ኢዮብ 27
27
ንፅህና ኢዮብን ሓይሊ እግዚኣብሄርን
1ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2“ነቲ ንነፍሰይ ዘምረራ፥ ንፍርደይውን ዘግደፈኒ፥
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ህያው እዩ።
3እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፥
መንፈስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፥
4ከናፍረይ ከቶ ኽፍኣት ኣይዛረባን፤
ልሳነይውን ጥበራ ኣይተውፅእን።
5ንኣኻትኩም ምፅዳቕ ካባይ ይርሓቕ፤
ክሳዕ ዝመውት ድማ ፍፁምነተይ ካባይ ኣየርሕቕን።
6ፅድቀይ ኣፅኒዐ ኽሕሉ እየ፤
ፈፂመውን ኣይሓድጎን እየ፤
ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን።
7ፀላእየይ ከም ሓጥእ፥
ዝቃወመኒውን ኸም በዳሊ ይኹን።
8እግዚኣብሄር ምስ ኣጥፍኦን ንነፍሱ ምስ ፈለያን፥
ተስፋ ግብዝ እንታይ እዩ?
9ብሓቂ፥ መከራ ምስ መፆኸ፥
እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ?
10ኵሉ ብዝኽእል ኣምላኽከ ይሕጐስ ድዩ?
ኵልሻዕኸ ንእግዚኣብሄር ይፅውዕ ድዩ?”
11“ብዛዕባ ኢድ እግዚኣብሄር ኣነ ኽምህረኩም እየ፤
ሓሳባት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ከዓ ኣነ ኣይሓብአኩምን እየ።
12እንሆ ዅልኻትኩም ርኢኹምዎ ኢኹም፤
ስለ ምንታይ ደኣ ኸንቱ ኾንኩም?”
13“ኣምላኽ ነቲ ሓጥእ ዝህቦ ዕድል፥
እቲ ግፍዐኛ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ርስቲ እዙይ እዩ፦
14ደቁ እንተ በዝሑ፥ ኣደዳ ሰይፊ ክኾኑ እዮም፤
ዘርኡውን እንጀራ ኣይፀግቡን።
15እቶም ዝተረፉ ደቁ ኸዓ ብፌራ ይሞቱ፤
መበለታቶምውን ኣይበኽያሎምን።
16ንብሩር ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፥
ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥
17ንሱ ይድልብ፤ ግና ፃድቕ እዩ ዝኽደኖ፤
ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ።
18ከም ዓለባ ሳሬት ብቕልጡፍ ቤቱ ይሰርሕ፤
ከም ጐጆ ሓላዋይ ድማ እያ።
19ብሃብታሙ እንተሎ ይድቅስ፤
ምስኡ ድማ ዝኾነ ነገር ኣይማላእን፤
ዓይኑ ቛሕ የብል፤ ንሱውን የለን።
20ድንጋፀ ኸም ውሕጅ ኮይኑ የርክቦ፤
ንፋስ ኣውሎ ድማ ብለይቲ ይምንጥሎ።
21ንፋስ ምብራቕ መንዚዑ ይወስዶ፤
ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤
22እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕረት ይድርብዮ፤
ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ።
23ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤
እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 27: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 27
27
ንፅህና ኢዮብን ሓይሊ እግዚኣብሄርን
1ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
2“ነቲ ንነፍሰይ ዘምረራ፥ ንፍርደይውን ዘግደፈኒ፥
ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ህያው እዩ።
3እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፥
መንፈስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ውሽጢ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፥
4ከናፍረይ ከቶ ኽፍኣት ኣይዛረባን፤
ልሳነይውን ጥበራ ኣይተውፅእን።
5ንኣኻትኩም ምፅዳቕ ካባይ ይርሓቕ፤
ክሳዕ ዝመውት ድማ ፍፁምነተይ ካባይ ኣየርሕቕን።
6ፅድቀይ ኣፅኒዐ ኽሕሉ እየ፤
ፈፂመውን ኣይሓድጎን እየ፤
ኣብተን መዓልትታተይ ስለ ሓንቲኳ ልበይ ኣይነቕፈንን።
7ፀላእየይ ከም ሓጥእ፥
ዝቃወመኒውን ኸም በዳሊ ይኹን።
8እግዚኣብሄር ምስ ኣጥፍኦን ንነፍሱ ምስ ፈለያን፥
ተስፋ ግብዝ እንታይ እዩ?
9ብሓቂ፥ መከራ ምስ መፆኸ፥
እግዚኣብሄር ኣውያቱ ይሰምዕ ድዩ?
10ኵሉ ብዝኽእል ኣምላኽከ ይሕጐስ ድዩ?
ኵልሻዕኸ ንእግዚኣብሄር ይፅውዕ ድዩ?”
11“ብዛዕባ ኢድ እግዚኣብሄር ኣነ ኽምህረኩም እየ፤
ሓሳባት ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ከዓ ኣነ ኣይሓብአኩምን እየ።
12እንሆ ዅልኻትኩም ርኢኹምዎ ኢኹም፤
ስለ ምንታይ ደኣ ኸንቱ ኾንኩም?”
13“ኣምላኽ ነቲ ሓጥእ ዝህቦ ዕድል፥
እቲ ግፍዐኛ ኻብቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ዝቕበሎ ርስቲ እዙይ እዩ፦
14ደቁ እንተ በዝሑ፥ ኣደዳ ሰይፊ ክኾኑ እዮም፤
ዘርኡውን እንጀራ ኣይፀግቡን።
15እቶም ዝተረፉ ደቁ ኸዓ ብፌራ ይሞቱ፤
መበለታቶምውን ኣይበኽያሎምን።
16ንብሩር ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፥
ንኽዳውንቱውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፥
17ንሱ ይድልብ፤ ግና ፃድቕ እዩ ዝኽደኖ፤
ነቲ ብሩርውን እቶም ንፁሃት ይማቐልዎ።
18ከም ዓለባ ሳሬት ብቕልጡፍ ቤቱ ይሰርሕ፤
ከም ጐጆ ሓላዋይ ድማ እያ።
19ብሃብታሙ እንተሎ ይድቅስ፤
ምስኡ ድማ ዝኾነ ነገር ኣይማላእን፤
ዓይኑ ቛሕ የብል፤ ንሱውን የለን።
20ድንጋፀ ኸም ውሕጅ ኮይኑ የርክቦ፤
ንፋስ ኣውሎ ድማ ብለይቲ ይምንጥሎ።
21ንፋስ ምብራቕ መንዚዑ ይወስዶ፤
ካብ ቦታኡውን ይነቕሎ፤
22እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕረት ይድርብዮ፤
ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ።
23ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤
እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in