YouVersion Logo
Search Icon

ዮሃንስ 1

1
ቃል ህይወት
1 # ዘፍ. 1፡1፥ ዮሓ. 10፡30፥ 17፡5፥ 1 ዮሓ. 1፡1-2፥ ራእይ 19፡13። ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ። 2ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ። 3#1 ቆሮ. 8፡6፥ ቈላ. 1፡16፥ ዕብ. 11፡2፥ ራእይ 3፡14። ኵሉ ብእኡ ኾነ፤ ካብቲ ዅሉ ዝኾነ ድማ፥ ብዘይ ብእኡ ሓደኳ ዝኾነ የለን። 4#መዝ. 36፡9፥ ዮሓ. 8፡12፥ 9፡5፥ 11፡25፥ 14፡6። ህይወት ኣብኡ ነበረት፤ እታ ህይወት ከዓ፥ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5#ዮሓ. 3፡19፥ 12፡46። ብርሃንውን ኣብ ፀልማት የብርህ፤ ፀልማት ከዓ ኣይሰዓሮን።
6 # ማቴ. 3፡1። ካብ እግዚኣብሄር ዝተልኣኸ ዮሃንስ ዝስሙ ሓደ ሰብ ነበረ። 7#ዮሓ. 5፡33፥ ግ.ሓ. 19፡4። ንሱ ምስክር ኮይኑ፥ ኵሎም ብብርሃን ምእንቲ ኽኣምኑ፥ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር መፀ። 8#ዮሓ. 1፡20። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መፀ እምበር፥ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9#ሉቃ. 2፡32። እቲ ንዅሉ ሰብ ዘብርህ ናይ ብሓቂ ብርሃን ግና፥ እቲ ናብ ዓለም ዝመፀ እዩ። 10#ዮሓ. 1፡3። ኣብ ዓለምውን ነበረ፤ ዓለም ከዓ ብእኡ ኾነ፤ ዓለም ግና ኣይፈለጦን። 11#ዮሓ. 3፡32። ናብቶም ናቱ መፀ፤ እቶም ናቱ ግና ኣይተቐበልዎን። 12#ሮሜ 8፡16፥ ገላ. 3፡26፥ ኤፌ. 1፡5። ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣመኑን ግና፥ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም። 13#ዮሓ. 3፡5-6፥ ያቆ. 1፡18፥ 1 ጴጥ. 1፡23። ንሳቶም ከዓ ኻብ እግዚኣብሄር ዝተወለዱ እምበር፥ ካብ ደም፥ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፥ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ #1፡13 ካብ ፍቓድ ሰብኣይ፦ ግእዝ “ካብ ድልየት ሰብኣይን ሰብይትን” ይብል። ዘይተወለዱ እዮም።
14 # ገላ. 4፡4፥ 1 ጢሞ. 3፡16፥ ኢሳ. 40፡5፥ ሉቃ. 1፡30-31፥ ቈላ. 1፡19፥ ዕብ. 2፡14፥ ሉቃ. 9፡32፥ ዮሓ. 2፡11። እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን #1፡14 ኣብ ግእዝ “ሞገስ” ዝብል ይርከብ። መሊእዎ ኸዓ ኣባና #1፡14 ኣባና፦ ገሊኣቶም ፅሑፋት “ምሳና” ይብሉ። ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና። 15#ማር. 1፡7፥ ዮሓ. 1፡30፥ 8፡58። ዮሃንስ ብዛዕባኡ፥ “እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ ይዓቢ እዩ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ” እናበለ ዓው ኢሉ መስከረ። 16ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ፥ ፀጋ ኣብ ልዕሊ ፀጋ ተቐበልና። 17#ሮሜ 10፡4። ሕጊ ብሙሴ ተውሃበ፤ ፀጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ። 18#ማቴ. 11፡27፥ ዮሓ. 6፡46፥ 14፡9-10፥ ዘፀ. 33፡20። ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ምስክርነት መጥምቕ ዮሃንስ
19 # ሉቃ. 3፡15፥ ዮሓ. 5፡33። ኣይሁድ “ንስኻ መን ኢኻ?” ኢሎም ክጥይቕዎ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን፥ ናብኡ ምስ ለኣኹሉ፥ ናይ ዮሃንስ ምስክርነት እዙይ እዩ፦ 20#ዮሓ. 3፡28፥ ግ.ሓ. 13፡25። “ኣነስ ክርስቶስ ኣይኮንኩን” ኢሉ መስከረ እምበር፥ ኣይከሓደን። 21#ማቴ. 11፡14፥ ዘዳ. 18፡15። ንሳቶም ድማ “መን ደኣ ኢኻ? ኤልያስ ዲኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” በለ።
“እቲ ነቢይ ዲኻ?”
