YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 18

18
ዘይተርፍ ዕድል ክፉኣት ሰባት
1ድሕሪዙይ በልዳዶስ በዓል ሹሓ ኸምዙይ
ኢሉ መለሰ፦
2“ኢዮብ፥ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘረባኻ ዘይትውድእ?
ኣስተብህል እሞ ኽንዛረብ ሕደገና።
3ስለ ምንታይ ከም እንስሳ ተቘፀርና?
ስለ ምንታይከ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ረኸስና?
4ቍጥዓ ወሪሱካ ኣሎ፤ ንስኻ እንተ ሞትካኸ
ምእንታኻ ምድሪ ኽትባድም ድያ?
ወይ ከዓ ኣኻውሕ ካብ ስፍራኦም ክንቀሉ ድዮም?”
5“መብራህቲ ሓጢኣተኛ ይጠፍእ፤
ሃልሃልታ ሓዊውን ብልጭ ኣይብልን።
6እቲ ኣብ ድንኳኑ ዘሎ ብርሃንውን ክጠፍእ እዩ፤
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መብራህቱውን ክጠፍእ እዩ። #ኢዮብ 21፡17።
7ሓይሊ ስጕምቱ ትፀብብ፤
ምኽሩውን ተውድቖ።
8እግሩ ብመፃወድያ ትተሓዝ፤
ብልዕሊ መርበብ ይኸይድ።
9መፃወድያ ብሸዀናኡ ይሕዞ፤
መፈንጠርውን ይብርትዖ።
10ኣብ ምድሪ ገመድ፥
ኣብ መንገዱውን ንእኡ መፃወድያ ተሓቢኡሉ ኣሎ።
11ፍርሓት ብዅሉ ወገን ተጨንቖ፤
ብድሕሪኡ ኾይናውን ተባርሮ።
12ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፤
መዓትውን ሰንከልከል ክሳዕ ዝብል ተዳልዩሉ ኣሎ።
13ኣካላት ሰውነቱ ይጠፍእ፤
ናይ ሞት በዅሪ ወዲ እውን ንኣካላቱ ይበልዖ።
14ካብቲ ዝኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይንቀል፤
ናብቲ ንጉስ ራዕዲውን የፃድፍዎ።
15ኣብ ውሽጢ ድንኳኑ ዘይሰቡ ይነብሩ፤
ኣብ መንበሪኡውን ዲን ይንስነስ።
16ብታሕቲ ሰራውሩ ይነቅፅ፤
ብላዕሊውን ጨናፍሩ ይረግፍ።
17ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፤
ኣብቲ ሃገርውን ስሙ ኣይዝከርን።
18ካብ ብርሃን ናብ ፀልማት የፍልስዎ፤
ካብ ዓለምውን የሳጕጉዎ።
19ኣብ ማእኸል ህዝቡ ዘርእን ትውልድን ኣይሓድግን፤
ኣብ ውሽጢ መንበሪኡውን ዝነብር ሰብ ኣይተርፎን።
20እቶም ቀዳሞት ሰባት ከም ዝደንገፁ፥
ከምኡውን እቶም ዳሕረዎት ሰባት፥
ብዛዕባ ዘመኑ ይድነቑ።
21ብሓቂ ቤት ሓጢኣተኛታት ከምኡ እያ፤
ስፍራ እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈልጡውን እዙይ እዩ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 18: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in