YouVersion Logo
Search Icon

ኤርሚያስ 50

50
ምትሓዝ ባቢሎን
1እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸተማ ባቢሎንን ብዛዕባ ሃገር ከለዳውያንን ብነቢይ ኤርሚያስ ገይሩ ዝተዛረቦ ቓል እዙይ እዩ፦
2“ኣብ ማእኸል ህዝብታት ኣውርዩን ኣውጁን፤
ሰንደቕ ዕላማ ትኸሉ፤
እንተይሓባእኹም ከዓ ‘ባቢሎን ተትሒዛ፥
ጣዖት ቤል ተዋረደ፤ ጣዖት ሜሮዳክ ተሰባቢሩ፤
ምስልታታ ተዋረዱ፤ ጣዖታታ ተሰባበሩ’ ኢልኩም ኣውጁ።
3“ንባቢሎን ከጥፍእዋ ህዝቢ ብወገን ሰሜን ተልዒሎምዋ ኣለዉ እሞ፥ ነታ ሃገር ከባድማ እዩ። ሰብ ኮነ እንስሳ ካብኣ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም እሞ፥ ኣብኣ ዝነብር ኣይህሉን እዩ።”
ምምላስ ህዝቢ እስራኤል
4“በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ሓቢሮም ክመፁ እዮም፤ እናበኸዩ ክኸዱ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምውን ክደልዩ እዮም። 5ናብ ፅዮን ዝወስድ መንገዲ ኽጥይቑ እዮም፤ ገፆም ናብኣ ኣቕኒዖም ከዓ ክኸዱ እዮም፤ ዘይርሳዕ ዘለኣለማዊ ኺዳን ከዓ፥ ምስ እግዚኣብሄር ንእቶ ኽብሉ እዮም።
6“ህዝበይ፥ ከም ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኾኑ፤ ጓሶቶም ኣጋገይዎም፤ ንሳቶም ኣብ እምባታት ኰለል ከም ዝብሉ ገበርዎም። ካብ እምባ ናብ ኰረብታታት ከርተት በሉ፤ መሕደሪኦምውን ረስዑ። 7ኵሎም ዝረኸብዎም በልዕዎም፤ ፀላእቶም ድማ፦ ንሳቶም ንመሕደሪ ፅድቂ እግዚኣብሄር፥ ንተስፋ ኣቦታቶም ኣብ እግዚኣብሄር በዲሎም እዮም እሞ፥ ንሕና ኣይበደልናን በሉ።
8 # ራእይ 18፡4። “ኦ ህዝቢ እስራኤል፥ ካብ ማእኸል ባቢሎን ህደሙ፤ ካብ ሃገር ከለዳውያንውን ውፁ፤ ከምቲ ዲበላታት ንመጓሰ ዝመርሕወን ቅድሚ ዅሉ ውፁ። 9እንሆ፥ ኣነ ንባቢሎን ብወገን ሰሜን፥ ብዙሓት ብርቱዓት ህዝብታት ከተስአላ እየ፤ ንሳቶም ተሰሊፎም ክወግእዋ እዮም፤ ክስዕርዋ ኸዓ እዮም። ፍላፃታቶም ከምቲ ናይ ጅግና ተዋጋኢ ሓደ እኳ ኣይስሕትን። 10ምድሪ ባቢሎን ንዘመተ ኽትውፈ እያ፤ ኵላቶም ዘመትታ ኸዓ ብዘመተ ኽፀግቡ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ዕንወት ባቢሎን
11“ኣቱም ንርስተይ እትዘምቱ፥ ንስኻትኩም ከምተን ዓውዲ ዘኺዳ ኣርሕታት ስለ እተሰራሰርኩም፥ ከም ብርቱዓት ኣፍራስ እናሓምሐምኩም ስለ ዝተሓጐስኩምን ዝተፈሳሕኩምን፥ 12እኖኹም የመና ኽትሓፍር፥ ወላዲትኩምውን ክትዋረድ እያ፤ ካብ ኵሉ መንግስታት ዝሓመቐት ክትከውን እያ፤ በረኻን ምድሪ ኣፃምእን ምድረ በዳን ክትከውን እያ። 13ካብ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ዝተልዓለ ዅላ ኽትባድም እያ እምበር፥ ድሕሪዙይ ኣብኣ ዝነብር የለን። ኵሉ ብባቢሎን ዝሓልፍ ከዓ በቲ ዝወረዳ መቕሰፍቲ ኽግረምን ከላግፀላን እዩ።
