ኢዮብ 19
19
እግዚኣብሄር ንኢዮብ ከም ዝፈተኖ
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ንነፍሰይ እተጕህይዋ?
ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ብቓል እተድቅቑኒ?
3እንሆ፥ ዓሰርተ ሻዕ ፀረፍኩምኒ፤
እትገፍዑንስ እምበርዶ ኣይትሓፍሩን ኢኹም?
4ብርግፅ እንተ ተጋገኹኳ፥
እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።
5ብሓቂ እንተ ተዓበኹምለይ፥
ስለ ውርደተይ ኣብ ልዕለይ እንተ ተኸራኸርኩም፥
6ደጊም እግዚኣብሄር ከም ዝገልበጠኒ፥
ብመርበቡውን ከም ዝኸበበኒ ፍለጡ።
7እንሆ፥ ተበዲለ ኢለ እንተ ጠራዕኹ፥
ዝምልሰለይ የለን፤
ድምፀይ ዓው ኣቢለ እንተ ኣስማዕኹ፥
ዝፈርደለይ የለን።
8ኣነ ኸይሓልፍ ኢሉ ንመንገደይ ዓፅይዎ፤
መተሓላለፍየይውን ብፀልማት ሸፈኖ።
9ንሱ ንኽብረይ ቀንጠጦ፤
ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሰዶ።
10በዙይን በቱይን ኣፍረሰኒ፤ ኣነውን ከድኩ፤
ንተስፋይ ከም ኦም ነቐሎ።
11ንቝጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣንደዶ፤
ከም ፀላኢኡውን ቘፀረኒ።
12ሰራዊቱ ብሕብረት መፁ፤
መንገዶምውን ኣብ ልዕለይ ኣዳለዉ፤
ኣብ ዙርያ ድንኳነይ ሰፈሩ።”
13“ነሕዋተይ ካባይ ኣርሓቖም፤
እቶም ዝፈልጡኒ ድማ ፈፂሞም ተፈለዩኒ።
14ኣዝማደይ ሓደጉኒ፤
ፈተውተይውን ረስዑኒ።
15ቤተሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ቘፀሩኒ፤
ኣብ ኣዒንቶምውን ከም ጋሻ ኮንኩ።
16ንሓሽከረይ እንተ ፀዋዕክዎ፤
ብኣፈይ እንተ ኣቃባጠርኩሉውን ኣይምልሰለይን።
17ሰበይተይ ንስትንፋሰይ ፀልአቶ፤
ኣሕዋተይ፥ ደቂ እነይ ንልመናይ ፀልእዎ።
18ህፃናት እኳ ኣጥቅዑኒ፤
ደው እንተ በልኩ ኸዓ ብኣይ ይዘራረቡ።
19ኵሎም መማኽርተይ ፈንፈኑኒ፤
እቶም ኣነ ዝፈትዎም ኣብ ልዕለይ ተገልበጡ።
20ቈርበት ምስ ስጋይን ምስ ኣዕፅምተይን ተጣቢቑ፥
ግርፃነይ ጥራሕ ተሪፉኒ።”
21“ኣቱም ፈተውተይ፥ ኢድ እግዚኣብሄር ወቒዓትኒ እያ እሞ፥
ደንግፁለይ! ራህርሁለይ!
22ንምንታይከ ንስኻትኩም ከም እግዚኣብሄር እተሳጕጉኒ?
ስለ ምንታይከ ኻብ ስጋይ ዘይትፀግቡ?”
23“ኣበይሞ ቓለይ ሕዚ እንተ ዝፀሓፍ፥
ኣበይሞ ኣብ መፅሓፍ እንተ ዝሕተም፥
24ኣበይሞ ብሓፂንን ብዓረርን ብነሓስን፥
ኣብ ኰዅሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረፅ፥
25ግና እቲ ቤዛ ዝኾነኒ፥
ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፤
ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኽቐውም እዩ።
26እዝ ቘርበተይ ምስ ጠፍአውን፥
ሽዑ ካብ ስጋይ ተፈልየ ንእግዚኣብሄር ክሪኦ እየ።
27ኣነ ባዕለይ ክሪኦ እየ፤
ኣዒንተይውን ክጥምታኦ እየን፤
ካባይ ካልእ ኣይኮነን፤
ልበይ ብሃንቀውታ ይጠልመኒ ኣሎ።”
28ንስኻትኩም “ሱር እቲ ነገር ኣብኡ ተረኺቡ እዩሞ፥
ከመይ ጌርና ኽነሳጕጎ እንተ በልኩም፥
29ፍርዲ ኸም ዘሎ ንኽትፈልጡ፥
ቍጥዓ፥ ቅፅዓት ሰይፊ የምፅእ እዩሞ፥
ንሰይፊ ፍርሕዎ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 19: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in