ኤርሚያስ 47
47
ብዛዕባ ፍልስጥኤም ዝተነግረ ትንቢት
1ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥
ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥
ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥
ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
2እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤
ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤
ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥
ኣብተን ከተማታትን፥
ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤
እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤
እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
3ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥
ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥
ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥
ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥
ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤
ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።
4እዙይ ዝኸውን፥
ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥
ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥
መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥
ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
5በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤
ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
6“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥
መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ?
ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።
7 #
ኢሳ. 14፡29-31፥ ሕዝ. 25፡15-17፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡6-8፥ ሶፎ. 2፡4-7፥ ዘካ. 9፡5-7። ግና እግዚኣብሄር ንኣስቀሎናን፥
ነቲ ወሰን ባሕርን ክወግእ እንትእዝዞ፥
ንኽፍፅሞውን ኣብኡ ኣዳልይዎ እዩሞ፥
ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?”
Currently Selected:
ኤርሚያስ 47: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in
ኤርሚያስ 47
47
ብዛዕባ ፍልስጥኤም ዝተነግረ ትንቢት
1ፈርዖን ንጋዛ እንተይወግኣ እንተሎ፥
ብዛዕባ ፍልስጥኤማውያን፥
ናብ ነቢይ ኤርሚያስ ዝመፀ፥
ቃል እግዚኣብሄር እዙይ እዩ፦
2እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦
እንሆ፥ ማያት ካብ ሰሜን ይለዓል ኣሎ፤
ዘዕለቕልቕ ፈሳሲ ክኸውን እዩ፤
ኣብታ ሃገርን ኣብኣ ኣብ ዘሎ ዅሉን፥
ኣብተን ከተማታትን፥
ኣብኣተን ኣብ ዝነብሩ ህዝብን ከዕለቕልቕ እዩ፤
እቲ ህዝቢ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኸእዊ እዩ፤
እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምውን ከእውዩ እዮም።
3ካብ ድምፂ ሸዀና ኣፍራስን፥
ደርጓዕጓዕ ካብ ዝብሉ ሰረገላታትን፥
ሓርገምገም ካብ ዝብሉ ጋሪታትን ዝተልዓለ፥
ኣቦታት ንደቆም ክሪኡ፥
ንድሕሪት ኣይምለሱን እዮም፤
ኣእዳዎም ደኺመን ወለል ክብላኦም እየን።
4እዙይ ዝኸውን፥
ንዅሎም ፍልስጥኤማውያን ንምጥፋእ፥
ንተረፍ ሓገዝቶም፥ ካብ ጢሮስን ሲዶናን ንምቝራፅ፥
መዓልቱ በፂሑ እዩሞ፥
እግዚኣብሄር፥ ነቶም ካብ ገማግም ከፍቶር ዝመፁ፥
ተረፍ ፍልስጥኤማውያን ከጥፍኦም እዩ።
5በራሕነት ኣብ ልዕሊ ጋዛ መፀ፤
ኣስቀሎና ጠፍአት፤ ኣቱም ተረፍ
ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ሰብነትኩም እትፅሕብሩ?
6“ኣየ፥ ኣታ ሰይፊ እግዚኣብሄር፥
መኣዝ ኮን ክትዓርፍ ኢኻ?
ናብ ሰገባኻ ተመለስ፤ ዕረፍ ህዳእ።
7 #
ኢሳ. 14፡29-31፥ ሕዝ. 25፡15-17፥ ኢዩ. 3፡4-8፥ ኣሞፅ 1፡6-8፥ ሶፎ. 2፡4-7፥ ዘካ. 9፡5-7። ግና እግዚኣብሄር ንኣስቀሎናን፥
ነቲ ወሰን ባሕርን ክወግእ እንትእዝዞ፥
ንኽፍፅሞውን ኣብኡ ኣዳልይዎ እዩሞ፥
ከመይ ኢልካ ስቕ ትብል?”
Currently Selected:
:
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in