YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 12

12
ጥበብ ኣምላኽን ተግባራቱን
1ድሕሪዙይ ኢዮብ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“እምበኣር ብሓቂ ንስኻትኩም ኣውራታት ሰባት ኢኹም!
ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ!
3ግና ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣለኒ፤
ካባኻትኩም ዝንእስ ኣይኮንኩን፤
ከምዙይ ዝበለ ነገር ዘይፈልጥከ መን እዩ?
4ኣነ መስሓቒ ብፆቱ ኸም ዝኾነ ሰብ ኮይነ ኣለኹ፤
ንእግዚኣብሄር ዝፀዋዕኹዎ፥
ንሱውን ዝመለሰለይ ኣነ እየ፤
ፃድቕን ፍፁምን ዝኾነ ሰብ መላገፂ ኾነ።
5ብሓሳብ እቲ ኣብ ምቾት ዝነብር ሰብ፥ መከራ ዝተንዓቐ እዩ፤
ግና እግሩ ኸንደልህፆ ተዳልዩ ኣሎ።
6ቤት እቶም ከተርቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፤
እቶም ንእግዚኣብሄር ዘቘጥዑውን፥
ብህድኣት ይነብሩ ኣለዉ፤
እግዚኣብሄር፥ ንዅሉ ኣብ ኢዶም ኣምፂኡሎም እዩ።”
7“ግና ንእንስሳት ጠይቕወን እሞ፥ ክምህራኹም እየን፤
ነዕዋፍ ሰማይውን ጠይቕወን፥ ክነግራኹም እየን።
8ወይ ከዓ ንምድሪ ጠይቕዋ እሞ ኽትምህረኩም እያ፤
ነቶም ኣብ ባሕሪ ዘለዉ ዓሳታትውን ጠይቕዎም ክነግሩኹም እዮም።
9ኢድ እግዚኣብሄር፥ እዙይ ከም ዝገበረ
ካብዚኣቶም ዘይፈልጥ መን እዩ?
10ነፍሲ ዅሎም ህያዋንን፥
እስትንፋስ ኵሉ ወዲ ሰብን ኣብ ኢዱ እያ።
11ከምቲ መልሓስ ንምግቢ ዘስተማቕር፥
እዝኒ ድማ ንቓል ዝፈልዮዶ ኣይኮነን?
12ጥበብ ኣብ ሽምግልና፥
ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።”
13“ጥበብን ሓይልን ኣብ እግዚኣብሄር ኣሎ፤
ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።
14እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤
ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።
15እንሆ፥ ንሱ ንማያት ይኽልክሎም፤
ንሳቶምውን ይነፅፉ፤
ከፊቱ እንተ ሰደዶም ድማ፥
ንምድሪ የዕለቕልቑዋ።
16ሓይልን ጥበብን ናይ እግዚኣብሄር እየን፤
እቲ ዝስሕትን ዘስሕትን ናቱ እዮም።
17ንሱ ንመማኽርቲ ፍልጠቶም የሕድጎም፤
ንፈረድቲ እውን ሰነፋት ይገብሮም።
18ናይ ነገስታት እስራት ይፈትሕ፤
ንሕቘኦም ድማ ብመዕጠቒ ይኣስር።
19ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፤
ንሓያላት ድማ ይግልብጦም።
20ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርስ፤
ንሽማግለታት ምስትውዓል የሕድጎም።
21ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቕ ንዕቐት የፍስስ፤
ንሓያላትውን ዕጣቖም የፍትሖም።
22ንዕሙቕ ነገር ካብ ፀልማት ይቐልዕ፤
ንፅላል ሞትውን ናብ ብርሃን የውፅኦ።
23ንኣህዛብ ልዕል ልዕል የብሎም፥
መሊሱ ኸዓ የጥፍኦም፤
ንኣህዛብ የብዝሖም፥ መሊሱ ድማ የፍልሶም።
24ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድሪ፥ ጥበቦም የሕድጎም፤
መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኾለል የብሎም።
25ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም ኣብ ፀልማት ሃሰስ ይብሉ፤
ንሱውን ከም ሰካራማት ሰንከልከል ከም ዝብሉ ይገብሮም።”

Currently Selected:

ኢዮብ 12: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in