YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 14

14
1“ኵሉ ኻብ ሰበይቲ ዝውለድ ሰብ፥
ዘመን ህይወቱ ቝሩብ መዓልቲ እዩ፤
መከራውን ዝመልኦ እዩ።
2ከም ዕምበባ ይዕምብብ እሞ ይረግፍ፤
ከም ፅላሎት ይሃድም፤ ኣይፀንዕንውን።
3ኣብ ልዕሊ ኸምዙይ ዝመሰለ ሰብዶ ኣዒንትኻ ትኸፍት ኣለኻ?
ክፍረድከ ናብ ቅድሜኻዶ ተቕርበኒ ኣለኻ?
4ካብ ርኹስ ነገርከ ንፁህ ከውፅእ ዝኽእልዶ ኣሎ?
ሓደ እኳ ዝኽእል የለን።
5ዕድመ ሰብ ውሱን እዩ፤
ቍፅሪ ኣዋርሑውን ኣባኻ እዩ፤
ክሓልፋ ዘይኽእል ደረትውን ወሰንካሉ።
6ንሱ ኸም በዓል ውዕለት፥
መዓልቱ ኽሳዕ ዝፍፀም ክዓርፍስ፥
ቁሩብ ካብኡ ዘወር በል።”
7“ኦም ተስፋ ኣለዎሞ፥
እንተ ተቘርፀ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፤
ውልዶታቱውን ኣይውዳእን።
8ሱሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፥
ጕንዱ ድማ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፥
9ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፤
ከም ሓድሽ ተኽሊ ኾይኑውን ጨናፍር የውፅእ።
10ሰብ ግና ይመውትሞ ይጋደም፤
ሰብውን ነፍሱ ይህብ ንሱኸ ኣበይ ኣሎ?”
11“ማይ ካብ ውሽጢ ባሕሪ ይሃልቕ፤
ሩባውን ይንእስን ይደርቕን፤
12ሰብ ድማ ደቂሱ ኣይትስእን፤
ሰማያት ክሳዕ ዝሓልፉ ኸቶ ኣይነቅሕን፤
ካብ ድቃሱውን ኣይትስእን።”
13“ኣበይሞ ቝጥዓኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፥ እንተትስውረኒ፥
ኣብ መቓብር እንተትሓብአኒ፥
መዓልቲ ቘፀራ እንተትውስነለይ እሞ፥
ብድሕሪኡ እንተትዝክረኒ።
14ብሓቂ ሰብ ምስ ሞተ፥
ተመሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ?
ዘመን ምሕዳሰይ ክሳዕ ዘመፅእ፥
ኵሉ ዘመን ሰልፈይ ብትዕግስቲ ምተፀበኹ ነይረ።
15ንስኻ ምፀዋዕኻኒ፤ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፤
ነቲ ግብሪ ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።
16ሕዚ ግና ንስጕምተይ ትቘፅሮ ኣለኻ፤
ንሓጢኣተይውን ትከታተሎ ኣለኻ።
17ምትሕልላፈይ ኣብ ውሽጢ ኸረጢት ተሓቲሙ እዩ፤
ንሓጢኣተይውን ለቢጥካዮ ኣለኻ።”
18“እምባ እንትወድቕ ይጠፍእ፤
ኰዅሒውን ካብ ቦታኡ ይፈልስ።
19ከምቲ ማያት ነእማን ዝፍሕቖ፥
ውሕጅውን ንሓመድ ምድሪ ዝጕሕጕሖ፥
ከምኡ ኸዓ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።
20ንስኻ ንሓዋሩ ተሸንፎ፤ ንሱ ድማ ይሓልፍ፤
ንትርኢቱ ትልውጦ፤ ንእኡውን ትሰዶ።
21ደቁ እንተ ኸበሩ፤ ኣይፈልጦን፤
እንተ ሓሰሩውን፥ ኣየስተውዕሎን እዩ።
22ንስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ እዩ ዝስምዖ፤
ነፍሱውን ብዛዕባ ርእሱ ትሓዝን።”

Currently Selected:

ኢዮብ 14: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in