YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 49

49
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣሞን
1እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ኣሞን ዝበሎ እዙይ እዩ፦ “ንእስራኤልዶ ውሉድ የብሉን እዩ? ወረስቲኸ የብሉን ድዩ? ስለ ምንታይ ድኣ እቲ ሚልኮም ንጉሶም ንጋድ ዝወረሳ? ህዝቡ ኸዓ ኣብ ከተማታቱ ንምንታይ ተቐመጡ? ይብል እግዚኣብሄር።” 2ግና ኣብ ረባት ከተማ ደቂ ኣሞን ድምፂ ውግእ ዘስምዐሉ ጊዜ ይመፅእ ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንሳ ኽትዓኑ እያ፤ እተን ኣዋልዳ ብሓዊ ኽቓፀላ እየን። ሽዑ እስራኤል ነቶም ወሪሶምዋ ዝነበሩ ኽትወርሶም እያ። 3ኣቲ ሓሴቦን፥ ጋይ ፈሪሳ እያ እሞ፥ ኣእውዪ። ኣትን ኣዋልድ ረባት፥ ከሊ ተዓጠቓ፥ ዋይ ዋይ በላ። ሚልኮም ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን ሓቢሩ ኽማረኽ እዩ እሞ፥ ኣብቲ መካበብያ እናዞርክን ኣልቅሳ። 4ኣቲ መንዩ ዝመፀኒ ኢልኪ፥ ብመዝገብኪ ዝተኣመንኪ ጠላሚት ጓል፥ ስለ ምንታይ ብማይ ብዝፀገቡ ልሙዕ ለሰታትኪ ትምክሒ ኣለኺ? 5እንሆ፥ ካብ ኵሉ ኸባቢኺ ፍርሓት ክሰደልኪ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ኵልኻትኩም ክትሃድሙ ኢኹም፤ ነቶም ዝሃደሙ ድማ ዝእክቦም የለን። ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ኸድሕን ክሃድም እዩ።
6 # ሕዝ. 21፡28-32፥ 25፡1-7፥ ኣሞፅ 1፡13-15፥ ሶፎ. 2፡8-11። “ድሕሪዙይ ግና ንምርኮ ደቂ ኣሞን ክመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ
7ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኤዶምያስ ከምዙይ ይብል፦ “ጥበብዶ ኻብ ቴማን ጠፊኡ እዩ? ምኽሪዶ ኻብቶም ሰብ ኣእምሮ ርሒቑ እዩ? ጥበቦምከ ኸንቱ ኾይኑ ድዩ? 8ኣነ ንደቂ ኤሳው ዝቐፅዐሉ ጊዜ ስለ ዝበፅሐ፥ ጥፍኣት ከውርደሉ እየ እሞ፥ ኣቱም ኣብ ዴዳን እትነብሩ ህዝቢ፥ ንድሕሪት ተመሊስኩም ህደሙ። ኣብ ዓሚቍውን ተሓብኡ። 9ኣከብቲ ወይኒ እንተ መፁኻ ቐሪምዶ ኣይሓድጉን? ሰረቕቲኸ ብለይቲ እንተ መፁ ዝደለይዎ ወሲዶም ኣይሓደጉልካንዶ? 10ኣነ ግና ንኤሳው ቀላዕኽዎ፤ ንመሕብኢኡ ድማ ገለፅክዎ፤ ክሕባእ ከዓ ኣይኽእልን እዩ። ዘርኡን ኣሕዋቱን ጐረባብቱን ክጠፍኡ እዮም፤ ንሱውን ድሕሪዙይ ኣይህሉን እዩ። 11ንደኽታማትካ ሕደጎም፤ ኣነ ብህይወት ከንብሮም እየ፤ መበለታትካውን ኣባይ ይተኣመና።”
12እንሆ እምበኣር “እቶም ነታ ፅዋዕ መቕፃዕቲ ኽሰትዩዋ ዘይግብኦም ሰትዮምዋ እዮም። ብሓቂዶ እንተይተቐፃዕኻ እትተርፍ ይመስለካ? እንተይተቐፃዕኻ ኣይትተርፍን ኢኻ። ብርግፅ ክትሰቲ ኢኻ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 13ባሶራ መገረምን መፃረፍን መራገምን ከም እትኸውን፥ ኵለን ከተማታታ ንዘለኣለም ከም ዝባድማ፥ ብርእሰይ እምሕል ኣለኹ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
