ኤርሚያስ 48
48
ዕንወት ሞኣብ
1ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦
ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ!
ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤
ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።
2ድሕሪ ሕዚ ትምክሕቲ ኣይህሉን፤
ሰባት ልዕሊ ሓሴቦን ንዑ፥
ህዝቢ ኸይትኸውን ነጥፍኣያ፥
ኢሎም ተንኰል ይፍሕሱላ ኣለዉ።
ኣቲ መድሜን፥ ንስኺ ድማ ኽትጠፍኢ ኢኺ፤
ሰይፊ እውን ክስዕበኪ እዩ።
3ካብ ሖሮናይም፥ ናይ ምድምሳስን፥
ድምፂ ዓብዪ ጥፍኣትን፥
ዝብል ኣውያት ይስማዕ ኣሎ!
4ሞኣብ ጠፊኣ እያ።
ደቃውን ኣውያት የስምዑ ኣለዉ።
5ብዓቐበት ሉሂት ብርቱዕ ብኽያት እናበኸዩ ይድይቡ፤
ኣብ ቍልቍለት ሖሮናይም፥
ድምፂ ጥፍኣትን መሪር ኣውያትን ሰምዑ።
6ህደሙ፤ ህይወትኩምውን ኣድሕኑ፤
ኣብ ምድረ በዳ ኸም ዘሎ ቘጥቋጥ ኩኑ።
7ሞኣብ ብግብርኽን ብሃብትኽን ስለ እትተኣማመኒ፥
ንስኺውን ክትተሓዚ ኢኺ፤
ካሞሽውን ምስ ካህናቱን ኣሕሉቑን፥
ተማሪኹ ክኸይድ እዩ።
8ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፥
ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ከተማ፥
መጥፍኢ ኽመፅእ እዩ፤
ሓንቲ ኸተማ እኳ ኣይተምልጥን እያ፤
እቲ ለሰ ኽጠፍእ፥ እቲ ጐልጐልውን
ክበርስ እዩ።
9ነፊራ ኽተምልጥ፥ ንሞኣብ ክንፊ ሃብዋ፤
ከተማታታ ዝነብረን ዘይብለን ኮይነን፥
ክባድማ እየን።
10እቲ ንስራሕ እግዚኣብሄር፥
ብምሉእ ልቡ ዘይፍፅም ርጉም ይኹን፤
ንሰይፉ ድማ ኻብ ደም ዝኽልክል፥
ዝተረገመ ይኹን።
ጥፍኣት ከተማታት ሞኣብ
11“ሞኣብ ካብ ንእስነታ ጀሚራ ሕንቅቕቲ ነበረት፤ ካብ ሳርማ ናብ ሳርማ ኸም ዘይተገላበጠ ወይኒ ድማ ዝግ ዝበለት ነበረት፤ ኣብ ልዕሊ ሓተላኣውን ዓረፈት፤ ናብ ምርኮ ድማ ኣይከደትን፤ ስለዙይ ጣዕማ ኣየጥፍአትን። መዓዛኣውን ኣይተለወጠን። 12እንሆ፥ ኣነ ዘጋላብጥዋ ዝልእኸሉ ዘመን ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ሳራሙኣ ኸዕርቑ፥ ንሳቶምውን ከገላብጥዋ፥ ኣጋንኣ ጥራሑ ኽገብሩ፥ መዕረቒታታ ኽሰባብሩ እዮም። 13ሽዑ ኸምቲ ህዝቢ እስራኤል፥ ይእመንዎ ብዝነበሩ ቤቴል ከም ዝሓፈሩ፥ ሞኣባውያን ከዓ ኸምኡ ብካሞሽ ክሓፍሩ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
14“ኣቱም ሰብ ሞኣብ ‘ኣብ ውግእ
ጀጋኑን ተዋጋእትን ኢና’ እትብሉስ ከመይ ኢልኩም ኢኹም?
