YouVersion Logo
Search Icon

ሉቃስ 24

24
ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ
(ማቴ. 28፡1-10ማር. 16፡1-8ዮሓ. 20፡1-10)
1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፥ እተን ኣንስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፥ ካልኦትውን ምስኣተን፥ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ። 2እቲ እምኒ ኸዓ፥ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ። 3ኣብኡ ኣትየን ግና፥ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን። 4ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፥ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ። 5ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒነን እንተለዋ፥ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፥ ነቲ ህያው፥ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን? 6-7ንሱስ፥ ተሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፥ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክወሃብን ክስቀልን፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፥ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን። 8ነቲ ቓሉ ኸዓ ዘከራ። 9ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ ነዝ ዅሉ፥ ነቶም ዓሰርተ ሓደን፥ ነቶም ካልኦት ብፆቶምን ነገራኦም። 10እተን እዙይ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ፥ ማርያም መግደላዊትን ዮሃናን፥ ማርያም እኖ ያእቆብን እየን። ካልኦት ኣንስትውን ምስኣተን ነበራ። 11እዝ ነገር እዙይ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ሃተፍተፍ መሲሉ ስለ ዝተርኣዮም፥ ኣይኣመንወንን። 12ጴጥሮስ ግና ተሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ፤ ድንን ኢሉ እንተ ጠመተ ኸዓ፥ እቲ መግነዝ በይኑ ተቐሚጡ ረአየ። በቲ ዝኾነ እናተገረመ ኸዓ፥ ናብ ገዛኡ ተመለሰ።
ኣብ መንገዲ ኤማሁስ
(ማቴ. 16፡12-13)
13እንሆ ኸዓ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ክልተ ኻብቶም ደቀ መዛሙርት፥ ካብ ኢየሩሳሌም ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር #24፡13 ዓሰርተ ሓደ ኪሎ ሜትር፦ ወይ “ስሳ ምዕራፍ” ናብ እትርሕቕ፥ ኤማሁስ ናብ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14ንሳቶም ድማ በቲ ዅሉ ዝኾነ፥ ንስንሳቶም ይዘራረቡ ነበሩ። 15እንትዘራረቡን እንትመራመሩን እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ምስኣቶም ሕውስ ኢሉ፥ ክኸይድ ጀመረ። 16ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተኸሊለን ነበራ። 17ንሱ ድማ “እዝ እናኸድኩም፥ #24፡17 ኣብ ገሊኣቶም ብራናታት ግሪክን ግእዝን “እናጕሄኹም” ዝብል ይርከብ። ንስንሳትኩም እትዛረብዎ ዘለኹም ነገር፥ እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም፤ ንሳቶም ከዓ ሓዚኖም ደው በሉ። 18ሓደ ኻብኣቶም ስሙ ቀለዮጳ ዝበሃል “በዘን መዓልቲታት እዚኣተን፥ ነዝ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝኾነ ነገር ዘይትፈልጥስ፥ ንስኻ በይንኻዶ ጋሻ ኢኻ?” ኢሉ መለሰሉ። 19ንሱ ኸዓ “እንታይ እዩ?” በሎም፤ ንሳቶምውን ከምዙይ ኢሎም መለሱሉ፦ “ብዛዕባ ናይ ናዝሬት ኢየሱስ እዩ፤ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብን፥ ብግብርን ብቓልን ብርቱዕ ነቢይ ነበረ። 20ንእኡ ሊቃነ ካህናትን ሹመኛታትን፥ ናብ ናይ ሞት ፍርዲ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን፥ ከም ዝሰቐልዎን፥ 21ንሕና ግና፥ ንእስራኤል ዘድሕን፥ ንሱ እዩ ኢልና፥ ተስፋ ንገብር ኔርና፤ ምስ እዝ ዅሉ ኸዓ፥ እዙይ ካብ ዝኸውን፥ ሎሚ ሳልሳይ መዓልቲ እዩ። 22ካባና ናብ መቓብር ገስጊሰን ከይደን ዝነበራ ኣንስቲ ግና፥ ዘገርም ነገር ነገራና። 23ስጋኡ ምስ ሰኣና፥ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን፥ ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረአያ፥ መፂአን ነገራና። 24ካባናውን ገሊኣቶም ሰባት፥ ናብ መቓብር ምስ ከዱ፥ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ኾይኑ ረኸብዎ፤ ንእኡ ግና ኣይረአይዎን።”