14“ካብ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ሰሚዐ ኣለኹ። ‘ኣብ ማእኸል ኣህዛብ፥ ተኣከቡ፤ ኣብ ልዕሊኣውን ንዑ ንውግእ ድማ ተልዓሉ!’ ዝብል ልኡኽ ተልኢኹ እዩ። 15እንሆ ኣብ ማእኸል ህዝብታት ዝተሓትካ፥ ብሰባትውን ዝተንዓቕካ ገይረካ ኣለኹ። 16ኣታ ኣብ ውሽጢ ነቓዓት ኣኻውሕ እትነብር፥ ርእሲ እምባውን እትሕዝ፥ ድፍረትካን ኵርዓትካን ኵርዓት ልብኻን ኣታሊሉካ፤ ቤትካ ኸም ንስሪ ኣብ ልዑል ቦታ እንተ ሰራሕኻ እኳ፥ ካብኡ ናብ ታሕቲ ኸፅድፈካ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
17“ኤዶምያስ መገረሚት ክትከውን እያ፤ ነፍሲ ወከፍ ብኣኣ ዝሓልፍ ድማ ኽግረም እዩ፤ ስለ እቲ ዅሉ ዝወረዳ መቕሰፍቲ እውን ክስክሐላን ክፋፅየላን እዩ። 18#ዘፍ. 19፡24-25። ከምቲ ሰዶምን ገሞራን ኣብ ጥቓአን ዝነበራ ኸተማታትን ዝተገልበጣ፥ ከምኡ ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን፤ ወዲ ሰብውን ሓደ እኳ ኣይሰፍርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 19እንሆ፥ ካብኣ ብህፁፅ ከባርሮም እየሞ፥ ኣብ ልዕሊ ፅኑዕ እምባ፥ ኣብ ውሽጢ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ከም ኣንበሳ ኽድይብ እዩ። ነቲ ዝተሓርየ ኣብ ልዕሊኣ ኽሸሞ እየ። ምሳይ ክመዓራረ ዝኽእል መን እዩ? ጊዜ ዝውስነለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ጓሳኸ መን እዩ? 20ስለዙይ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤዶምያስ ዝመኸሮ ምኽርን፥ ነቶም ኣብ ቴማን ዝነበሩ ሰባት፥ ዝሓሰቦ ሓሳብን ስምዑ። ኣናእሽቱ መጓሰታቶምውን እንተይተረፈ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ብርግፅ ንሰፈሮም ዑና ኽገብሮ እዩ። 21ካብ ድምፂ ኣወዳድቓኣቶም ዝተልዓለ ምድሪ ተናወፀት፤ ድምፂ ኣውያቶም ድማ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ተሰምዐ። 22#ኢሳ. 34፡5-17፥ 63፡1-6፥ ሕዝ. 25፡12-14፥ 35፡1-15፥ ኣሞፅ 1፡11-12፥ ኣብ. 1-14፥ ሚል. 1፡2-5። እንሆ፥ ከም ንስሪ ኽነፍር፥ ኣኽናፉውን ኣብ ልዕሊ ባሶራ ኽዝርግሕ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ልቢ ጀጋኑ ኤዶምያስ፥ ከም ልቢ ቕልውላው ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ደማስቆ
23ብዛዕባ ደማስቆ፥ “ክፉእ ወረ ስለ ዝሰምዓ ሃማትን ኣርፋድን ሓፈራ፤ መኸኻውን፤ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ እውን ሓዘን ኣሎ፤ ክሃድኣውን ኣይከኣላን። 24ደማስቆ ዛሕተለት፤ ክትሃድም ድማ ዘወር በለት፤ ከም እትወልድ ሰበይቲ እውን ጭንቕን ፃዕርን ሓዛ። 25እታ ንእድቲ ኸተማ፥ እታ ናይ ሓጐሰይ ከተማ፥ ብኸመይ እያ ዘይተሓድገት? 26ስለዙይ ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቑ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ጀጋኑኣውን ክጠፍኡ እዮም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 27#ኢሳ. 17፡1-3፥ ኣሞፅ 1፡3-5፥ ዘካ. 9፡1። ኣብ መካበብያ ደማስቆ ሓዊ ኸንድድ እየ፤ ንሱውን ንኣዳራሻት ወዲ ኣዴር ከባርዖ እዩ።”
ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ነገድ ቄዳርን ከተማ ሓፆርን
28ብዛዕባ ቄዳርን ብዛዕባ እቶም ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ዝሰዓሮም መንግስታት ኣሶርን እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተስኡ ናብ ቄዳርውን ደይቡ፤ ነቶም ደቂ ምብራቕውን ኣጥፍእዎም። 29ንድንኳናቶምን መጓሰታቶምን ክወስድዎ እዮም፤ ንመጋረጃኦምን ንዅሉ ኣቑሑኦምን ነግማሎምን ክዘምቱ እዮም፤ ነቶም ህዝቢ እውን ‘እንሆ፥ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ራዕዲ ኣርከበኩም’ ኢልኩም ንገርዎም።
30“ኣቱም ኣብ ኣሶር እትነብሩ፥ ንጉስ ባቢሎን ክፉእ ምኽሪ መኺሩልኩምን ሃቂኑልኩምን ኣሎ እሞ፥ ህደሙ፤ ቀልጢፍኩም ረሓቑ፤ ኣብ ዓሚቝ ተሓብኡ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ከምዙይ ከዓ ይብል ኣሎ፦ 31‘ተስኡ ነዞም መቺይዎምን ሃዲኦምን፥ ደገን መዓፁን መሸጐርን ኣብ ዘይብሎም፥ በይኖምውን ኣብ ዝነብሩ ህዝቢ ውፁ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
32“ኣግማሎም ክዝመቱ፥ ኵለን መጓሰኦም ክማረኻ እየን። ንዅሎም እቶም ወሰና ወሰን ፀጕሮም ዝላፅዩ ሰባት፥ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ብዅሉ ወገን ድማ መዓት ክሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 33ኣሶር ድማ ሰፈር ወኻሩ ኽሳዕ እትኸውን ንዘለኣለም ከባድማ እየ። ኣብኣ ሰብ ኣይነብርን እዩ። ወዲ ሰብ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይነብርን እዩ።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዔላም
34ብንጉስ ይሁዳ ብሴዴቅያስ ዘመነ መንግስቲ መጀመርታ ብዛዕባ ዔላም ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ ቓል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ። 35“እንሆ ናይ ሓይሎም መሰረት ንዝኾነ ቐስቲ ዔላም ክሰብር እየ። 36ንዔላም፥ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ፥ ንፋስ ክሰደላ እየ፤ ንህዝባ ኸዓ ናብ ኵሉ መኣዝናት ምድሪ ኽብትኖም እየ። ካብ ዔላም ዝተሰደዱ ሰባት ዘይብላ ሃገር ድማ ኣይትህሉን እያ። 37ንህዝቢ ዔላም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምን ኣብ ቅድሚ እቶም ንነፍሶም ዝደልዩን፥ ከም ዝርዕዱ ኽገብሮም እየ፤ መዓት ጓህሪ ቝጥዓይ ከውርደሎም፥ ክሳዕ ዘጥፍኦም ከዓ ድሕሪኦም ሰይፊ ኽሰደሎም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 38ዙፋነይ ከዓ ኣብ ዔላም ክተክል እየ፤ ንነገስታቶምን ንኣሕሉቖምውን ከጥፍኦም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 39ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 49: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 49