14“ኣቱም ቀስቲ እትግትሩ ዅልኻትኩም፥ ንባቢሎን ክትወግእዋስ ኣብ ዙርያኣ ተሰለፉ። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገይራ እያ እሞ፥ ሓደ እንተየትረፍኩም ፍላፃታት ወርውሩላ። 15ኣብ ዙርያኣ ዄንኩም ‘ኢዳ ሃበት፤ ዕርዳ ወደቐ፤ ቅፅራ ፈረሰ፤ እዙይ ሕነ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፥ ሕነኣ ፍደይዋ፥ ኢዳ ሂባ፥ ግምብታት ወዲቖም፥ ቅፅርታት ፈሪሶም’ ኢልኩም ድምፂ ኣስምዑ። 16ዘርኢ ዝዘርእ ኮነ፥ ዓፂድ ዝዓፅድ፥ ኣብ ምድሪ ባቢሎን ከም ዘይነብር ግበሩ። ኵሉ ኣብኣ ዝነብር ዝነበረ፥ ዘጥፍእ ሰይፊ ፈሪሑ፥ ናብ ህዝቡ ኽሃድም እዩ።”
ምምላስ ህዝቢ እስራኤል
17እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “እስራኤል ኣናብስ ዘሳጐጕዋ፥ እተባረረት በጊዕ እያ። ቅድም ንጉስ ኣሶር ሰላሊዑ በልዓ፤ ኣብ መወዳእታ ኸዓ ናቡከደነፆር ንጉስ ባቢሎን ኣዕፅምታ ቘረጣጠመ። 18ስለዙይ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣምላኽ እስራኤል፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ከምቲ ንንጉስ ኣሶር ዝቐፃዕኽዎ፥ ከምኡ ኸዓ ንንጉስ ባቢሎንን ንሃገሩን ክቐፅዕ እየ። 19ንእስራኤልውን ናብ መውፈሪኡ ኽመልሶ እየ፤ ኣብ እምባ ቀርሜሎስን ኣብ ባሳንን፥ ክዋፈር እዩ፤ ሰብነቱውን ኣብ እምባ ኤፍሬምን፥ ኣብ ገለዓድን ክትፀግብ እያ። 20ነቶም ዘትረፍክዎም ይቕረ ኽብለሎም እየ እሞ፥ በተን መዓልቲታት እቲኣተንን በቲ ጊዜ እቱይን፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ በደል እስራኤልን ሓጢኣት ይሁዳን ክድለ እዩ፤ ግና ኣይርከብን።”
ፍርዲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ባቢሎን
21እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ናብ ምድሪ ሞራታይምን፥ ናብቶም ኣብ ፋቁድ ዝነብሩን ውፃእ እሞ፥ ቅተሎምን ኣጥፍኣዮምን። ብዅሉ ድማ ኸምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ግበር። 22ድምፂ ውግእን ዓብዪ ዕንወትን፥ ኣብታ ሃገር ይስማዕ ኣሎ። 23ናይ ኵሉ ምድሪ መዶሻ ኸመይ ተሰብረት! ባቢሎንከ ኸመይ ደቐቐት! ኣብ ማእኸል ህዝቢ ኸዓ ኸመይ ዝባደመት ኮነት። 24ኦ ባቢሎን፥ መፈንጠር ዘርጊሐልኪ፤ በቲ ዘፃወድክዎ መፈንጠር ከዓ እንተይፈለጥኪ ተትሒዝኪ ኢኺ፤ ምስ እግዚኣብሄር ኢኺ ዝተዋጋእኺ እሞ፥ ተረኸብክን ተትሓዝክን። 25ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ ሃገር ባቢሎን ዝገብሮ ኣለዎ እሞ፥ እግዚኣብሄር ነቲ ኣፅዋሩ ዘቕምጠሉ ቤት ከፈቶ፤ ንኣፅዋር ቍጥዓኡውን ኣውፅኦ። 26ብዅሉ ወገን መፂእኹም ውረርዋ፤ ማዕኸናታ ኽፈቱ፤ ነቲ ዝዘመትኩምዎ ኸም ምህርቲ እኽሊ ዀምርዎ። ፈፂምኩም ድማ ኣጥፍእዋ፤ ሓንቲ እኳ ኣይተትርፉላ። 27ንዅሎም ዝራብዓታ ሕረድዎም፤ ናብ ማሕረዲውን ኣውርድዎም። መዓልቶም፥ እታ ጊዜ መቕፃዕቶም በፂሓ እያ እሞ፥ ወይለኦም!”
28ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን፥ ንናይ ቤተ መቕደስን ሕነ፥ ኣብ ፅዮን ክነግሩ ሃዲሞም ካብ ሃገር ባቢሎን ዘምለጡ፥ ድምፂ ሰባት ተሰሚዑ እዩ።
29 # ራእይ 18፡6። “ንወርወርቲ ቐስቲ፥ ንዅላቶም ቀስቲ ዝግትሩ፥ ንባቢሎን ክወግእዋ ኣኽትትዎም። ሓደ እኳ ኸየምልጥ ኣብ ከባቢኣ ስፈሩ፤ ከም ግብራውን ፍደይዋ። ንእግዚኣብሄር፥ ናይ እስራኤል ቅዱስ፥ ተዓብያ እያ እሞ፥ ከምቲ ዅሉ ዝገበረቶ ፍደይዋ። ከምቲ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝገበረቶውን ፍደይዋ። 30ስለዙይ እቶም ኣጓብዛ ኣብ ኣደባባያታ ኽወድቁ እዮም፤ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፥ ኵሎም እቶም ናታ ተዋጋእቲ ኽጠፍኡ እዮም” ይብል እግዚኣብሄር።
31“ኣቲ ትዕቢተኛ ባቢሎን፥ እታ ንኣኺ ዝቐፅዐላ ጊዜ መፂኣ እያ እሞ፥ እንሆ ኣብ ልዕሌኺ ተሲአ እየ፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር። 32እቲ ትዕቢተኛ ኽዕንቀፍን ክወድቕን እዩ፤ ዘተስኦ ድማ የብሉን፤ ኣብ ውሽጢ ኸተማታቱ ኸዓ ሓዊ ኸባርዕ እየ፤ ኵሉ ኸባቢኡውን ክቃፀል እዩ።”
33ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ህዝቢ እስራኤልን ህዝቢ ይሁዳን፥ ብሓባር ተገፊዖም እዮም፤ እቶም ዝማረኽዎም ከዓ ብፅኑዕ ሓዝዎም፤ ከይሰድዎም ድማ ኣበዩ። 34ተቤዛዊኦም ግና ብርቱዕ እዩ፤ ስሙ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር እዩ። ንምድሮም ዕረፍቲ ንምሃብ ተጊሁ ኽማጐተሎም፥ ነቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩ ግና ዕረፍቲ ክኸልኦም እዩ።”
35“ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያንን፥
ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ባቢሎን ዝነብሩን፥
ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቓን ጥበበኛታታን ኣሎ” ይብል እግዚኣብሄር።
36ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓያሹ ዝኾኑ ሓሰውቲ ነቢያታ ኣሎ፤ ንሳቶምውን ክዕሸዉ እዮም፤
