YouVersion Logo
Search Icon

ኢዮብ 10

10
1“ነፍሰይ ንህይወተይ ሰልከየታ፤
ስለዙይ ጥርዓነይ ብቝዘማ ኸስምዕ እየ፤
ብምረት ነፍሰይ ድማ ኽዛረብ እየ።
2ንእግዚኣብሄር ከምዙይ ክብሎ እየ፤
ኣይትፍረደኒ፤ ብምንታይ ትዅንነኒ ኸም ዘለኻ ንገረኒ።
3ክተጨንቕን፥ ንስራሕ ኢድካኸ ክትንዕቕን፥
ንምኽሪ ኽፉኣት ሰባት ክተብርህስ፥
ብኣኻ ፅቡቕ ድዩ?
4ዓይንኻ ኸም ዓይኒ ሰብ ድዩ?
ወይ ከም ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ?
5መዓልቲታትካ ኸም መዓልቲታት ሰብ ድየን?
ዓመታትካኸ ኸም ዓመታት ወዲ ሰብ ድየን?
6ስለ ምንታይ ደኣ ሓጢኣተይ እትምርምር?
ብበደለይ ከዓ እትከታተለኒ ዘለኻ?
7ኣብ ልዕሊ እዙይውን በዳሊ ኸም ዘይኮንኩ፥ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ፤
ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየለውን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።”
8“ኣእዳውካ ቐረፃኒ፤ ሰርሓኒውን፤
ሕዚ ግና ኽተጥፍአኒ ትደሊ ኣለኻ።
9ከም ጭቃ ኸም ዝለወስካኒ ዘክር፤
ሕዚ ደኣ ስለ ምንታይ፥
ናብ ሓመድ ክትመልሰኒ ትደሊ ኣለኻ?
10ከም ፀባዶ ኣየፍሰስካንን?
ከም ርግኦስ ኣየርጋእኻንን ዲኻ?
11ቈርበትን ስጋን ኸደንካኒ፤
ብዓፅምን ጅማትን ኣገጣጠምካኒ።
12ህይወት ሃብካኒ፤ ሕያዋይነትካ ድማ ኣርአኻኒ፤
ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ።
13ነዞም ነገራት እዚኣቶም ኣብ ውሽጢ ልብኻ ሓባእኻ፤
ሓሳብካ እዙይ ከም ዝነበረ ፈሊጠ ኣለኹ።
14ሓጢኣት እንተ ገበርኩ ንስኻ ትምልከተኒ፤
ካብ ሓጢኣተይውን ንፁህ ኣይትገብረንን።
15ሓጥእ እንተ ኾንኩ ወይለይ!
ፃድቕ እንተ ኾንኩውን ርእሰይ ከቕንዕ ኣይክእልን፤
ውርደት ተመላእኹ፤
መከራይውን እርኢ ኣለኹ።
16ርእሰይ ልዕል እንተ ዘብል ድማ፥
ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፤
መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ዘደንቕ ሓይልኻ መርአኻ።
17ኣብ ልዕለይ ሓደስቲ መሰኻኽር መቖምካለይ፥
ንቝጥዓኻ ኣብ ልዕለይ መብዛሕኻዮ፤
ጭፍራ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ምወሰኽካለይ።”
18“ንምንታይ ደኣ ኻብ ማህፀን ኣውፃእኻኒ?
ኣበይሞ ዓይኒ እንተይረአየኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን!
19ከም ዘይነበረ ምኾንኩ፤
ካብ ማህፀንውን ናብ መቓብር ምተወሰድኩ ነይረ።
20መዓልቲታት ህይወተይ ውሑዳትዶ ኣይኮናን?
21ስለዙይ ናብታ ዘይምለሰላ ቦታ ቕድሚ ምኻደይ፥
ናብ ምድሪ ፀልማትን ፅላል ሞትን፥
22ከም ፀልማት ናብ ዝፀልመተት፥
ስርዓት ናብ ዘይብላ ናብ ፅላል ሞት፥
ብርሃና ከም ፀልማት ናብ ዝኾነ ምድሪ እንተይከድኩ፥
ቍሩብ ምእንቲ ደስ ክብለኒ ሕደገኒ።”

Currently Selected:

ኢዮብ 10: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in