YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 25

25
መዝሙር ንኽብሪ ኣምላኽ
1ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ስልጣንን ተፈራሕነትን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤
ብልዕልናኡውን ገባሪ ሰላም እዩ።
3ብሓቂ ንሰራዊቱዶ ቝፅሪ ኣለዎም እዩ?
ብርሃኑኸ ኣብ ልዕሊ መን እዩ ዘይወፅእ?
4ሰብከ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፃድቅ፥ ክኸውን ይኽእል?
ካብ ሰበይቲ ዝተወለደኸ፥
ከመይ ንፁህ ክኸውን ይኽእል?
5-6ወርሒ እኳ ኣብ ቅድሚኡ ብርህቲ ኣይኮነትን፤
ከዋኽብትውን ንፁሃት ኣይኮኑን፤
እዝ በስባስን ሓሳኽን ዝኾነ መዋቲ ሰብ ግዳ ኸመይ ይንእስ!”

Currently Selected:

ኢዮብ 25: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in