ኢዮብ 13
13
1“እንሆ፥ ነዝ ዅሉ ዓይነይ ረአየት፤
እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተውዓለቶ።
2ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎ ኣነውን እፈልጦ እየ፤
ካባኻትኩም ድማ ኣይንእስን እየ።
3ግና ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክነግር እደሊ ኣለኹ፤
ምስ እግዚኣብሄር ክዋቐስ እደሊ ኣለኹ።
4ንስኻትኩም ብሓሰት ለበጥቲ ኢኹም፤
ኵልኻትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።
5አረ ስቕ ምባል እኳ እንተ እትኽእሉ፤
እዙይ ንኣኻትኩም ከም ጥበብ ምተቘፅረልኩም ነይሩ።
6ሕዚ እውን ምጕተይ ስምዑ፤
ንምጕት ከናፍረይውን ኣድምፁ።
7ንእግዚኣብሄር ብቓል ዓመፃ ኽትከላኸሉሉ፥
ምእንታኡ ኢልኩምከ ብምትላል ክትዛረቡ ዲኹም?
8ንእኡ ኣድልዎ ኽትገብሩሉ ዲኹም?
ንእግዚኣብሄር ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣለኹም?
9ንሱ እንተ ዝምርምረኩም፥
ፅቡቕ ዝኾነልኩምዶ ይመስለኩም ኣሎ?
ወይ ከዓ ኸምቲ ንሰብ እተላግፁሉ፥
ንእኡ እተላግፁሉዶ ይመስለኩም?
10ብስዉር ንገፅ ሰብ ኣድልዎ እንተ ገበርኩም፥
ንሱ ብግልፂ ኽዘልፈኩም እዩ።
11ዕብየቱዶ ኣየፍርሐኩምን እዩ?
ግርማኡኸ ኣየውድቐኩምን ድዩ?
12ምስላታትኩም ምስላ ሓመድ እዮም፤
ዕርድታትኩምውን ዕርድታት ጭቃ እዮም።”
13“ስቕ በሉ፥ ክናገርውን ሕደጉኒ፤
ዝወረደ ይውረደኒ።
14ስጋይ ብስነይ እሕዝ ኣለኹ፤
ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብር ኣለኹ።
15እንሆ፥ እንተ ቐተለኒ እኳ ንእኡ ብትዕግስቲ ኽፅበ እየ፤
ግና መንገደይ ኣብ ቅድሚኡ ኸፅንዕ እየ።
16ግብዝ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክብል ኣይኽእልን እዩ እሞ፤
ንሱ መድሓኒት ክኾነኒ እዩ።
17ንነገረይ ተጊህኹም ስምዕዎ፤
ንምስክርነተይውን በእዛንኩም ኣዳምፅዎ።
18እንሆ፥ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣለኹ፤
ፃድቕ ኮይነ ኸም ዝርከብውን እፈልጥ እየ።
19ምሳይ ዝፋረድ መን እዩ?
ሕዚ ኣነ ስቕ እንተ በልኩ ኽመውት እየ።”
20“ኦ ኣምላኽ! እዘን ክልተ ነገራት ጥራሕ ኣይትግበረለይ፤
ሽዑ ኣነ ኻብ ቅድሚ ገፅካ ኣይስወርን እየ፤
21ኢድካ ኻባይ ኣርሕቕ፤
ግርማኻውን ኣየደንግፀኒ።
22ድሕሪዙይ ንስኻ ፀውዐኒ፤
ኣነውን ክምልስ እየ፤
ወይ ኣነ ኽዛረብ፥ ንስኻ መልሰለይ።
23በደለይን ሓጢኣተይንስ ክንደይ ዝኣክል እዩ?
እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።”
24“ንምንታይ ንገፅካ ኻባይ እትኽውሎ?
ንምንታይከ ኸም ፀላኢኻ እትሪአኒ?
25ንዝረገፈ ቘፅሊዶ ተጨንቕ ኣለኻ?
ወይ ከዓ ንዝነቐፀ ሓሰርዶ ተሳጕጎ ኣለኻ?”
26“ዝመረረ ነገር ፅሒፍካለይ ኢኻሞ፥
ሓጢኣት ንእስነተይውን ተውርሰኒ ኣለኻ።
27 #
ኢዮብ 33፡11። ንስኻ ነእጋረይ ብመቝሕ ትኣስረን፤
ንብዘሎ ኣካይዳይውን ትቋመቶ፤
ንኣሰር እግረይ መለለዪ ትገብረሉ ኣለኻ።
28ኣነስ በስቢሱ ከም ዝጠፍእ ነገር፥
ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ኽዳን ኮንኩ።”
Currently Selected:
ኢዮብ 13: ትመ15
Highlight
Share
Copy

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in