ኢዮብ 23
23
እግዚኣብሄር ኣብ ዝረሓቖ ኽፍኣት ይስልጥን
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ሎሚውን ቍዘማይ መሪር እዩ፤
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ።
3ንእኡ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ኣበይሞ እንተ ዝፈልጥ!
ኣበይሞ ናብቲ ዝተቐመጠሉ ዙፋን እንተ ዝበፅሕ!
4ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፤
ንኣፈይውን ብመርትዖ ምመላእኽዎ ነይረ።
5ነቲ ዝምልሰለይ ቃል ምፈለጥክዎ፤
እንታይ ከም ዝብለኒ ድማ መስተውዓልኩ ነይረ።
6በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኽማጐተኒ እዩ?
እኳ ደኣ ፅን ምበለኒ።
7ቅኑዕ ሰብ ምስኡ ኣብኡ ኽማጐት ይኽእል እዩ፤
ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንዘለኣለም ክድሕን ነይረ።”
8“እንሆ ንቕድሚት ከድኩ፤ ንሱውን የለን፤
ንድሕሪትውን ከድኩ፤ ግና ኣየስተውዕሎን።
9ንሱ ናብ ዝሰርሐሉ ናብ ፀጋም እንተ ኸድኩ ኣይምልከቶን፤
ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን።
10ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤
ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።
11ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤
ካብኡውን ኣየግለስኩን።
12ካብ ትእዛዝ ከንፈሩውን ኣይተመለስኩን፤
ካብ ኵሉ ሃብተይ ኣብሊፀ፥
ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”
13“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤
ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ?
ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።
14ነቲ ኣባይ ዝተወሰነ ኽፍፅሞ እዩ፤
ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ።
15ስለዙይ ድማ እየ ኣብ ቅድሚኡ ዝድንግፅ፤
ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ።
16ኣምላኽ ባዕሉ ንልበይ ኣጃጅይዎ፤
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ።
17ካብ ፀልማት ዝተልዓለ እቲ ግብ ዝበለ ፀልማት፥
ንገፀይ ካብ ምሽፋኑ ዝተልዓለ ኣይደንገፅኩን።”
Currently Selected:
ኢዮብ 23: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኢዮብ 23
23
እግዚኣብሄር ኣብ ዝረሓቖ ኽፍኣት ይስልጥን
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ሎሚውን ቍዘማይ መሪር እዩ፤
ኢዱ ኣብ ልዕሊ ድምፂ ብኽያተይ ከቢዳ ኣላ።
3ንእኡ ኣበይ ከም ዝረኽቦ ኣበይሞ እንተ ዝፈልጥ!
ኣበይሞ ናብቲ ዝተቐመጠሉ ዙፋን እንተ ዝበፅሕ!
4ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፤
ንኣፈይውን ብመርትዖ ምመላእኽዎ ነይረ።
5ነቲ ዝምልሰለይ ቃል ምፈለጥክዎ፤
እንታይ ከም ዝብለኒ ድማ መስተውዓልኩ ነይረ።
6በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኽማጐተኒ እዩ?
እኳ ደኣ ፅን ምበለኒ።
7ቅኑዕ ሰብ ምስኡ ኣብኡ ኽማጐት ይኽእል እዩ፤
ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንዘለኣለም ክድሕን ነይረ።”
8“እንሆ ንቕድሚት ከድኩ፤ ንሱውን የለን፤
ንድሕሪትውን ከድኩ፤ ግና ኣየስተውዕሎን።
9ንሱ ናብ ዝሰርሐሉ ናብ ፀጋም እንተ ኸድኩ ኣይምልከቶን፤
ብየማነይ ይስወር፤ ኣይሪኦንውን።
10ንሱ ግና ኣነ በየነይቲ መንገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፤
ምስ ፈተነኒውን ከም ወርቂ ፅሩይ ኮይነ ኽወፅእ እየ።
11ኣእጋረይ ብመንገዱ ፀንዓ፤ መንገዱውን ሓለኹ፤
ካብኡውን ኣየግለስኩን።
12ካብ ትእዛዝ ከንፈሩውን ኣይተመለስኩን፤
ካብ ኵሉ ሃብተይ ኣብሊፀ፥
ንቓል ኣፉ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።”
13“ንሱ ግና በይኑ እዩ፤
ንእኡ ዝመስሎ መን እዩ?
ነፍሱ ዝፈተወቶውን እዩ ዝገብር።
14ነቲ ኣባይ ዝተወሰነ ኽፍፅሞ እዩ፤
ከምዙይ ዝበለ ብዙሕ ነገር ምስኡ ኣሎ።
15ስለዙይ ድማ እየ ኣብ ቅድሚኡ ዝድንግፅ፤
ነዙይ እንትሓስብውን ብእኡ ዝፈርሕ።
16ኣምላኽ ባዕሉ ንልበይ ኣጃጅይዎ፤
እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣደንጊፁኒ እዩ።
17ካብ ፀልማት ዝተልዓለ እቲ ግብ ዝበለ ፀልማት፥
ንገፀይ ካብ ምሽፋኑ ዝተልዓለ ኣይደንገፅኩን።”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in