25ንሱ ድማ፥ “ኣቱም ነቢያት ዝተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ፥ ኣቱም ዘይተስተውዕሉ፥ 26ክርስቶስ ነዝ መከራ እዙይ ክቕበል እሞ፥ ናብ ክብሩ ኽኣቱ ግድንዶ ኣይኮነን?” በሎም። 27ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ መፃሕፍቲ ዘሎ፥ ካብ ሙሴን ካብ ኵሎም ነቢያትን እናጠቐሰ፥ ክገልፀሎም ጀመረ።
28ናብታ ይኸዱዋ ዝነበሩ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸዓ፥ ሓሊፉ ዝኸይድ መሰለ። 29ንሳቶም ግና “መስዩ እዩ፤ ፀሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፥ ምሳና ሕደር” ኢሎም ኣጥቢቖም ለመንዎ፤ ንሱ ኸዓ ምስኣቶም ክሓድር ኣተወ። 30ኣብ ማእዲ ምስኣቶም ምስ ተቐመጠ ድማ፥ እንጀራ ኣልዒሉ፥ ባሪኹ፥ ቈሪሱ ሃቦም። 31ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ እሞ ኣለለይዎ፤ ንሱ ግና ኻብኣቶም ተሰወረ። 32ንስንሳቶም ከዓ “እቲ ኣብ መንገዲ ኽዛረበናን፥ መፃሕፍቲ እናጠቐሰ ኽገልፀልናን እንተሎዶ ግዳ፥ ልብና ይነደና ኣይነበረን?” ተበሃሃሉ። 33በታ ሰዓት እቲኣ ተልዒሎም፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ፤ ነቶም ዓሰርተ ሓደ ደቀ መዛሙርቱን፥ ነቶም ምስኣቶም ዝነበሩን ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34“ብሓቂ ጐይታ ተሲኡ እዩ! ንስምኦንውን ተርእዩዎ እዩ” ይብሉ ነበሩ። 35እቶም ክልተ ድማ፥ እቲ ኣብ መንገዲ ዝኾነን፥ እንጀራ ኽቘርስ እንተሎ፥ ከመይ ኢሎም ከም ዘለለይዎን ነገርዎም።
ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝተርኣየ
(ማቴ. 28፡16-20ማር. 16፡14-18ዮሓ. 20፡19-23ግ.ሓ. 1፡6-8)
36እዙይ ክዘራረቡ እንተለዉ ኸዓ፥ ኢየሱስ ባዕሉ፥ ኣብ ማእኸሎም ደው ኢሉ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” #24፡36 ኣብ ግእዝ “ኣይትፍርሑ ኣነ እየ” ዝብል ይርከብ። በሎም። 37ንሳቶም፥ መንፈስ ዝረአዩ መሲልዎም ደንገፁ። 38ኢየሱስ ከዓ ኸምዙይ በሎም፦ “እንታይ ኴንኩም ኢኹም እትድንግፁ? ከምዙይ ዝበለ ሓሳብከ፥ ስለ ምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓዓል? 39ኣነ ባዕለይ ምዃነይ፥ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ረአዩ፤ ከምዝ ኣባይ እትሪእዎ ዘለኹም፥ ንመንፈስ ስጋን ዓፅምን የብሉን እሞ፥ ዳህሲስኩም ረአዩኒ” በሎም። 40እዙይ ኢሉ፥ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41ንሳቶም ድማ ኻብ ታሕጓስ ዝተልዓለ፥ ምእማን ስኢኖም እናተገረሙ እንተለዉ፥ “ዝኾነ ዝብላዕዶ ኣለኩም?” በሎም። 42ንሳቶም ድማ ጥቡስ ዓሳን፥ ወለላ መዓርን ሃብዎ። 43ተቐቢሉ ኸዓ፥ ኣብ ቅድሚኣቶም በልዐ።
44ንሱ ድማ “እዙይ እቲ ምሳኻትኩም እንተለኹ፥ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነቢያትን መዝሙርን፥ ብዛዕባይ ዝተፅሓፈ ኽፍፀም ግድን እዩ ኢለ፥ ነጊረኩም ዝነበርኩ ቓለይ እዩ” በሎም። 45ሽዑ ነተን መፃሕፍቲ ኸስተውዕልወን፥ ኣእምሮኦም ከፈተሎም። 46ቀፂሉ ድማ “ክርስቶስ መከራ ኸም ዝቕበል፥ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ካብ ሞት ከም ዝትስእ፥ 47ብስሙ ኸዓ ንስሃን ሕድገት ሕጢኣትን፥ ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ፥ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ከም ዝስበኽ ተፅሒፉ እዩ። 48ናይዝ ነገራትዙይ መሰኻኽርውን፥ ንስኻትኩም ኢኹም።”
49“እንሆ ኣነ፥ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ፤ ንስኻትኩም ግና፥ ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ፅንሑ” በሎም።
ዕርገት
(ማር. 16፡19-20ግ.ሓ. 1፡9-11)
50ሽዑ ኢየሱስ ንወፃኢ፥ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፤ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51ክባርኾም እንተሎ ኸዓ፥ ካብኣቶም ተፈለየ፤ ናብ ሰማይውን ዓረገ። 52ንሳቶም ድማ ሰገዱሉ፤ ብብዙሕ ሓጐስውን፥ ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ። 53ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።

Currently Selected:

ሉቃስ 24: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

YouVersion uses cookies to personalize your experience. By using our website, you accept our use of cookies as described in our Privacy Policy