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑኣ ኣሎ፤ ንሳቶም ከዓ ኽድንግፁ እዮም።
37ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሰረገላታታን፥
ኣብ ማእኸላ ኣብ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ህዝብን ኣሎ፤
ንሳቶምውን ከም ኣንስቲ ክኾኑ እዮም፤
ሰይፊ ኣብ ልዕሊ ሃብታን ንብረታን ኣሎ፤
ንወራር እውን ክኾኑ እዮም።
38ንሳ ናይ ዝተቐረፁ ምስልታት ምድሪ እያ፤
ንሳቶም ብጣዖታት ስለ ዝምክሑ፥
ኣብ ልዕሊ ማያታ ድርቂ ክኸውን እዩ፤
ንሳቶምውን ክደርቁ እዮም።
39 # ራእይ 18፡2። “ስለዙይ ባቢሎን ኣራዊት በረኻ ምስ ወኻሩ ኽነብሩላ እዮም፤ ሰገናትውን ኣብኣ ኽሰፍራ እየን። ደጊም ንሓዋሩ ኣብኣ ዝነብር ሰብ የለን፤ ንውሉድ ወለዶውን ኣብኣ ዝነብር የለን። 40#ዘፍ. 19፡24-25። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ንገሞራን ኣብ ጥቓአን ንዝነበረ ኸተማታትን ዝገልበጠ፥ ኣብ ባቢሎን ሰብ ኣይነብርን እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
41“እንሆ፥ ካብ ሃገር ሰሜን ህዝቢ ይመፅእ ኣሎ፤ ካብ ወሰን ምድሪ ኸዓ፥ ዓብዪ ህዝብን ብዙሓት ነገስታትን ንውግእ ይለዓሉ ኣለዉ።
42ቀስትን ኲናትን ዝሓዙ ጨካናትን፥
ምሕረት ዘይብሎምን እዮም።
በፍራሶም እናጋለቡ እንትመፁ፥
ድምፆም ከም ባሕሪ ይሃምም፤
ኣቲ ጓል ባቢሎን፥
ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ተዋጋእቲ፥
ተሰሊፎም ይመፁኺ ኣለዉ።
43ንጉስ ባቢሎን ብዛዕባኣቶም ወረ ሰሚዑ፥
ኣእዳዉ ለሚሰን ኣለዋ፤
ከም እትወልድ ሰበይቲውን፥
ጭንቀትን ቅልውላውን ሒዝዎ ኣሎ።
44“እንሆ ንሱ ኻብ ትዕቢት ዮርዳኖስ፥ ናብቲ ፅኑዕ እምባ ኸም ኣንበሳ ይድይብ ኣሎ፤ ሽዑ ንሽዑ ድማ ኻብኣ ኽሰጎም እየ። ነቲ ዝሓረኽዎ ድማ ኣብ ልዕሊኣ ክሸሞ እየ። ዝመዓራረየኒ መን እዩ? ቘፀራ ዝገብረለይከ መን እዩ? ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል ጓሳኸ መን እዩ? 45ስለዙይ እግዚኣብሄር ንባቢሎን ዝመደበላ ምኽርን፥ ንሃገር ከለዳውያን ዝሓሰበላ ሓሳብን፥ እንታይ ከም ዝኾነ ስምዑ፤ ኣናእሽተይ መጓሰኦም እንተይተረፉ ተጐቲቶም ክውሰዱ እዮም፤ ንመውፈሪኦም ፈፂሙ ኸጥፍኦ እዩ። 46ባቢሎን ክትወድቕ እንተላ ምድሪ ኽተንቀጥቅጥ እያ፤ ኣውያታውን ኣብ ማእኸል ህዝብታት ክጋዋሕ እዩ።”

Currently Selected:

ኤርሚያስ 50: ትመ15

Highlight

Share

Copy

None

Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

Video for ኤርሚያስ 50