15ሞኣብን ከተማታታን ዓንየን እየን፤
እቶም ሕሩያት ኣጕባዛ ናብ ማሕረዲ ወረዱ፤
ይብል ስሙ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ዝኾነ ንጉስ።
16ውድቀት ሞኣብ ይቐርብ ኣሎ፤
መከራኣ ኸዓ ቐልጢፉ ይመፅእ ኣሎ።
17ኵልኻትኩም ኣብ ከባቢኣ ዘለኹም ብኸዩላ፤
ኵልኻትኩም ስማ እትፈልጡ፥
እቲ ድልዱል በትሪ፥
እቲ ኽቡር ዘንጊኸ ኸመይ ኢሉ ተሰበረ? ኢልኩም ብኸዩላ።
18ንሞኣብ ዝድምስስ፥ ንዕርድታታ ኸዓ ዘዕኑ፥
እንሆ፥ መፂኡ እዩ እሞ፥ ኣቲ ጓል ዲቦን፥
ካብቲ ኽቡር ስፍራኺ ወሪድኪ ኣብ ፅምኣት ተቐመጢ።
19ኣቲ ኣብ ኣሮኤር እትነብሪ፥
ኣብ ወሰን መንገዲ ዄንኪ ተመልከቲ፤
ነቲ ዝሃድም ሰብኣይ፥ ነታ እተምልጥ ሰበይቲ፥
እንታይ ወሪዱ እዩ ኢልኪ ጠይቒ።
20‘ሞኣብ ፈሪሳ እያሞ፥ ሓፈረት፤
ዋይ በሉ፤ ኣእውዩ፤
ሞኣብ ኣብ ሩባ ኣርኖን፥
ተስዒራ እያሞ ነወረት’ ኢልኩም ንገሩ፤
ሞኣብ ከም ዝፈረሰት ኣብ ኣርኖን ኣውርዩ።”
21“እተን ኣብ ደጕዓ ዘለዋ ኸተማታት፥ ኣብ ልዕሊ ሆሎን፥ ኣብ በያሳ፥ ኣብ ሜፍዓት፥ 22ኣብ ዲቦን፥ ኣብ ናባው፥ ኣብ ልዕሊ ቤት ዲብላታይም፥ 23ኣብ ቂርያታይም፥ ኣብ ቤት ጋሙል፥ ኣብ ቤት ምዖን፥ 24ኣብ ቂርዮት፥ ኣብ ባሶራ፥ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብ ዝረሓቓን ዝቐረባን ኵላተን ከተማታት ሞኣብ መቕፃዕቲ መፂኡ እዩ። 25ቀርኒ ሞኣብ ተቘሪፁ እዩ፤ ኢዳውን ተሰቢሩ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ሞኣብ ክትዋረድ እያ
26እግዚኣብሄር ከምዙይ በለ፦ “ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኰሪዑ እዩሞ፥ ኣስክርዎ። ኣብ ትፍአቱውን ይንከባለል፤ መስሓቒውን ይኹን። 27ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤልዶ ተባጩ ኣይነበርካን? ብዛዕባኡ ኽትዛረብ እንተለኻ ርእስኻ እትንቕንቕስ፥ ኣብ ማእኸል ሰረቕቲዶ ተረኺቡ እዩ? 28ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ፥ ካብተን ከተማታት ውፁ፤ ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ስፈሩ። ከምታ ኣብ ቀልቀል ፀድፊ ቤታ እትሰርሕ ርግቢ ድማ ኹኑ። 29ሞኣብ ዕቡይ፥ ምኩሕ፥ ፍኽኑን፥ ኵሩዕ፥ ደፋር፥ ሕቡን ምዃኑ ሰሚዕና ኣለና። 30ቍጥዓኡ እንታይ ከም ዝኾነ ኣነ ፈሊጠዮ ኣለኹ፤ ዛህራኡውን ከንቱ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ፈኸራኡ ኸንቱ እዩ። 31ስለዙይ ንህዝቢ ሞኣብን ንሰብ ቂርሄሬስን አልቅሰሎምን እበኽየሎምን ኣለኹ። 32ኦ ወይኒ ሴባማ! ኻብ ንኢያዜር ዝበኸኹሎም ኣብሊፀ ንኣኺ ኽበኽየልኪ እየ። ጨናፍርኪ ባሕሪ ተሳጊሩ፥ ክሳዕ ባሕሪ ኢያዜር በፅሐ። እቲ መጥፍኢ ኣብ እቶት ፍረ ሓጋይክን ቀውዒ ወይንኽን መፀ። 