ንሱ ኸዓ “ኣይኮንኩን” ኢሉ መለሰሎም።
22ሽዑ ንሳቶም “መን ደኣ ኢኻ? ነቶም ዝለኣኹና መልሲ ምእንቲ ኽንህቦምስ፥ ንባዕልኻ መን እየ ትብል?” በልዎ።
23 # ኢሳ. 40፡3። ዮሃንስ ከዓ “ኣነስ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፦ ‘መንገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ’ እናበለ፥ ኣብ ምድረ በዳ ዝእውጅ ድምፂ እየ” በሎም። 24እቶም ልኡኻት ካብ ወገን ፈሪሳውያን ነበሩ። 25#ማቴ. 21፡25። ንሳቶም ከዓ “እምበኣር ክርስቶስ ወይ ኤልያስ ወይ ነቢይ እንተ ዘይኴንካ፥ ንምንታይ ተጥምቕ ኣለኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ። 26#ማቴ. 3፡11። ዮሃንስ ድማ “ኣነ ብማይ ኣጥምቕ ኣለኹ፤ ግና ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእኸልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። 27#ማር. 1፡7። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ብድሕረይ ዝመፅእ፥ ኣነ መእሰሪ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቅዕ፥ ንሱ እዩ” #1፡27 ኣብ ግእዝ “ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን ከጥምቐኩም እዩ” ዝብል ይርከብ። ኢሉ መለሰሎም።
28እዙይ ኣብቲ ዮሃንስ ዘጥምቐሉ ዝነበረ፥ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤተ ራባ፥ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኮነ።
ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ
29 # ዘፍ. 22፡13፥ ዘፀ. 12፡5፥ ኢሳ. 53፡7፥ ራእይ 5፡8-10፥ ኤፌ. 1፡7፥ ዕብ. 9፡28፥ 1 ዮሓ. 2፡2፥ 3፡5፥ 1 ጴጥ. 1፡19። ንፅባሒቱ፥ ዮሃንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ፥ ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ እንሆ!” በለ። 30#ዮሓ. 1፡15። “እቲ ኣነ ብዛዕባኡ፥ ‘እቲ ብድሕረይ ዝመፅእ ቅድመይ ዝነበረ እዩሞ፥ ንሱ ኻባይ የመና ይዓቢ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ። 31#ሉቃ. 3፡3። ኣነ ኣይፈልጦን ነይረ፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለፅ፥ ኣነ ብማይ እናጥመቕኩ መፃእኹ።” 32#ማቴ. 3፡16። መሊሱውን ዮሃንስ ከምዙይ ኢሉ መስከረ፦ “መንፈስ ቅዱስ፥ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንተሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ሓደረ። 33#ኢሳ. 11፡2፥ ዮሓ. 20፡22፥ ግ.ሓ. 1፡5። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ፥ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንተሎ እትሪኦ፥ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ #1፡33 ብመንፈስ ቅዱስ፦ ግእዝ “ብመንፈስ ቅዱስን ብሓዊን” ይብል። ኢሉኒ ደኣ እምበር፥ ኣነስ ኣይፈልጦን ነይረ። 34#ማቴ. 3፡17። ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሄር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።”
ቀዳሞት ደቀ መዛሙርት ኢየሱስ
35 # ዮሓ. 1፡29። ንፅባሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኢሉ ነበረ። 36ንኢየሱስ ክሓልፍ እንተሎ ምስ ረአዮ “እንሆ! ናይ እግዚኣብሄር በጊዕ” በለ። #1፡36 ኣብ ግእዝ “ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ” ዝብል ይርከብ። 37እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ከዓ፥ እዙይ እንትብል ሰሚዖም ንኢየሱስ ተኸተልዎ። 38ኢየሱስ ከዓ ዘወር ኢሉ ክኽተልዎ እንተለዉ ሪኡ፥ “እንታይ ትደልዩ ኣለኹም?” በሎም። ንሳቶም ድማ “ረቢ፥ ኣበይ ትነብር?” #1፡38 ትነብር፦ ግእዝ “ትሓድር” ይብል። በልዎ፤ “ረቢ” ትርጕሙ “መምህር” ማለት እዩ። 39ንሱ ኸዓ “ንዑ ረአዩ” በሎም። መፂኦም ድማ ኣበይ ከም ዝነብር #1፡39 ዝነብር፦ ግእዝ “ዝሓድር” ይብል። ረአዩ፤ በታ ዕለት እቲኣውን ምስኡ ወዓሉ፤ ጊዜኡውን ዓሰርተ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 40ካብቶም ዮሃንስ ዝበሎ ሰሚዖም ንኢየሱስ ዝተኸተልዎ ኽልተ፥ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ ነበረ። 41#ዮሓ. 4፡25። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ “ንመሲሕ ረኺብናዮ” በሎ። ትርጕሙ ኸዓ “ክርስቶስ” ማለት እዩ። 42#ማቴ. 4፡18-22። ናብ ኢየሱስውን ወሰዶ፤ ኢየሱስ ከዓ ናብኡ እናጠመተ “ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ፤ ንስኻ ኬፋ #1፡42 ኬፋ፦ ብኣራማይስጢ “ኬፋ” ብግሪክ “ጴጥሮስ” ብትግርኛ “ኰዅሒ” ማለት እዩ። ኽትብሃል ኢኻ” በሎ። ትርጕሙ “ጴጥሮስ” ማለት እዩ። #ማቴ. 16፡18።
ኢየሱስ ንፊልጶስን ንናትናኤልን ከም ዝፀውዖም
43 # ማር. 2፡14። ንፅባሒቱ ኢየሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፤ ንፊልጶስ ከዓ ረኸቦ እሞ፥ “ተኸተለኒ” በሎ። 44ፊልጶስ ድማ ኻብ ቤተ ሳይዳ፥ ወዲ ዓዳቶም ንእንድርያስን ንጴጥሮስን ነበረ። 45#ዮሓ. 21፡2፥ ሉቃ. 3፡23፥ 24፡27። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ “እቲ ሙሴ ኣብ ኦሪት፥ ነቢያትውን ብዛዕባኡ ዝፀሓፉሉ፥ ንኢየሱስ ወዲ ዮሴፍ በዓል ናዝሬት ረኺብናዮ” በሎ። 46#ዮሓ. 7፡41፥52። ናትናኤል ድማ “ካብ ናዝሬትዶ ሰናይ ኽወፅእ ይኽእል እዩ?” በሎ። ፊልጶስ ከዓ “ነዓ ረአ” በሎ። 47#ሮሜ 2፡28-29። ኢየሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመፅእ እንተሎ ምስ ረአዮ፥ ብዛዕባኡ “እንሆ! ኽፍኣት ዘይብሉ ብሓቂ እስራኤላዊ” በለ። 48#መዝ. 139፡1-4። ናትናኤል ድማ “ኣበይ ትፈልጠኒ?” በሎ። ኢየሱስ ከዓ “ፊልጶስ እንተይፀውዐካ ኣብ ትሕቲ ኦም በለስ እንተለኻ ሪአካ” ኢሉ መለሰሉ። 49#ማቴ. 16፡16፥ ዮሓ. 4፡42፥ 6፡69፥ 12፡13፥ 18፡37፥ 20፡29። ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 50ኢየሱስ ድማ “ኣብ ትሕቲ በለስ ሪአካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ? ገና ኻብዙይ ዝዓቢ ኽትርኢ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 51#ማቴ. 3፡16። ኣስዒቡ ኸዓ “ካብ ሕዚ ሰማይ ተኸፊቱ፥ መላእኽቲ እግዚኣብሄርውን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፥ #1፡51 ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ፦ ግእዝ “ናብ ወዲ ሰብ” ይብል። ክድይቡን ክወርዱን ከም እትሪኡ፥ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም።

Currently Selected:

ዮሃንስ 1: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy