YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 11

11
ኢዮብን ጥበብ እግዚኣብሄርን
1ድሕሪዙይ ሶፋር በዓል ናዕማ፥ ከምዙይ ኢሉ መለሰ፦
2“ነዝ ዅሉ ብዝሒ ቓላት እዙይዶ፥
ምላሽ ምሃብ ኣይግብኦን እዩ?
ወይ ከዓ ተናጋሪ ሰብዶ፥
ከም ፃድቕ ይቝፀር እዩ?
3ትምክሕትኻኸ ንሰብዶ ስቕ የብሎ እዩ?
እንተ ኣላጊፅካስ ዘሕፍረካዶ የለን?
4ንስኻ ‘ትምህርተይ ዝተፃረየ እዩ፤
ኣብ ቅድሚ ዓይንኻውን ንፁህ እየ’
ትብል ኣለኻ።
5ኣበይሞ እግዚኣብሄር እንተ ዝዛረበካ፤
ኣባኻውን ከንፈሩ እንተ ዝኸፍት!
6ኣበይሞ ናይ ጥበብ ምስጢራት፥
ካብቲ ዘሎ ዕፅፊ ምዃኑ እንተ ዝገልፀልካስ፥
እግዚኣብሄር ንሓጢኣትካ፥
ካብ ዝግባእ ኣንኢሱ ኸም ዘኸፍለካ ምፈለጥካ።”
7“ንዕሙቕ ነገራት እግዚኣብሄር ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ?
ንምልኣት እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽከ፥
ክትምርምሮዶ ትኽእል ኢኻ?
8ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፤ እንታይ ክትገብር ትኽእል?
ካብ ሲኦልውን ይዓምቝ፤ እንታይ ክትፈልጥ ትኽእል?
9መጠኑ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፤
ካብ ባሕሪ እውን ይሰፍሕ።
10ንሱ እንተ ሓለፈ፥ እንተ ዓፀወን፥
ጉባኤውን እንተ ኣከበ፥
መን ክኽልክሎ ይኽእል?
11ንሱ ነቶም ከንቱ ዝኾኑ ሰባት ይፈልጦም፤
ዓመፅ እናረአየውን ስቕ ኢሉ ኣይምልከትን።
12ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል ካብ ዝመሃር፥
ዒሉ ኣድጊ በረኻ፥ ሰብ ኮይኑ ኽውለድ ይቐልል።
13“ኢዮብ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ልብኻ ኣቕንዕ፤
ኣእዳውካውን ናብኡ ዘርግሕ፤
14ኣብ ኢድካ ዓመፃ እንተ ሃልዩ፥ ኣርሕቆ፤
ኣብ ቤትካውን ግፍዒ ኣይተንብር።
15ሽዑ ብሓቂ ብዘይ ሕፍረት ገፅካ ኽተቕንዕ ኢኻ፤
ፅኑዕ ትኸውን እምበር ኣይትፈርሕን ኢኻ።
16ሽዑ ንመከራኻ ኽትርስዖ ኢኻ፤
ከም ዝሓለፈ ውሕጅ ክትሓስቦ ኢኻ።
17ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊፃ ኽትበርህ እያ፤
ፀልማት እኳ እንተ ኾነ፥ ከም ጊሓት ይኸውን።
18ተስፋ ስለ ዘለካውን ተኣማሚንካ ኽትነብር ኢኻ፤
ኣብ ዙርያኻ ተማዕዱ፥ ብህድኣትውን ክትዓርፍ ኢኻ።
19ዘፍርሕ ዘይብልካ ኽትድቅስ ኢኻ፤
ብዙሓትውን ልመና ኸቕርቡልካ እዮም።
20ኣዒንቲ ኽፉኣት ግና ኽፅልምታ እየን፤
ዝሃድሙሉውን ይስእኑ፤
ተስፋኦም ድማ ንነፍሶም ምሕላፍ እዩ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 11: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in