33ካብቲ ፈራዪ ገራሁን ካብ ሃገር ሞኣብን፥ ፍስሃን ደስታን ጠፍአ። ወይኒ ኻብ መሐምተሊኡ ኸም ዘይወርድ ገበርክዎ። ደጊም ወይኒ ብዕልልታ ኣይፅመቝን እዩ፤ እቲ ዕልልታኦምውን ዕልልታ ኣይኮነን። 34ማይ ኔሞሬም ከዓ ምድሪ ኣፃምእ ክኸውን እዩ እሞ፥ ኣውያት ህዝቢ ሓሴቦንን ኤልያሊና ኽሳዕ ያሃፅ፥ ካብ ዞኣር ክሳዕ ሖሮናይም፥ ክሳዕ ዔግላት ሺልሺያ ኽስማዕ እዩ። 35ኣነ ኻብ ሞኣብ ኣብ ኰረብታ ንዝሰግዱን፥ ንኣማልኽቶም ንዝዓጥኑን ከጥፍእ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።
36“ስለዙይ ልበይ ንሞኣብን ንሰባት ቂርሄሬስን፥ ከም እምብልታ ይቝዝም። ዘዋህለልዎ ንብረት ጠፊኡ እዩሞ። 37ስለዙይ ርእሲ ዅሉ ተላፅዩ፥ ኵሉ ጭሕሚ ተቘሪፁ፥ ኵላተን ኣእዳው ብጡሓት እየን፤ ኣብ ሕቘታት ድማ ኸሊ ኣሎ። 38ንሞኣብ፥ ደስ ከም ዘየብል ኣቕሓ ገይረ፥ ሰባቢረያ እየ እሞ፥ ኣብ ኵሉ ናሕስታት ሞኣብን ኣብ ዕዳጋታትን ብኽያት ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 39ኣየ ሞኣብ ከመይ ኢላ ተስዓረት? ኢሎም የልቅሱ ኣለዉ፤ ከመይ ኢላኸ ሞኣብ ነዊራ ዝባና መለሰት? ሞኣብ ንዅሎም እቶም ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ድማ፥ ንመላገፅን ንመሰክሕን ክትከውን እያ።”
ካብ ሞኣብ ዘምልጥ ከም ዘየለ
40እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ እንሆ ኸም ንስሪ ይነፍር፥ ኣብ ልዕሊ ሞኣብውን ኣኽናፉ ይዝርግሕ ኣሎ። 41ከተማታት ክውረራ እየን፤ ዕርድታትውን ክተሓዝ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ልቢ እቶም ጀጋኑ ሞኣብ፥ ቅልውላው ሕርሲ ከም ዝሓዛ ሰበይቲ ክኸውን እዩ። 42ሞኣብ ንእግዚኣብሄር ተዓቢዩሉ እዩሞ፥ ህዝቢ ኻብ ምኳን ክጠፍእ እዩ። 43ኣቱም ኣብ ሞኣብ እትነብሩ ዘለኹም፥ እግዚኣብሄር ከም ዝበሎ፥ ፍርሓትን ጕድጓድን መፈንጠርን ኣብ ልዕሌኹም ኣሎ፤ ይብል እግዚኣብሄር። 44እግዚኣብሄር ንሞኣብ ዝቐፅዐሉ ዓመት ክመፅእ እዩ፤ ይብል እግዚኣብሄር። እቲ ኻብ ፍርሓት ዝሃድም ናብ ጕድጓድ ክወድቕ፥ እቲ ኻብ ጕድጓድ ዝወፅእ ከዓ ብመፈንጠር ክተሓዝ እዩ። 45እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ። 46ኣታ ሞኣብ፥ ህዝቢ ካሞሽ ጠፊኡ እዩ፤ ኣወዳትካ ተማሪኾም፥ ኣዋልድካ ኸዓ ኣብ ምርኮ ኸይደን እየን እሞ ወይለኻ! 47#ኢሳ. 15፡1—16፡14፥ 25፡10-12፥ ሕዝ. 25፡8-11፥ ኣሞፅ 2፡1-3፥ ሶፎ. 2፡8-11። ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
Currently Selected:
ኤርሚያስ 48: ትመ15
Highlight
Share
Copy
Want to have your highlights saved across all your devices? Sign up or sign in

: