YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 28

28
ንጥበብ ዝውድስ ቅኔ
1“ብሓቂ ብሩር፥ ዝወፀሉ፥
ወርቂውን ዝፈሰሉ ቦታ ኣሎ።
2ሓፂን ካብ ምድሪ፥ ይውሰድ፤
ነሃስ ድማ ኻብ እምኒ መኺኹ እዩ ዝወፅእ።
3ሰብ ንፀልማት ወሰን ይገብረሉ፤
ንናይ ኣእማን ፀልማትን ናይ ፅላሎት ሞትን፥
ክሳዕ መወዳእታ ይመራመሮ።
4ካብቲ ሰብ ዝነብረሉ ርሒቆም መውረዲ ይዅዕቱ፤
ኣብ እግሪ ሰብውን ተረስዑ፤
ካብ ሰብውን ርሒቖም እናተንጠልጠሉ ነነው ይብሉ።
5እንጀራ ካብ ውሽጢ ምድሪ ይወፅእ፤
መዓሙቓ ኸዓ ኸም ብሓዊ ይገላበጥ።
6እቲ ኣእማና ኸዓ ሰፈር ሰንፔር እዩ፤
ድኹም ወርቂ ኸዓ ኣብኡ ይርከብ።
7ነታ መንገዲ፥ ሊሎ ኣይፈልጦን፤
ዓይኒ ንስሪውን ኣይረአየታን።
8ውሉድ ዕቡያት ኣይረገፅዋን፤
ሽደን ኣንበሳውን ኣይሓለፋን።”
9“ሰብ ናብ እምኒ ቡላድ ኢዱ ይዝርግሕ፤
ንእምባታት ከዓ ኻብ መሰረቶም ነቒሉ ይግልብጦም።
10ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፤
ዓይኑውን ንዅሉ ዕንቍ ትርኢ።
11እቲ ፈሳሲ ኸየንጠብጥብ ይሓትሞ፤
ነቲ ተሰዊሩ ዝነበረ ድማ ናብ ብርሃን የውፅእዎ።”
12“ግና ጥበብ ኣበይ እያ እትርከብ?
ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ?
13መንገዳ ዝፈልጥ ሰብ የለን፤
ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን እያ።
14ቃላይ ‘ንሳ ምሳይ የላን’ ይብል፤
ባሕሪ እውን ‘ኣብ ውሽጠይ የላን’ ይብል።
15ብፅሩይ ወርቂ ኣይትዕደግን እያ፤
ብሩርውን ስለ ዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።
16ብወርቂ ኦፊርን፥
ብኽቡር ዕንቍን ብሰንፔርን ኣይትግመትን እያ።
17ወርቅን ብርጭቆን ኣይወዳደርዋን፤
በቕሓ ፅሩይ ወርቂውን ኣይትልወጥን።
18ብዛዕባ ዕንቍን ኣልማዝን እኳ ኣይንገርን፤
ዋጋ ጥበብ ካብ ቀይሕ ዕንቊ ይበልፅ።
19ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመዓራረያን፤
ብፅሩይ ወርቂውን ኣይትግመትን።”
20“አረ ጥበብ ካበይ እያ እትመፅእ?
ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ ኣሎ?
21ካብ ዓይኒ ዅሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፤
ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።
22ሞትን ጥፍኣትን፥
‘በእዛንና ጥራሕ ወሬኣ ሰሚዕና’ ይብሉ።”
23-24“ንወሰናት ምድሪ ዝቋመቶ፥
ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዝሪኦ ንሱ ስለ ዝኾነ፥
መንገዲ ጥበብ ዘስተውዕል እግዚኣብሄር እዩ፤
ንቦታኣ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።
25ንሱ ንንፋስ፥ ሚዛን ምስ ገበረሉ፤
ንባሕሪ ኸዓ ብመስፈሪ ምስ ሰፈሮ፥
26ንዝናም ስርዓት፥
ንበርቂ ነጐድጓድውን መንገዲ ምስ መደበሉ፥
27ሽዑ ረአያ፤ ገለፃውን፤
ኣዳለዋ፥ መሊሱውን መርመራ።”
28 # መዝ. 111፡10፥ ምሳ. 1፡7፥ 9፡10። “ንሰብ ድማ ኸምዙይ በሎ፦
ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ጥበብ እዩ፤
ካብ ሓጢኣት ምርሓቕ ከዓ ምስትውዓል እዩ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 28: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in