YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 17

17
1መንፈሰይ ደኸመ፤ ዘመነይ ሃለቐ፤
መቓብርውን ተዳልዩለይ ኣሎ።
2መላገፅቲ ምሳይ ኣለዉ፤
ኣዒንተይ ድማ ኣብ ምምራሮም ይሓድራ ኣለዋ።
3ሕዚ ኸዓ፥ ንስኻ ዕርቡን ኴንካ ተውሓሰኒ፤
እንተ ዘይኮይኑ ምሳይ ኣግንዕ ዝወቅዕ መን እዩ?
4ልቦም ከየስተውዕል ከልኪልካዮ ኢኻ፤
ስለዙይ ድማ ልዕል ልዕል ኣይተብሎምን።
5ብፆቱ ንምዝመዛ ኣሕሊፉ ዝህብ ሰብ፥
ኣዒንቲ ደቁ ይፅልምታ።
6ኣብ ማእኸል ህዝብታት መመሰሊ ገበረኒ፤
ኣብ ገፁ ፂቕ ከም ዝብሉሉ ሰብ ኮንኩ።
7ኣዒንተይ ብሓዘን ፈዘዛ፤
ኵሎም ኣካላተይ ከም ፅላሎት ኮኑ።
8እቶም ቅኑዓት ሰባት በዙይ ክግረሙ እዮም፤
እቲ ንፁህውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፉእ ሰብ ክናደድ እዩ።
9እቲ ፃድቕ ኣብ መንገዱ ኽፀንዕ፥
እቲ ኣእዳዉ ንፁህ ዝኾነ ድማ፥
ሓይሊ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ።
10አረ ዅልኻትኩም ንዑ ናባይ ተመለሱ፤
ካባኻትኩም ሓደ ለባም እኳ ኣይረክብን እየ።
11“ዘመነይ ሓሊፉ፤
ሓሳበይን መሳርሒ ልበይን ተቛረፀ።
12ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፤
እቲ ብርሃን ናብ ፀልማት ዝቐረበ ይመስሎም።
13እቲ ዝፅበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ኾነ፥
መንፀፈይ ኣብ ፀልማት እንተ ኣንፀፍኩ፥
14ንመቓብር ‘ኣቦይ ኢኻ’
ንሓሰኻውን ‘እኖይ ወይ ሓፍተይ ኢኺ’ እንተ በልኩ፥
15ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣሎ?
ንተስፋይ ክሪኣ ዝኽእልከ መንዩ?
16ምሳይዶ ናብ መቓብር ክትወርድ እያ?
እታ ተስፋኸ ምሳይዶ ናብ ሓመድ ክትወርድ እያ?”

Currently Selected:

ኢዮብ 17: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in