ኢዮብ 29
29
መወዳእታ ስምዕታ ኢዮብ
1ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
2“ኣየ! ናብራይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ፥
ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ!
3መብራህቲ ኣብ ርእሰይ ክበርህ እንተሎ፥
ኣነውን ነቲ ፀልማት ሓሊፈ ብብርሃኑ ክኸይድ እንተለኹ፥
4ብዘመን ጕብዝናይ እንተለኹ፥
ኣምላኽ ንቤተይ ክሕልዋ እንተሎ፥
5እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሳይ እንተሎ፥
ደቀይውን ከቢቦም ኣብ ዙርያይ እንተለዉ፥
6መንገደይ ብጠስሚ ይሕፀብ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
7ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥
ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥
8ኣጕባዝ ሪኦምኒ ይሕብኡ ነበሩ፤
ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ይቖሙ ነበሩ።
9እቶም ኣሕሉቅ ካብ ምዝራብ ስቕ በሉ፤
ኣእዳዎምውን ኣብ ኣፎም ገበሩ።
10ኣሕሉቕ ድማ ድምፆም የጥፍኡ፤
መልሓሶም ከዓ ኣብ ታሕናጎም ይጣበቕ ነበረ።”
11“ዝሰምዐትኒ እዝኒ ኣድነቐትኒ፤
ዝረአየትኒ ዓይኒውን መስከረትለይ።
12ሓገዝ ደልዮም ንዘእውዩ እረድኦም ነበርኩ፤
ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ።
13ንጥፍኣት ዝቐረበ በረኸት ኣባይ መፀ፤
ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ።
14ንፅድቂ ለበስክዋ፤ ንሳውን ለበሰትኒ፤
ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ።
15ንዕዉር ዓይኒ፥
ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ።
16ንድኻታት ኣቦኣቶም ነበርኩ፤
ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ።
17ምንጋጋ ዓመፅቲ ሰበርኩ፤
ነቲ ዝመንዝዕዎ ኸዓ፥
ካብ ውሽጢ ኣስናኖም መንጠልክዎ።”
18“ኣነውን ‘ንዕድመይ ከም ሑፃ ኸብዝሕ እየ፤
ኣብ ማእኸል ደቀይውን ክመውት እየ’ በልኩ።
19ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፥
ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።”
20“ ‘ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፥
ቀስተይ ከዓ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ’ በልኩ።”
21“ሰባት ንኣይ ሰሚዖም በትዕግስቲ ተፀበዩ፤
ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ።
22ድሕሪ ቓለይ ሓደኳ ኣይመለሱን፤
ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ።
23ንዝናም ከም ዝፅበዩ ብትዕግስቲ ተፀበዩ፤
ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ።
24ንሳቶም እሙናት ብዘይኮኑሉ ጊዜ ሰሓቕኩሎም፤
ንብርሃን ገፀይውን ኣየውረድዎን።
25ንመንገዶም መረፅኩ፤ ከም ሓለቓ ኾይነውን ተቐመጥኩ፤
ኣብ ማእኸል ሰራዊቱ ኸም ዝነብር ንጉስ፥
ንሓዘንተኛታት ከም ዘፀናንዕ ነበርኩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 29: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 29
29
መወዳእታ ስምዕታ ኢዮብ
1ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦
2“ኣየ! ናብራይ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝሕልወኒ ዝነበረ፥
ቀዳሞት ኣዋርሕ እንተ ዝኸውን መን መሃበኒ!
3መብራህቲ ኣብ ርእሰይ ክበርህ እንተሎ፥
ኣነውን ነቲ ፀልማት ሓሊፈ ብብርሃኑ ክኸይድ እንተለኹ፥
4ብዘመን ጕብዝናይ እንተለኹ፥
ኣምላኽ ንቤተይ ክሕልዋ እንተሎ፥
5እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ምሳይ እንተሎ፥
ደቀይውን ከቢቦም ኣብ ዙርያይ እንተለዉ፥
6መንገደይ ብጠስሚ ይሕፀብ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
እምኒ፥ ዘይቲ የውሕዘለይ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ፥
7ናብ በሪ እታ ኸተማ ኽወፅእ እንተለኹ፥
ኣብ ኣደባባይ መንበረይ ከንብር እንተለኹ፥
8ኣጕባዝ ሪኦምኒ ይሕብኡ ነበሩ፤
ሽማግለታት ድማ ተሲኦም ይቖሙ ነበሩ።
9እቶም ኣሕሉቅ ካብ ምዝራብ ስቕ በሉ፤
ኣእዳዎምውን ኣብ ኣፎም ገበሩ።
10ኣሕሉቕ ድማ ድምፆም የጥፍኡ፤
መልሓሶም ከዓ ኣብ ታሕናጎም ይጣበቕ ነበረ።”
11“ዝሰምዐትኒ እዝኒ ኣድነቐትኒ፤
ዝረአየትኒ ዓይኒውን መስከረትለይ።
12ሓገዝ ደልዮም ንዘእውዩ እረድኦም ነበርኩ፤
ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ደኽታማትውን ኣናግፎም ነበርኩ።
13ንጥፍኣት ዝቐረበ በረኸት ኣባይ መፀ፤
ንልቢ መበለታት ከዓ ዕልል ከም ዝብል ገበርኩ።
14ንፅድቂ ለበስክዋ፤ ንሳውን ለበሰትኒ፤
ፍርደይውን ከም ባርኖስን ቆብዕን ነበረ።
15ንዕዉር ዓይኒ፥
ንሓንካስውን እግሪ እኾኖ ነበርኩ።
16ንድኻታት ኣቦኣቶም ነበርኩ፤
ሙግት እቲ ኣነ ዘይፈልጦ ሰብውን መርመርኩ።
17ምንጋጋ ዓመፅቲ ሰበርኩ፤
ነቲ ዝመንዝዕዎ ኸዓ፥
ካብ ውሽጢ ኣስናኖም መንጠልክዎ።”
18“ኣነውን ‘ንዕድመይ ከም ሑፃ ኸብዝሕ እየ፤
ኣብ ማእኸል ደቀይውን ክመውት እየ’ በልኩ።
19ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፥
ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።”
20“ ‘ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፥
ቀስተይ ከዓ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ’ በልኩ።”
21“ሰባት ንኣይ ሰሚዖም በትዕግስቲ ተፀበዩ፤
ምኽረይ ንምድማፅውን ስቕ በሉ።
22ድሕሪ ቓለይ ሓደኳ ኣይመለሱን፤
ዘረባይ ኣብ ልዕሊኣቶም የንጠብጥብ ነበረ።
23ንዝናም ከም ዝፅበዩ ብትዕግስቲ ተፀበዩ፤
ዝናም ፅብሓት ከም ዝደለዩ ኣፎም ከፈቱ።
24ንሳቶም እሙናት ብዘይኮኑሉ ጊዜ ሰሓቕኩሎም፤
ንብርሃን ገፀይውን ኣየውረድዎን።
25ንመንገዶም መረፅኩ፤ ከም ሓለቓ ኾይነውን ተቐመጥኩ፤
ኣብ ማእኸል ሰራዊቱ ኸም ዝነብር ንጉስ፥
ንሓዘንተኛታት ከም ዘፀናንዕ ነበርኩ።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in