ኢዮብ 16
16
ፍትሒ ሰብን ፍትሒ እግዚኣብሄርን
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ኣነ ኸምዙይ ዝበለ ነገር ብዙሕ ጊዜ ሰሚዐ ኣለኹ፤
ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ዘይትጠቕሙ መፀናናዕቲ ኢኹም።
3ብሓቂ ንኸንቱ ቓልዶ መወዳእታ ኣለዎ እዩ?
ወይ ከዓ ንኽትምልስ ዘለዓዓለካ እንታይ እዩ?
4ነፍሰይ ክንዲ ነፍስኹም እንተ ዝኸውን ነይሩ፥
ኣነ ኣብ ልዕሌኹም ቃል መሳኻዕኹ፥
ርእሰይውን ኣብ ልዕሌኹም ምንቕናቕ ምተኽኣለኒ ነይሩ።
5ብዘረባ ኣፈይውን መበርታዕኹኹም ነይረ፤
ምፅንናዕ ከንፈረይውን መህድአኩም ነይሩ።”
6“ግና ኣነ እንተ ተዛረብኩ፥ ሕማመይ ኣይቕንስን፤
ስቕ እንተ በልኩውን፤ ኣይሓድገንን እዩ።
7ሕዝስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፤
ንዅሉ ማሕበረይውን ኣፍሪስዎ።
8ምጭምዳደይ ይምስክረለይ ኣሎ፤
ዕብራነይ ተልዒሉኒ፥ ኣብ ገፀይውን ይምስክረለይ ኣሎ።”
9“ብቝጥዓኡ ሰላልዐንን ፀልአኒውን፤
ኣስናኑውን ሓርቀመለይ፤
ፀላእየይ ዓይኑ ኣፍጠጠለይ።
10ንሳቶምውን ኣፎም ከፈቱለይ፤
ኵሎም ተኣኪቦም ከዓ እናላገፁ ገፀይ ፀፍዑኒ።
11እግዚኣብሄር ንኽፉኣት ሰባት ኣሕሊፉ ሃበኒ፤
ኣብ ኢድ ክፉኣት ሰባትውን ደርበየኒ።
12ኣነ ሃዲአ ዝነብር ሰብ ነበርኩ፤
ንሱ ግና ሰበረኒ፤
ብኽሳደይ ሒዙ ቐጥቀጠኒ፤
ዕላማኡ ገይሩ ኣቖመኒ።
13ሰብ ፍላፃታት ከበቡኒ፤
ንዀላሊተይ ቈራረፆ፤ ንሱውን ኣይራህርሀን፤
ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ኣፍሰሶ።
14ኣብ ልዕሊ ቝስሊ፥ ቍስሊ ወሰኸኒ፤
ከም ሓያል እናሰገረ ይጐየኒ።”
15“ኣብ ልዕሊ ቘርበተይ ወጮ ሰፈኹ፤
ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደርበኹ።
16 #
ኢዮብ 19፡25። ካብ ብኽያት ዝተልዓለ ገፀይ ቀይሐ፤
ኣብ ከበሮ ዓይነይ ፅላል ሞት ኣሎ፤
17ግና ዓመፃ ኣብ ኢደይ የለን፤
ፀሎተይ ከዓ ንፁህ እዩ።”
18“ኣቲ ምድሪ፥ ንደመይ ኣይትኸውሊዮ፤
ንኣውያተይውን መዕረፊ ኣይኹን።
19ሕዚ እውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ ኣሎ፤
ዝምስክረለይውን ኣብ ኣርያም እዩ።
20ፀሎተይ ናብ እግዚኣብሄር ይብፃሕ፤
ዓይነይውን ኣብ ቅድሚኡ ንብዓት ተፍስስ።
21ከምቲ ወዲ ሰብ ምስ ብፃዩ ዝማጐት፥
ኣበይሞ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምምጓት ከም ከኣለ!”
22ውሑዳት ዓመታት ምስ ሓለፋ፥
ኣነ ናብቲ ዘይምለሰሉ መንገዲ ክኸይድ እየ።
Currently Selected:
ኢዮብ 16: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in