YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ መእተዊ

መእተዊ
ወንጌል ዮሃንስ ንኢየሱስ፥ ሰብ ኮይኑ ኣብ ማእኸል ደቂ ሰብ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘለኣለማዊ ቓል እግዚኣብሄር ገይሩ የቕርቦ። እቲ መፅሓፍ ባዕሉ ኸም ዝገልፆ፥ ወንጌል ዮሃንስ ዝተፅሓፈ፥ ኣንበብቲ፥ ኢየሱስ እቲ መድሓኒ ኾይኑ ኽመፅእ እዩ ዝተብሃለ፥ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኽኣምኑን፥ ንእኡ ብምእማኖምውን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረኽቡን እዩ (20፡31)።
ናይዝ ወንጌል እዙይ መጀመርታ ኽፍሊ፥ ኢየሱስን እቲ ዘለኣለማዊ ዝኾነ ቓል እግዚኣብሄርን ሓደ ምዃኖም፥ ብመልክዕ መእተዊ ምስ ገለፀ፥ ኢየሱስ እቲ ኽመፅእ ዘለዎ፥ መድሓኒ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዘመልክት ዝተፈላለየ ተኣምራት የቕርብ። ቀፂሉ ኸዓ በቲ ዝተገብረ ተኣምራት፥ እንታይ ከም ዝተገልፀ ዘረድእ ኣስተምህሮታት የስዕብ። እዝ ኽፍሊ እዙይ ዝተፈላለዩ ሰባት፥ ከመይ ኢሎም ብኢየሱስ ኣሚኖም ሰዓብቱ ኸም ዝኾኑ፥ ገሊኣቶም ሰባት ከዓ ብእኡ ኣይንኣምንን ኢሎም ከም ዝተቓወምዎ ይገልፅ። ካብ ምዕራፍ 13-17 ኢየሱስ በታ ዝተትሓዘላ ምሸት፥ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ፅኑዕ ፍቕሪ ኸም ዝገለፀን፥ ኣብ ድሮ ስቕለቱ ብነዊሕ ናይ ምድላውን ምትብባዕን ቃል ከም ዝሃቦምን ይገልፅ። እተን ናይ መወዳእታ ምዕራፋት ከዓ፥ ብዛዕባ ማእሰርቲ ኢየሱስን ናብ ፍርዲ ምቕራቡን፥ ብዛዕባ ስቕለቱን ትንሳኤኡን፥ ብድሕሪ ትንሳኤኡ ኸዓ ንደቀ መዛሙርቱ ደጋጊሙ ኸም ዝተርኣዮምን ዝገልፃ እየን።
ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ (8፡1-11) ኣብ ውሽጢ ሓፁር ተገይሩ ኣሎ። እዙይ ከዓ ብዙሓት ናይ ጥንቲ መፃሕፍቲ ስለ ዘይፅሕፍዎን ካልኦት ከዓ፥ ኣብ ካልእ ቦታ ስለ ዘእትውዎን እዩ።
ዮሃንስ ነቲ ብክርስቶስ ዝርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብሪሁ ይገልፆ። እዙይ ከዓ ነቶም ንኢየሱስ ከም መንገድን ሓቅን ህይወትን ገይሮም ዝቕበልዎ ዝወሃብ፥ ሕዚ ዝጅምር ህይወት እዩ።
ወንጌል ዮሃንስ ፍሉይ ኮይኑ ዝረአየሉ ነገር ኣሎ። እዙይ ድማ ሓደ መንፈሳዊ ሓቂ ንምርዳእ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና እንጥቀመሎም ነገራት ማለት ከም ማይ፥ እንጀራ፥ ብርሃን፥ ጓሳን ኣባጊዑን፥ ተኽሊ ወይንን ፍሪኣን ዝመስሉ ነገራት ገይሩ ብምስላ ስለ ዝምህር እዩ።
ትሕዝቶ
1. ቃል እግዚኣብሄር፥ ሰብ ከም ዝኾነ 1፡1-18
2. መጥምቕ ዮሃንስን ቀዳሞት ደቀ መዛሙርት ኢየሱስን 1፡19-51
3. ኢየሱስ ንህዝቢ ዝሃቦ ኣገልግሎት 2፡1-12፡50
4. ኢየሱስ ኣብ ኢየሩሳሌምን ከባቢኣን ዘሕለፈን መወዳእታ መዓልቲታት 13፡1-19፡42
5. ጐይታ ኸም ዝተስአን ደጋጊሙ ኸም ዝተርኣየን 20፡1-31
6. ንኻልኣይ ጊዜ ኣብ ገሊላ ኸም ዝተርኣየ 21፡1-25

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy