YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 24

24
1ካብቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ዘመናት ኣይተሰወሩንሞ፥
እቶም ንእኡ ዝፈልጡ ስለ ምንታይ ነተን ኣዋርሕ ዘይሪኡወን።
2ሰባት ንወሰን ብፃዮም ይደፍእዎ፤
ንመጓሰ ዘሚቶምውን ይጓስይወን።
3ንኣእዱግ ድኻታት ይዅብኵብወን፤
ንብዕራይ መበለትውን ትሕጃ ይሕዝዎ።
4ንድኻታት ካብ መንገዲ የወግዱዎም፤
ኵሎም ድኻታት እታ ምድሪ ኸዓ ይሕብኡ።
5እንሆ፥ ከም ኣእዱግ በረኻ ምግቢ ኽደልዩ ይወፍሩ፤
ምድረ በዳውን ንደቆም ዝኸውን ምግቢ ይህቦም።
6ንሳቶም ኣብ ግራት እኽሎም ይዓፅዱ፤
ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ እቶም ክፉኣት ሰባትውን ይቕርሙ።
7ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይሓድሩ፤
ብጊዜ ቝሪ ዝኽደንዎ የብሎምን።
8በቲ ኻብ እምባታት ዝወርድ ዝናም ይርሕሱ፤
መፀግዒ ስኢኖምውን ኰዅሒ ይሓቝፉ።
9ንደኽታም ቈልዓ ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፤
ካብ ምስኪናት ትሕጃ ይወስዱ።
10ብዘይ ክዳን ጥራሖም ይኸዱ፤
ብጥሙያቶምውን እንዳእቲ ይፆሩ።
11ኣብ ውሽጢ ሓፁር እዞም ሰባት እዚኣቶም ዘይቲ ኣውሊዕ ይፀምቁ፤
ወይኒ እውን ይፀምቁ፤ ንሳቶም ግና ይፀምኡ።
12ካብ ከተማን ካብ ብገዛ ቤቶምን ይስጐጉ፤
ነፍሲ እቶም ቈልዑውን ንሓገዝ ተእዊ፤
እግዚኣብሄር ግና ስንፍናኦም ኣይምልከትን።
13እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ብርሃን ዝዕምፁ እዮም፤
ንጐደናታቱ ዘይፈልጡ፥
ኣብ መንገድታቱውን ኣይፀንዑን።
14እቲ ቐታሊ ነፍሲ ኣንጊሁ ይትስእ፤
ንድኻን ንውፁዕን ይቐትል፤
ብለይቲ ኸዓ ኸም ሰራቒ እዩ።
15ዓይኒ ዘማዊ፥ ፅልግልግ ክሳዕ ዝብል ይፅበ፤
“ናይ ዝኾነ ሰብ ዓይኒ ኣይሪአንን” ይብል፤
ገፁውን ይሽፍን።
16ብፀልማት ናብ ቤት ኵዒቶም ይኣትዉ፤
ብቐትሪ ግና ተዓፅዮም ይውዕሉ፤
ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።
17ናይ ንጉሆ ብርሃን ንኣኣቶም ከም ድነ ሞት እዩ፤
ድነ ሞት ይፈልጡ እዮምሞ።
18ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ማይ በሪሮም ይሓልፉ፤
ዕድሎምውን ኣብ ምድሪ ዝተረገመት እያ፤
ናብ መንገዲ ኣታኽልቲ ወይኖም ኣይምለሱን።
19ድርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ የጥፍኦ፤
ከምኡውን ሲኦል ነቶም ሓጥኣን ተጥፍኦም።
20ማህፀን ትርስዖ፤ ሓሰኻ ድማ ብሓጎስ ይጠብዎ፤
ዝዝክሮውን የለን፤ ክፍኣትውን ከም ኦም ይስበር።
21ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላ፤
ንመበለትውን ፅቡቕ ኣይገብርን።
22ግና ንሱ ንሓያል ብሓይሉ ይስሕቦ፤
ንሱ እንትለዓል ሰብ ብህይወቱ ኣይእመንን።
23እግዚኣብሄር ብሰላም ኣንቢርዎም እዩ፤
ብእኡውን ይእመኑ፤
ኣዒንቱ ግና ኣብ ልዕሊ መንገዶም እዩ።
24ንቝሩብ ጊዜ ልዕል ልዕል ይብሉ፤
ይኸዱ ይፅምልዉውን፤
ከምቶም ካልኦት ይእከቡ፤
ከም ርእሲ ሸዊትውን ይቝረፁ።
25ከምዙይ እንተ ዘይኮይኑኸ ሓሳዊ ዝገብረኒ፥
ንዘረባይውን ከንቱ ኽገብሮ ዝኽእል መን እዩ?

Currently Selected:

ኢዮብ 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in