ዝረኸቡዶ እበኽየሎም ኣይነበርኩን?
ንድኻውን ነፍሰይ ትሓዝነሉዶ ኣይነበረትን?
26እንሆ፥ ሰላም ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፤
ግና መከራ መፀኒ፤
ንብርሃን ብትዕግስቲ ተፀበኹ፤
ግና ፀልማት መፀ።
27ኣምዑተይ ይፈልሕ፥ ግና ኣይዓርፍን፤
ዘመን መከራ መፀትኒ።
28ብዘይ ፀሓይ ብትካዘ ኸድኩ፤
ኣብ ማእኸል ጉባኤውን ደው ኢለ ኣእዌኹ።
29ንወኻሩ ሓወን፥
ንሰገናትውን መሓዛአን ኮንኩ።
30ቈርበተይ ፀለመ፤ ካባይ ተፈልዩውን ርግፍግፍ በለ፤
ኣዕፅምተይ ድማ ኻብ ረስኒ ዝተልዓለ ተቓፀለ።
31ስለዙይ መሰንቆይ ንሓዘን፥
እምብልታይውን ንበኸይቲ ቓል ኮነ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 30: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in